መልሲ ንመደናገሪ ኣዙራዊ መልስታት ስርዓት ኤርትራ

2121ብተወልደበርሃን ገብረ

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣስመራ ኦንላይን ዕላማ ዌብ ሳይትና ንተኸታተልትና ንኤርትራውያንን ብኤርትራ ዝግደሱን ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ እምበር ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ከነሕልፎ እንፍትን ፕሮፖጋንዳ ከም ዘይብልና ክንሕብረኩም ንፈቱ። ንኣንበብትን ተኸታተልትን እዚ ዌብ ሳይት ጉጉይ ሓበሬታ ምሃብ ብስነ-ምግባር ኮነ ብረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ቅቡል ኣይኮነን። ንህዝብናን ሃገርናን ዝግባእ’ውን ኣይኮነን። ንዝተባህለ ብምጥምዛዝ ንህዝብን ሃገርን ምድንጋር ዝፍነዉ ሓበሬታታት ውሑዳት ከም ዘይኮኑ ኩላትና እንግንዘቦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ምድንጋራት’ዚ ብዘይካ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ኣይኮነን።

ብተዘዋዋሪ ንጽሑፋትን ትንተናታትን ኣስመራ ኦንላይን ኣብ ምምላስን ምድንጋርን ዘሎ ንኻለኦት ሓዊስካ እቲ “ብሃገራዊ ድሕነት” ዝፍለጥ ፈይስ-ቡክ ናይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብግልጺ ክምክትዎ ንዘይክእሉ ሓቅታት ብተዘዋዋሪ ካብዝን ካብትን ስእልታት ይኹን ካልእ እንዳ ሸምጠጡ ንህዝቢ ከደናግሩ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣሎናን። መልሲ ዝግበኦም ጉዳያት ስለ ዘየልዕሉን ብቀንዱ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ሸንኮለል ስለ ዝብሉ ብዛዕበኦም ተገዲስና ኣይንፈልጥን ኢና። ኩሉ ዝብሉዎን ዝጽሕትርዎን ካብ ምክትታል ግን ዓዲ ዊዒልና ኣይንፈልጥን ምኽንያቱ ንመደናገርቲ ግምት ከይሃብካ ዝበሃልን ዝጸሓፍን ስለ ዘየሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ እዚ ጻሓፋይ ተዳሊዩ ብመንገዲ ኣዳላዊ መደብ ብጋህዲ ኣብ ወጻኢ (ቁ. 15) ኣቶ ቀለታ ኪዳነ ዝተነበን ንቃለ-ምሕትት ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምልከት ንዝተዋሃበ ሓፈሻዊ ገምጋም መሰረት የብሉን ብዘስምዕ ፈይስ-ቡክ ሃገራዊ ድሕነት እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ኣሎ፡-

“Eritrea doubled access to clean drinking water in rural& urban communities from 43% in 1990 to 85%+ today and aiming to 98% by 2018.
ኤርትራ ትሰርሕ እቶም ጸላእትና ብሩሕቅ ኮይኖም ይነብሑ፡ እዛስእሊ ምልክት ናይቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሓቅነት ተርእይ እያ።ርኣይዋ እሞ እታ ሓዳስ ሃገር ኤርትራ ጥራሕ ካብ ከባቢና ልዕሊ 85 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጽሩይ ማይ ክሰቲ በቂዑ፡ ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ እያ ትኣምን፡መጀመርያ እቲ ዝተወጽዓ ኣከባቢታት ጽሩይ ማይ፡ሕክምና፡ትምህርቲ ከይረኸበ ብገንዘብ ልቃሕ ሾፒን ማእከል፡ ሰማይ ጠቀስ ፎቃት ኣብ ከተማ ስለ ዝሰራሕካ ሃገር ዝማዕበለት ዝመስሎምም ዓያሹ ውሕዳት ኣይኮኑን፡ ኤርትራ ግና በቲ ዘይብሉ ክፉል ሕብረተሰብ ጀሚራ፡ እቶም ከተማ ጥራሕ በጺሖም ብዙሕ ኣይተቀየረን ዝብሉ ባኮታት ግዲ ከይገበረት ንሩሕቅ ገጠራት ዝጥምት ኣይዳ ተታሒዛቶ፡ ውጽኢቱ ከኣ እዚ ትርእይዎ ዘለኹም እዮእዛ ሓዳስ ሃገር ኤርትራ ንልዕሊ 85% ህዝባ ጽሩይ ማይ ተስቲ ሱዳንን ኬንያን የመንን 55-70% ኢትዮጵያ፡ጅቡቲን ሶማሊያን ከኣ ትሕቲ 40% ካብ ህዝበን ጥራሕ ጽሩይ ማይ ይረክብ።”

ኣነን ክቡር ፕረዚደንትን ዝበልና ተሰሪሖም ኣገልግሎት ዝህቡ የለውን ወይ ድማ ዝዓነዉ ኢዮም ዝብል ኢዩ። ክንደይ ሚኢታዊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ይረክብ ዝተዛረብናሉ ኣርእስቲ ኣይኮነን። እዞም ንህዝቢ ንምድንጋር ዝተዓጥቁ ግና “ኤርትራ ትሰርሕ እቶም ጸላእትና ብሩሕቅ ኮይኖም ይነብሑ” ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዝገርም ኢዩ። ካብ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 85% ጽሩይ ማይ ከም ዝረክብ ካኣ ከይሓፈሩ ይዛረቡ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ዕድመ ንማዕኸን ህጻናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን (UNICEF) መወልቶም መንግስታትን እምበር ንሳንቲም ቀያሕ ዘይኣውጽአ መንግስቲ ኣይኮነን ዝወሃብ። ወየዳኣ ምድንጋርን ምትላልን ባህሪ መሪሕነቶም ኢዩ እምበር ክንደይ ካብ ህዝብና ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይረክብስ ካብ UNICEF ንላዕሊ ዝፈልጥ ካልእ ትካል ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። ኣብቲ 25 Years Progress on Sanitation and Drinking Water: 2015 Update and MDG Assessment UNICEFን WHOን ብሓባር ዘውጽእዎ ጸብጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 58% ጥራሕ ኢዩ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝረክብ። ካብኡ 9% ብትቦ ናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ 49% ብምዕደሊ ንቑጣታት ዝግልገል ኢዩ። እዚ ኣሃዛት እዚ ምስቲ ኣብ 1990 ዝነበረ ኣሃዝ ማለት ብቅደም ተኸተል 47%, 7%ን 40% እንክነጻጸር ክትጃሃረሉስ ይትረፍ ዘሕንኽ’ውን ኢዩ። ሕጂ እቲ ኣብ 25 ዓመታት ተሰሪሑ ዝባሃል ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ንምድንጋር ዝግበር ሃልኪ ብምዉድዳር ምርኣይ ይከኣል።  ስለዚ 85% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ይረክብ ኣሎ ዝብል ልዕጡጥ ሓበሬታት ባዕሉ ንዝሰነዖ ቁጽሪ ካለኦት እንተ ደገሙዎ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣይቅይሮን ኢዩ።

ከምኡ ኮይኑ ነቲ ዝርካቡ’ውን ዕድመ ንለገስቲ ሃገራትን ትካላትን። እቲ ቀንዲ ሕቶ ካብዞም ብለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ዝተሰርሑ ትሕተ-ቅርጺ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክንዳይ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለዉ ኢዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝተሃንጸ ኣገልግሎት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝግባእ ኣገልግሎት ከይ ሃበ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከም ዝኸውን ባዕሎም ዝፈልጡዎ ሓቂ ኢዩ።

“ኤርትራ ትሰርሕ እቶም ጸላእትና ብሩሕቅ ኮይኖም ይነብሑ” ዝብል ሕሱርን ዝተለምደን ጉራ ክንዮ መቀጸልታ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ትርጉም የብሉን። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብሓሶትን ብምድንጋርን ባዕሉ ንዘይ ሰርሖ ከም ዝሰርሐ ኣምሲሉ ዝምድር ዘሎ ኢዩ። ስርዓት ኤርትራ ዝሰርሖምስ ይትረፍ ብመንግስታትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተዋዲዶም ንዝተዋሃብዎ ብዝግባእ ተኸናንኺኑ ክቐጽሎም’ውን ኣይከኣለን። እቲ ንህዝቢ ንምድንጋር ተባሂሉ “መንግስቲ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንዓዲ እገለ ጽሩይ ዝስተ ማይ ሰሪሑላ” እናተባህለ ዝፍኖ ዘሎ ናይ ቀረባ ዜና ካብቲ ቅድሚ 2-3 ዓመታት “መንግስቲ ንዓዲ እገለ ጽሩይ ማይ ሰሪሑላ” ዝብል ብዘይሰርሖ ብናይ ካልኦት ስራሕን ምወላን ብስም ናይ ሓሶት ርእሰ-ምርኮሳን ዝግዓር ንህዝቢ ኤርትራ ስዉር ኣይኮነን። “ብርሑቅ ኮይኖም ይነብሑ” ዝብል ኣባሃሃላ ነቶም ብርሑቕ ኮይና ነቲ ሓቂ ንገልጽን ንጽሕፍን ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ከማና ብርሑቕ ኮይኖም ብናትኩም ፕሮፖጋንዳ ከም ሓቂ ወሲዶም ከጋውሑ ዝውዕሉን ዝሓድሩን’ውን ስለ ዝምልከት ንኹልና ዜጋታት ክብሪ ከም ዘይብልኩም ኢዩ ዘርኢ። ስለዚ ንደገፍትኹም ዝመስልኹም ዜጋታት ንብሎ ሓቂ ኣይኮነን ዝብል መልእኽቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባና እትብልዎ ጽቡቕ ነገር መሰረት የብሉን ትብልዎም ምህላውኩም’ውን ምግንዛብ ከይድልየኩም ኢዩ።

ስለዚ ፈይስ-ቡክ ‘ሃገራዊ ድሕነት’ ክንዮ ሃለውለው ትኽክለኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ክትህቡ ይላቦ።

  • ሐው ተወልደ

    ንዝተሰርሐ ተሰሪሑ ፡ንዝገደለ ጎደሉ፡ ንመጽአ ከዐ ድርብ ክስራሕ ምትምናይ ጽቡቕ ፡ ከምቲ ንፖለቲካ ሐልኪ ተባሒሉ ጀላቡ
    ኣብ ዲጋ ክሕምበባ ፥ ዝረኣናየን ባሕሪ ኸምዘይብልና ፥ ስለዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምኽድ ኣይግባእን ። ንሰለቲ ንወሎዶታት
    ዝተከፍሎ !!!!!!!!!መስዋአቲ !!!!!!!!! ፍረ ጻማ ህዝቢ አሪትራ ኢዩ ። ነዚ ለባም ሕዝቢ ካልአ ይግብኦ ።
    ሰላምን ቅሳነትን ንኩሉ ህዝቢ አሪትራ !!!

  • ኣቶ ተወልደብርሃን ገብረ፣ ካብ’ቲ ንስኻ ከሺኖም ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ዘንበብካና፣ ናይ’ዚ “ሃገራዊ ድሕነት” ዝበሃል ብኣካል ኣብ ኤርትራ ዝነብር ጸብጻብ ይእመን። ክሳብ ሕጂ ብግዳማውያን ሓይልታት ወይ ትካላት ንኤርትራ ዝምልከት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኩሉ፣ ኣብ ባይታ ዝተሰርሐ ዝኸሓደ ወይ ዘቆናጸበ ኢዩ። ኤርትራ ከም ሓንቲ ካብ ገሃነም ዘይትሓሽ ሃገር ኣምሲልካ ምቕራብ፣ ሰባት ክሓስቡ ከም ዝተገዱ ጌርካ ምቕራብ፣ ሰብ ወዲ ኣዳም ክሳብ ከተንፍስ ከም ዝተኸልከለ ጌርካ ምቕራብ፣ ኮታ ተሪፍዎም ዘሎ “ኣብ ኤርትራ ሰብ ዘተንፍሶ ኦክስጂን ተኸልኪሉ” ኣሎ ምባል ጥራይ ኢያ። ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ዜጋ፣ እዋናውን ወድዓውን ሓበሬታ የቕርብ ኣሎ። ነዚ ዝጻረር ሓሳብ እንተለካ ኮይኑ፣ ካብ ብናይ ትካላት ስለላ ወይ በዓል George Soros ዝምወሉ ገበርቲ ሰናይ ጸብጻብ ምግዋሕ ባዕልኻ ኬድካ ምርኣይ ኢዩ። ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቃለ መሕትቱ “ናይ ኣይተሰርሐን” “ኣይገበርናን” ዝብላ ዝተጠቕመለን ቃላት፣ ስለ ዘይተሰርሐን ዘይተገብረን ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ከም ባህሊ ዘማዕበሎ “ምቕሉልነት” ዝበሃል ኣሎ። እዚ ድማ ንዝገበርካዮ ዓበይቲ ነገራት ኣነኣኢስካ ምርኣይ ኢዩ። እዚ ድማ ሰባት ብዝሰርሕዎ ከይንየቱ’ሞ ንኸይዛነዩ ተባሂሉ ኢዩ። ብርግጽ ብዙሓት ሃገራውያን እዚ “ምቕሉልነት” ዝበሃል ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ከብቅዕ ብጋህዲ ክሓቱ ጸኒሖም ኢዮም። “ስለምንታይ ዝተገብረን ዝተሰርሐን ዘይንገር?” ኢሎም ምስቲ መንግስቲ ምጉት ዝገጠሙ ሃገራውያን እውን ኣለዉ። ነዚ መዝሚዝካ መራሕቲ ኤርትራ “ኣይተገብረን” ስለ ዝበሉ፣ ከም ዘይተሰርሐ ኣምሲልካ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ክትሰርሓሉ ግን ኣይግባእን። ስለ’ዚ ኣቶ ተወልደብርሃን ዓዲ ዘእቱ ወረቐት እንተለካ ግርም እንተዘየሎ ግን ኣውጺእካ ኣብ ሃገር ዝተሰርሐ ርኢኻ ጽወየና።

    • ‘ምቕሉልነት’ – “ኣዴታት ኤርትራ ንደቀን መደንዘዚ መድሃኒት ሂበን ንሰጋገርቲ ሰብ የሕሊፈን ይህባ” ፕረዚደንት ኢሳያስ። ይበል ‘ምቕሉልነት’!!