መንግስቲ ኤርትራን ሕጋውነቱን-መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 16

2121ብቀለታ ኪዳነ (ኣወሃሃድን ኣቕራብን)

(ብኦዲዮ ንምስማዕ ኣብዚ ጽቐጥ)

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1993 ብመሰረት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተረከቦ ስልጣን ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ክሳብ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ምስግጋር ዝግበር ነቲ ሽዑ ዝቖመ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ  ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዋና ጻሓፊ ሕግሓኤ ግዚያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ክመርሖ ኢዩ ተመዚዙ። ነቲ ጉዳይ ምምራጽ ፕረዚደንት ቀዳማይ ዕማሙ ገይሩ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኤርትራ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብስቱር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከኣ ካብ 104 ድምጽታት 99 ድምጺ ብምርካብዩ ጊዜዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ዝተመርጸ። እዚ ውጽኢት ምርጫ እዚ  ኣብ ዝተኣወጀሉ ዕለት ፕረዚደንት ኢሳያስ ንዘስምዖ መደረ ኣብ ሎሚ ኮንካ ክትሰምዖ ከሎኻ ግን ምስ’ዚ ናይ ሕጂ ቅዋማዊ ስርዓት  ዘለዋ ሃገር ከይትምስረትን ንዑኡ ዝትክእ ሰብ ከይርከብን ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያታት ምዝኽኻር   ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ንጠቅስ መጻኢ ዕድል ሃገርና ዘተኣማምን ምእንቲ ክኸውን፣ ሕጊ ከም ዝነግስ ምግባር፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ምምስራት፣ ንደሞክራሲን ደሞክራስያዊ ትካላትን ውሕስነት ስለዝኾነ፣ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ጉዳይ እንሰርሓሉ ሕቶ ኢዩ። ኣብ ሓዳስን ናጻን ሃገር፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ምምስራትን ከምኡ ድማ ደሞክራሲ ምርግጋጽ፣ ብዓቢ ዝላ ክፍጸም ስለዘይከኣል ኣብ ኣዋጅ ቁጽሪ 37 ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተረጋገጸ፣ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ ተወሲኑ ኣሎ ክብል መደረ ሂቡ ነይሩ።

ቀጺሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ነቲ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ክዕመም ዘለዎ መስርሕ ዝሕሉ መንግስታዊ ስርዓት ብዝተኻእለ መጠን ኣሳታፊ ክኸውንን ካብ ሓጋጊን ፈጻሚን ኣካላት ክቐውምን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ከኣ እነሆ ሎሚ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ይእከብ ኣሎ። ከም ዋና ጊዚያዊ ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ነቲ ዝመጽእ ናይ መሰጋገሪ እዋን ዝለዓለ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ዝስከም ባይቶ ስልጣን ከሰጋግር ኣፍቂዱለይ ብምባል መደረኡ ይቅጽል።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝሰማዕኩሞ ወይ ዘንበብኩሞ ቃል ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ድሮ ወግዓዊ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ካብ ዘስመዖ መደረ ኢዩ። ሎሚ ድሕሪ 26ን ዓመታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ  ቅዋም ኮነ ምትግባር  ሃገራዊ ምርጫ ንዝቐርበሉ ሕቶ ዝህቦ መልሲ ግና ብኣንጻሩ ምዃኑ ነቲ ኣብ 2011 ዝገበሮ ቃለ መሕትት ደጊምካ ምውካስን  ምግንዛብን የድሊ።

ብዘይ ሃገራዊ ምርጫን ብህዝቢ ዝተመርጸ ሃገራዊ ባይቶን  ህዝቢ መራሒኡ መን ክኸውን ከም ዝደሊ ብኸመይ ክፍለጥ ይኽእል?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ፡-

ንዓይ ብኩንትራት ዝቖጸረኒ ሰብ የለን፣ ብደሞዝ ዘስርሓኒ ሰብ እውን የብለይን። እዚ ሓድሽ ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ ኣርእስቲ ዘይኮነ፣ 20 ዓመት ኣይኮነን ምሉእ ህይወተይ ሰሪሐን ኣገልጊለን ኢየ። ናይ ኤርትራ ኩነታት፣ እንታይ ይመስል፣ እንታይ ኣይመስልን፣ ናይ ደሞክራሲ፣ ናይ ሕብረ ሰልፊ፣ ናይ ምርጫታት ዝበሃል፣ እዚ ንርእዮ ተዋስኦታት፣ ድራማታት ናይ ዓለም፣ ከምኡ ክንገብር ኣይንደልን። እቲ ፖለቲካ እንታይ ኢዩ? መጋበርያ ኢዩ፣ ሚንስ (Means) ኢዩ። እቲ ዕላማ ናይ ህዝቢ መነባብሮ፣ ናይ ህዝቢ ህይወት፣ ዓይነት ህይወት ህዝቢ ምቕያር ማለት ኢዩ። እቲ ካልእ ዝኾነ ኣሰራርዓ፣ ዝኾነ ስርዓት፣ ንጉሳዊ ይኹን፣ ኤሚራዊ ይኹን፣ ሪፑብሊካዊ ይኹን፣ ዝተፈላለየ ካልእ ስም ይወሃቦ፣ ናብቲ ትደልዮ ክትበጽሕ ምእንቲ መገልገሊ ኢዩ ክብል ኢዩ መልሲ ሂቡሉ።

እሞኸ ኣብዚ ዝሓለፈ 26ን ዓመታት ዲሞክራስያን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትንሲ ይትረፍ ናብራ ህዝብናኸ ተመሓይሹዶ ኢልካ ሕቶ ምልዓሉ ዘይተርፍ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ሕሰም ናብራ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ኣንቆልቍሉ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ብ20 ሚያዝያ 1993 ምስ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ንፖለቲካዊ ህንጸት ኤርትራ ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነይሩ፦ ህዝባዊ ግንባር ኣብዚ ሃገር ደሞክራሲ ኸስፍን ባይታ ኣብ ምምድማድን ንሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ዝምችእ ሃዋህ ኣብ ምፍጣርን ሓጋዚ ተራ ክጻወት ኢዩ። እዚ ክንዲ ምንታይ ግዜ ይወስድ ወይ ብኸመይ ይትግበር ዝብል ሕቶ ቴክኒካዊ ጉዳይ ኢዩ ንዝበሎ ረሲዑ ኣብ 22 ግንቦት 2008 ንተሌቪዥን ኣልጀዚራ፡-

“ኣብ 2001 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምርጫ ኣይተተግበረን። መዓስ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ምርጫታት ክካየድ?” ተባሂሉ ምስ ትሓተተ ድማሰላሳኣርብዓ ዓመታት ክንጽበ ንኽእል ንኸውን፣ ምናልባት እውን ልዕሊኡ ብምባል  ድሕሪ ሎሚ ከይትሓቱኒ ዝዓይነቱ መቕበጺ መልሲ ክህብ ኢዩ ተሰሚዑ።

ዝዀነ ይኹን ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ዕላማታትን ድሌታትን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ድሌት ህዝቢ ክትብል ከሎኻ እምበኣር ናይቲ ዝበዝሕ ቍጽሪ ማለት ኢዩ። እሞ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮን ነቲ መንግስቲ ዝሓቶን ዘሎ ይኣኽለካ ውረደልና ኣይንደልየካን ድዩ? ወይሲ ቅዋምን ምርጫን መንግስታዊ ኣሰራርሓን ፍትሕን የድልየና ኣሎ ኢዩ? ብርእይቶና ኵሉ እኳ ዘድልን ክግበር ዝግብኦን እንተዀነ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጠልቦን ዘሎ ግን ሕግን ስርዓትን ክህልዎ፡ ብፍትሕን ብኽብረትን ክነብር፡ ነብሱ ኮነ ደቁ ከምኡ’ውን ንብረቱ ክውንን ካብ ፍርሕን ራዕድን ወጺኡ ብሰላምን ብቕሳነትን ክሓድር፡  ኣብ ዝደልዮ ሰሪሑን ነጊዱን  ንብረቱ ኮነ ገንዘቡ ከም ዝደለዮ ከመሓድር ክኽእል ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን እቲ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ እንድሕሪ ቀሲኑን ደቂሱ ሓዲሩን ንመንግስቲ ሰላምን ቅሳነትን ኣይክህብን ኢዩ ካብ ዝብል ዝብገስ ኰይኑ ቀንዲ ዕላማኡ ህዝቢ ከይቀስንን ከይድቅስን ምክልባቱ ምዃኑ ካብ ኣሰራርሓኡ  ንምርዳእ ስለ ዝከኣል  ሕቶ ኮነ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ናብራ ስለ ዝሓሰሞን ፍትሒ ስለዝሰኣነን እዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝበዝሕ ብተስፋን ብጽባሕ መንግስትና ክመሓየሽን ክሓልፈልና ኢዩ ምባልንዩ ሓሊፉዎን ዝሓልፎ ዘሎን። ገለ ገለ ኣቐዲሞም ዝፈለጡዎን ዝገምገሙዎን ደቂ ሃገር ግን እዚ መሪሕነት’ዚ ከይዱ ከይዱ ከምዚ ሎሚ ዘለዎ ዕሉል ዓማጽን ገባትን ከም ዝኸውን ብምርዳእ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሮም ኢዮም ክቃወሙዎ ወይ ክእርሙዎ ፈቲኖም። ንርእሶም ድኣ ጠፊኦምን ሓቒቆምን እምበር እቲ ዝበዝሕ ድሓን ንጸበ ኣቐዲምና ነቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነልግስ ዝብል ስለዝዓብለለ ግን ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ወርሒ ጥሪ መወዳእታ 2017 ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝሃቦ  ቃለ ምሕትት ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ወትሩ ተኸታቲልዎን ሕውስዋስ ስምዒት ፈጢሩሉን ኢዩ። ገሊኡ ንለውጥን ብሩህ ተስፋን ዝኣንፈተ ሓድሽ ነገር እንተሰምዐ ብምባል፣ ገሊኡ ድማ ነቲ ዘይቀጥታውን ኣብ ጓል መገዲ ዘድህብን ብዀለል ጀሚሩ ብዀለል ዝውድእ መልስታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምስማዕን ሎሚ’ኸ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን ብዝብል ነናቱ መበገሲ ሒዙ ከም ዝተኸታተሎ፣ ኣብ እዋኑ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዋህበ ግብረ መልስታት ግሉጽ ምስክር ኢዩ። ንሕናውን ብዓቕምና ቅድሚ ሎሚ ርእይቶና ሂብናሉ ኢና።

ኣብዚ ቃለ መጠይቕ’ዚ እታ ብፍላይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንእንነብር ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ዘቃለብናላ ሕቶ ፕረዚደንት ኢሳያስ ግን  ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ክግበር ትሓሲቡ ዘሎ ለውጥን መደባትን እንተሎ ትብል ሕቶ ኢያ።

ዋላኳ እቲ ንክሓቱዎ  ነቶም ጋዜጠኛታት ተጻሒፉ ዝተዋህቦም ሕቶታት ህዝቢ ንምህውታት ባዕሉ ዘበገሶ ምዃኑ ዝግመት እንተዀነ ጭቡጥን ንሱ ንባዕሉ ዝኣምነሉን ለውጢ ክግበር መደብ ስለ ዘይብሉ ግን ኣብ መልሱ ብዙሕ ክሽገር ተራእዩ ኢዩ።  ብውልቂ ኮነ ብእኩብ፣ ብግሁድ ኮነ ብስቱር ነቲ ኣሰራርሓን ኣከያይዳን መንግስቲ ዘይንሰማምዓሉ  ደቂ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ዳርጋ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ እንተዀነ እውን ንሃገርን ህዝብን ሰላም ዘምጽእ ንሓድነትን ሓይሊ ሃገርናን ቍጠባናን ዘተባብዕ ሓደ መራሒ ክህቦ ዝግባእ መልሲ ክረክብ ዝተጸበየ ግን ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ንቃለ-ምሕትት ፕረዚደንት ኢሳያስ ትርጉም ሂቡ ካብ ዘይከታተሎ 10ተታት ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ምእንቲ እዛ በብቁሩብ ትጥሕል ዘላ መርከብ ትመስል ኤርትራ ኣብ ሃገርና  ደሞክራስያዊ ለውጢ ብህጹጽ ክተኣታቶ እንደልን እንቃለስን ወገናት ናይ ለውጢ ሃረርታና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብድሕሪ  ኵናት ባድመን ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዝነበሩ ማለት ጂ-15ን ፕረሲደንት ኢሳያስ ክኽተሎም ዝጀመረ ኣገባብ ኣሰራርሓን ወሰን ኢልካ ማእሰርቲ ደቂ ሃገርን ንህዝቢ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ጥራሕ ዘይኮነ ተቓውሞኡን ጽልኡን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ብግሉጽ ዝርኤን ዝስማዕን ዘሎ ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ እቶም ኣብ ሃገር በጺሖም ዝምለሱ ዘሎዉ ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ምሉእ ሃገርና ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ሕሱም ናብራ ወዲቑ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና ንመንግስቲ ክጻረፍን ክራገምን ዘይውዕል ዳርጋ የልቦን ዝብሉ ሓበሬታታት ካብቶም ዓዲ በጺሖም ዝምለሱ ዜጋታት ዝስማዕ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።   እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ  ግን እቲ  ኣብ ኤርትራ ካብ ፖለቲካ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ ዝሕሰብ ካልእ ፖለቲካ የለን ዝብል ተደጋጋሚ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክትዝክር ከሎኻ ኣይትብከ እንድ’ ዘብክየኒ ዘሎ ዘብል ኢዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ቃል ፕረዚደንት ኢሳያስ፣ ንጊዜኡ ከም ዋዛ ወይ ቀሊል ዝርኣናዮ ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ዝያዳ ዝገርም ግን ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝሃቦ መግለጺ ወይ መቕበጺ ረሲዕና ካልእ ብድሌቱ ምዕቡል ለውጥን ፍትሕን ዲሞክራስን  ከምጽኣልና ንጽበ ምህላውና ኢዩ። ካብቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ከም ጊዚያዊ ፕረዚደንት ዝተመረጸሉ ጊዜ  ንድሕሪት ምልስ ኢልና መዛግብቲ ምስ እንግንጽል ግና ነዚ ሎሚ ዝዛረቦን  ዝህቦን ዘሎ መግለጺታት  ዘራጕድን ዘዘኻኽርን መልእኽቱ ኢና ንረክብ። ን ኣብነት ኣብ ብ1994 ኣብቲ “ርክብ ህዝብን ፕረዚደንትን” ብዝብል ዝፍኖ ዝነበረ መደባቶም እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

ኣብዚ ሃገር መንግስቲ እንድሕር ኣሎ ፈቲና ጸሊእና  ህዝባዊ ግንባር ኢዩ። ኣብዚ ሃገር እዚ፣ ውሕስነት ናይዚ ሃገር እንድሕር ኣሎ፣ ህዝባዊ ግንባር ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ካልእ ዋሕስ፣ ካልእ ዋልታ ናይዚ ሃገር የለን። ህዝባዊ ግምባር ናይ ምልኪ መገዲ ምምራጽ ዝደሊ ነይሩ እንተዝኸውን፣ ከኣ ዝሓንኽ ውድብ ኣይኮነን። ንሓደ  ፈሪሑ ንሓደ ሓፊሩ ጥውይውይ ዝብል ውድብ እውን ኣይኮነን፣ ሓደ ምልካዊ ስርዓት ምምጻእ ዝደሊ ነይሩ እንተዝኸውን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ዝኽልክሎ ሓይሊ ኣይምሃለወን ከም ዝበለ ይዝከር።

ብልክዕ ከኣ ከምቲ ሽዑ ዝበሎ ነዚ ኣብ ሃገርና ፈጢሩዎ ዘሎ ውድቀትን ጽንተት ህዝብን መንእሰያትን ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ሓይሊ ኣይተረኽበን። ሓቂ ንምዝራብ እንተዀይኑ ግን ኣብዚ ኣውዲቑና ዘሎ ንሱ ባዕሉን ምምሕዳሩን እምበር ህዝባዊ ግምባር ኣይኮነን።

ንምዃኑ እቲ ህዝባዊ ግምባር ዝበሃል መንዩ? ድሕሪ ምውጻእ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ሰማንያታትከ ብዘይካ ህዝባዊ ግምባር ካልእ ውድብ ወይ ሰልፊ ነይሩ ድዩ? ህዝባዊ ግምባር ዝበሃልከ እቲ ኵሉ ኣብ ትሕቲ  እቲ ውድብ ተጠርኒፉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝሰርሕን ንናጽነት ሃገሩ ዝቃለስን ዝነበረ ኵሉ ህዝቢ ኣይኮነን ድዩ? እሞ መንዩ እዚ ሎሚ ህዝባዊ ግምባር ዝበሃል ዘሎ? ህዝባዊ ግምባር ከም ውድብ መጠን’ከ ኣሎ ድዩ? መግለጺ ስርዓት ኤርትራ  ወይ ካድራቱ ንሓደ ክልተ ጥራሕ ዘይኮነ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንምግጋይን ንምጥባርን ህዝባዊ ግምባር እናበልካ ዝግበር ሸፈጥ ከኣ ኣይፋልኩምን ህዝባዊ ግምባርሲ ኣይ ብኢድና ኣይብኣፍና ይብለኩም ኣሎ ክንብሎም ንፈቱ።

ብሕልፊ ከኣ እቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብዚ ሃገር ብዘይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ፖለቲካ ካልእ ፖለቲካ ኣሎ ዝብል ሰብ እንድሕር ኣሎ ኮይኑ ካልእ ንሕና ዘይንፈልጣ ኤርትራ ኣላ ማለት ኢዩ። ሕጂ ፋሽን ኮይኑ ደሞክራሲ ዘይደሞክራሲ ብዙሕነት ናይ ሰልፍታት ከምኡታት ዝብሃል ምህውታት ኣብዚ ሃገር ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ እንድሕር ኣሎ ኮይኑ ኣብ ካልእ ዓለም ወይ ኣብ ወርሒ ከይዱ ክሓስብ ክኽእል ኣለዎ ክብል ንዝተዛረቦ  ክትዝክር ከሎኻ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ለውጢ ዝበሃል ከይተስምዑኒ ማለቱ ስለዝዀነ  እቶም ንጋገ ዘሎና ንሕና እቶም ካብኡ ለውጢ ንጽበ እምበር እቲ መንግስቲ  ወይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣይኮነን።

ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ብድሌቱ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ምስግጋር ዘይሕሰብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ኣጋጣሚታትን ከይ ሓፈረ ክድርጎሖ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ 1994 ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህላወ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ከም ዘረጋግጽ ቃል ብምእታው፣ ኣብ መሪሕነት ይኹን ኣብ ፖለቲካ፣ መተካእታ ዘይብሉ ሰብ ከም ዘየለ ዝመስከረ ፕረዚደንት ኢሳያስ፣ ሎሚ ንሱ ባዕሉ ክትካእን ዝትከኦ ዝኽእል ሰብ ከም ዘይተፈጥረን ከረጋግጽ ከሎ ንዓናን ንብቐረባ ዝዕዘቡ መንግስታትን ኣህዛብን ዘደንጹ ናይ ታሪኽ ሓተላ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፣ ኣብ ዝተፈላልየ ጽፍሕታት ብተወፋይነትን ጀግንነትን ንሃገሮም ክሰርሑ ዝጸንሑን ዘለዉን ሃገራውያን ኣለዉ ኢዮም።  እዞም ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጌጋታት ፈጺሞም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ሕጂ ብብልሽዉናን ዓመጽን ንዛረበሉ ዘሎና ፕረዚደንት ተኪኦም ሃገርን ህዝብን ዘይመርሑሉ ምኽንያት ግን የሎን። ሓደ ነገር ኣጸቢቕና ክንፈልጦን ክንርድኦን ዝግብኣና ግን ኣብ ሃገርና ኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት መተካእታ ክርከበሉ ዘይክእል ሰብ  ኮነ መንግስቲ ዘይምህላዉ ኢዩ። ሰብ ይመውት ሰብ ይትካእ። መንግስቲ ይሓልፍ መንግስቲ ይትካእ። ህዝቢ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕቲ፣ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣለይቲ፣ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ መንግስቲ ክፈጥር ስለዝኽእል ከኣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ  ናይ ምግባትን ኣነነትን ጠባያት ክቕልቀሉ ኣብ ዝጅምሩሉ ግዜ ህዝቢ  ክከላኸልን ከይተጐብኤን ፈጺሙ ከይተመልከን  ከሎ ክቃለስን ክስዋእን  ግቡእ  ኣለዎ።

ብ22 ግንቦት 2008 ተሌቪዥን ኣልጀዚራ፡-

ኣብ 2001 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምርጫ ኣይተተግበረን። መዓስ ኢዩ ኣብ ኤርትራ ምርጫታት ክካየድ? ንዘቅረበትሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ሰላሳኣርብዓ ዓመታት ክንጽበ ንኽእል ንኸውን፣ ምናልባት እውን ልዕሊኡ ብምባል  ድሕሪ ሎሚ  ናይ ስልጣነይ ዕድመ ዝምልከት ከይትሓቱኒ  ዘስምዕ መቕበጺ መልሲ’ዩ  ሂቡ ። ከምቲ ዝወለደን ዝዘርኤን ኣይቀብጽን ኢዩ ዝበሃል ጥራሕ ዘይኮነ ካልእ ምርጫ እውን ስለዘይረኸበስ ህዝቢ ኤርትራ ግን ዋላ ብድሕሪ እዚ ቅበጹ ዝብል መግለጺኡ እውን ቍሊሕ ምባል ኣይገደፈን።

ኣብዚ ዓለም ብዛዕባ ኣድላይነት ምርግጋጽ ፍትሕን ደሞክራስን ክዝረብ ከሎ ኣብ ክንዲ ነቶም ንመትከላት ፍትሕን ደሞክራስን ብግብሪ ዝትርጉምዎ፣ ምስሉይ መንጠሊና ደሞክራሲ ለቢሶም ብኣፎም ጥራይ ዝዝምርዎ እውን መሊኦም ኢዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዮም ኣብዚ ዓለም ዝተመርጹ መራሕቲ (Elected Leaders) ጥራሕ ዘይኮኑ ዝተመርጹ መለኽቲ  (Elected Dictators)  እውን ዘለዉ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ግን ንኽልቲኡ ኣይደልዮን ኢዩ። ከምቶም ሰብኣዊ መሰል ዜጋታቶም ኣኽቢሮም  ብቅዋማዊ ስርዓት ሃገራት ዘመሓድሩ መራሕቲ ክኸውን ኣይደልን ኢዩ። ከምቶም ብጉልባብ ቅዋማውን ሕብረ ሰልፋውን ስርዓት ምልኪ ሓደ ሰልፊ፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ምልኪ ሓደ ሰብ ኣንጊሶም ዝነብሩ መራሕቲ ክኸውን ዝመረጸ ክነሱ ብቓላቱ ግን ንዕኡ እውን ኣይኣምነሉን ኣይቅበሎን ኢዩ።  ከምኡ ምግባር ትርጉም ዘይብሉ ሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ኢዩ ዝብሎ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ 2011 ብኣገልግሎት ቴሌቪዥን ኤርትራ ንዝቐረበሉ ይትረፍ ሓደ ግዜ ዓሰርተ ግዜ እውን ሃገራዊ ምርጫ እንተዝካየድ፣ ንህዝባዊ ግንባር ዝስዕር ሰልፊ ከም ዘየለ ተጻባእቲ እውን ኣረጋጊጾም ዝፈልጥዎ ኢዩ። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ዋላ  እውን ኣድላይነቱ ኣይረኣዮ ነቶም ንኤርትራ ንምውንጃል ከም ምስምስ ዝጥቀምሉ ዕድል ንምኽላእ፣ ምርጫታት ዘይካየድ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። መልስኻ እንታዩ?” ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቡሉ፡-

ኣነ እዚ ዝሓለፈ ኣስታት 14 ዓመታት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝተኣወጀ ኲናት ብዝተፈላለየ መልክዓት፣ ኣብ ናይ ኲናት ኩነታት ኢና ዘሎና።ኣነ እዚ ጉዳያት ምርጫታት ከምዚ ከምዚ ዝበሃል፣ ንሕና ኣብ መኣዲ ዕላቓት ዓማ ወይ ፓብሊክ ሪሌሽንስ ወይ ከኣ ኣብ መኣዲ ናይ ካልኦት ክንኣቱ፣ ክዛረበሉ እውን ኣይደልን ኢየ ክብል ትርጉም ዘይብሉ መልሲ ብምሃብ ኢዩ ሓሊፍዎ።

ካብ መንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ምስ ዳርጋ ኩሎም መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ግጭት ዝኣተወ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ካብቲ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካኡ ዝኽተሎ ኣካይዳ ኢዩ ዝምንጩ። ምኽንያቱ ንህዝቡ እሙን ዘይኮነን ንጠለባት ህዝቡ ብጎነጽን ብማእሰርትን ማሕነቕትን ዝምልስን ስርዓት ኪኖ’ቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ዶብ ምስ ዘለዉ ስርዓታት ሰላማዊ ዝምድናታት ክህልዎ ትጽቢት ኣይግበርን ኢዩ።  ብውሽጣዊ ባህርያቱ ኣዝዩ ትሃስዩ  ስለ ዘሎ ከኣ ናይ ግዳም ዝምድናታቱ ክንዲ ምንታይ ተነጽሎን ኩነኔን ከም ዘስዓበሉ ዘይርድኦ ኣይኮነን። ብርግጽ ተነጽሎ ከም ዘጋጠሞ ኣይክሕዶን ኢዩ። እንታይ ድኣ  እቲ ተነጽሎ ብሰንኪ ተጻብኦ ኣሜሪካን ሰዓብታን እምበር ብናቱ ሽግር ዝመጸ ከም ዘይኮነ ኢዩ ከረድእ ዝጽዕር። እዚ ኵሉ ግን ብዘይካ ንነብሱ ምዕሻውን ንሃገሩን ህዝቡን ለኪሙ ምውዳቕን እንተዘይኮይኑ ክሳብ ሎሚ ዘምጽኣሉ ዓወት የለን።

ብዘይካ’ዚ ዓለም ትጭክነለይ ኣላ ዝዓይነቱ መግለጺታት ካብ ምሃብ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ እገዳታት ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል ክለዓለሉ ብመገዲ ወኪላቱ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ብተደጋጋሚ ክማጎት ይስማዕ። ኮይኑ ግና ንግዝኣተ ሕጊ ዘይምእዘዝ ስርዓት ብቋንቋ ሕጊ ነብሱ ክከላኸል ኣየምሕረሉን ኢዩ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ክርዳእ ስለ ዘይደለየ ከኣ ኢዩ በቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነጽሎን ኩነኔን ኣብ ክንዲ ክልተ ግዜ ሓሲቡ ነብሱ ዝእርም፣ ልቡ እንደገና ኣትሪሩ  ዝመጸ እንተመጸ ካብ መስመረይ ወይ’ከ ፈልከት ክብል ዝስማዕ። እሞ ከምዚ ኢልካ ደኣ ክሳብ መዓስ ኢዩ? ምሳና ምስቶም ናትኩም ኢየ ዝብለና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ዝዕረቕን ሰላም እንተ ዝገብርን ምስቲ ናይ ግዳም ዓለም እውን ብሰላም ዘናብሮ ጥበብ ኣይምሰኣነን። ዓለም ብምልእታ ከም ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢቱ ኮይና ስለ ትርኣዮ ግና ዝርገጽ ረጊጹ ክዕንትርን ክሳብ ዘሎ ክገዝእን  እንተዘይኮይኑ ከኣ ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካኡ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ክገብር ቅሩብ ኣይኮነን። መቸም ዝበሎ ደኣ ኣይዝክርን ኢዩ እምበር፣ ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ዘይተሃንጹ ስርዓታት ዕምሮም ሓጺር ምዃኑ  ባዕሉ ኣብ ሜዳ ኣስተምህሮ ሂቡሉ ከም ዝነበረ ብዙሓት ዝሰምዑዎን ዝፈልጡዎን  ዘዘንትዉዎን ኢዩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ  ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ምስ ማዕከናት ዜና ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፣ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ተደጋጊሙ ዝበሃል ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ኣግሂዱ ነይሩ። ንሱ ከኣ ኣብ ፍትሒን ደሞክራሲን ዘይተመስረተን ሕጋውነት ዘይብሉን ስርዓት ውዒሉ ሓዲሩ ወዳቒ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ፍትሓውን ደሞክራስያዉን ሕጋውን ቃልሲ ዘካይድ ወገን ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ተዓዋቲ ምዃኑ ነዚ ምጉት’ዚ ምርኩስ ጌርና ክንሓስብ እንተ ኮይና  መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ በዚ ሕጂ ዝጓዓዘሉ ዘሎ ኣንፈት ናበይ ገጹ ኢዩ ዘምርሕ ዘሎ ኢልካ ክሕተት ይከኣል ኢዩ።

ቅድሚ ናብቲ መደምደምታ ምኻድና ኣብ ሜዳ እንከሎ እንታይ ኢሉ ከም ዝነበረ ከነዘኻኽሮ ንፈቱ። ንሱ ማለት ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ኢሳያስ ከምዚ ይብል፡-

ሓንቲ ነቲ ኣተሓሳስባ እትጸልዎ፣ እዚ ስርዓት (ስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ማለቱ ኢዩ) ኣብ ፍትሒን ኣብ ደሞክራሲን ዝተመስረተ ዘይኮነ፣ ዘይሕጋዊ ስርዓት ብምዃኑ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቑ ኣይተርፎን ኢዩ። ናይ ሃይለስላሰ ስርዓት ከም ዝወደቐ ወላ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ደርጊ እውን  ኣብ ሓንቲ እዋን ሓንቲ መዓልቲ ክወድቕ ምዃኑ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣብ ሓንጎሉ ክገብራ ይግባእ። ክወድቕ ኢዩ። ምናልባት ብናትና ዓቕሚ፣ ብናትና ወተሃደራዊ ግዝፊ፣ ብናትና ምውንጫፍ ንቕድሚት ጥራይ ድዩ ዝወድቕ ወይስ ካልኦት ረቛሒታት ኣለ? ብዙሓት ምኽንያታት  ክጥቀሱ ይኽእሉ  ኢዮም። ቅድሚ ኹሉ ግን ንሕና ናትና ረቛሒታት ንፈልጥ ኢና። ንሕና ፍትሓዊ፣ ደሞክራስያዊ፣ ሕጋዊ ዝኾነ ቃልሲ ና። እዚ ቃልሲ ብሓይሊ ክዳኸም ይኽእል እምበር ብፍልስፍና ክዳኸም ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ደሞክራሲን ፍትሕን፣  ሰብኣዊ መሰልን  ንጹግ ክኸውን ክዳኸም ኣለዎ ማለት ኢዩ። እዚ ክሳብ ዘሎ ምድኻም ናይ ሓይልታት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ግን ሰውራ ክጠፍእ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ስርዓት ከኣ ምውዳቑ ኣይተርፎን ኢዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ካብ ልቡ ዝበሎ ነገር ኮይኑ እንተ ነይሩ እቲ ሓቂ መንግስቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ እውን ብርግጽ ክወድቕ ኢዩ።

ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ባኹራ ትጽሕጽሕ” ከም ዝባሃል “ስርዓትናን መሪሕነቱን ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይብሎም ክነሱ” ሕሰም ህዝቦምን ሃገሮምን ዘይዓጦም ወገናት ክትዕዘብ እንከሎኻ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ጉዳዩ ምስ ስርዓት ኢሳያስ ጥራሕ ኣይኮነን። ምስቲ ንሕሰሙ ዘጋድድን ዘናውሕን ዘሎ ብሽም ‘በለስ’ ዝጽውዑዎ በጻሒ ዜጋ እውን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ዓገብ ጽቡቕ ኣለኻ ኣብ ክንዲ ተጋጊኻ ኣይተጋገኻን ምባል “ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ብማለት ምስቲ ንህዝብን ሃገርን ጂሆ ሒዙ ንሃገርና ዝሓመሰን ንመንእሰያትና ዝሰጎጎ ስርዓት ብምውጋን ከቢድ ሞራላዊ ይፍጽሙሉ ከም ዘለዉ ካብ ምዝራብ ኣየቋረጸን። ኣብ ዉሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንስርዓት ኢሳያስ ነዚ ኣብ ደገ ዘሎ ብበለስ ዝጽውዖ በጻሒ ዜጋ ከም ዝኽዕቦ ማንም ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ታሪኻዊ ጌጋ ስለ ዝኾነ።

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ

 

ሰላም ቅነ