ሚኒስተራትና ምምሕዳራ’ውን ባጀታ’ውን ስልጣን የብሎምን፡- መልሲ ንመስከረም

cropped-2121ብተወልደብርሃን ገብረ

ሀ) መእተዊ

መጀመርያ ብዛዕባ ፍልልያት መንግስትን ሃገርን (ማለት ደውላ) ከብርህ ባህ ይብለኒ። ምኽንያቱ ንብዙሓት ዜጋታት ካብ ዘጋጊ ነገር ፍልልያት እዞም ሓደ ዝመስሉ ግን ካኣ በበይኖም ቃላት ስለ ዝኾኑ። እቲ ሃገር ወይ ደውላ ዝብል ኣምር (1) ብኣህጉራዊ ዉዑላት ዝፍለጥ መሬታዊ ግዝኣት ወይ ሓድነት (2) ህዝቢ (3) ልኣላውነትን (4) መንግስትን ዝብሉ ቃላትን ኣምራትን ኣለዉዎ። ስለዚ መንግስቲ ዝብል ኣምር ሓደ ክፋል ናይ ሃገር ኮይኑ ትካል ኢዩ። ከም ኣካል ሃገር መንግስቲ መሳርሒ ሓደ ሃገር ኢዩ። ብመንገዲ መንግስቲ ሕግታት፡ ፖሊሲታትን መምርሕታትን ይሕንጸጹን ይትግበሩን። መንግስቲ ዝብል ኣምር ኣብ ዉሽጡ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣካላት ኣለዉዎ ማለት፡- (1) ሓጋጊ (2) ፈጻሚ (3) ፍርዳዊ ኣካላት። ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ድማ ንድሕሪት ተመሊስና ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እንተ ተዓዚብና እዞም ሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ብጭቡጥ ንረኽቦም ኢና። ሓጋጊ ኣሎ። ፈራዲ ኣሎ። ፈጻሚ’ውን ከምኡ። ምናልባት ናይ ቃላት ፍልልያት ከደናግረና ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓጋጊ ዝብል ቃል ብመጋባእያ፡ ነቲ ፈራዲ ዝብል ቃል ብሽማግለታት፡ ነቲ ፈጻሚ ዝብል ቃል ካኣ ብምምሕዳር ወይ ኣማሓደርቲ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። እዚ ኣገባብ ምሕደራዚ ሕብረተሰብና ቅድሚ ዘመናዊት ሃገር ዝብል ኣምር ነይሩ ማለት’ውን ኢዩ።

እቲ ዝገርም ንዘመናዊት ሃገር (modern state) ዝፈጠረ ውዑል፡ ዉዑል ዌስትፈሊያ ኢዩ። እዚ ዉዑል’ዚ ኣብ 1648 ዓ/ም ንደማዊ ውግእ ሰሜናዊ ክፋል ኤሮጳ መኸተምታ ዝገበረ ስምምዕ ኢዩ። ቅድሚ 1648 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኤሮጳ (ንብርጣንያ ወሲኽካ ማለት’ዩ)፡ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበራ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኢያ። እተን ተኸተልቲ እምነት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበራ ሃገራት ካብቲ ደማዊ ኲናት ንምውጻእ ተሓድሶ ዝብል ኣምር ብምትእትታው ንስልጣን’ታ ቤተ-ክርስቲያን ብወግዒ ከም ዘይፈልጠኦ ይእውጃ። ዋላኳ ክርስትና ናብ ኤሮጳ ዝኣተወሉ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ምዃኑ ዝእመነሉ እንተ ኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኤሮጳ ክስፋሕፋሕ ዝጀመረ ግን ኣብ 8ይን 12ን ዘመናት ምዃኑ ኢዩ ዝሕበር። ኣብ ሃገርና ክርስትና ካብ 3-4ይ ክፍለ ዘመናት፡ ምስልምና ድማ ኣብ መጀመርታ 7ይ ክፍለ ዘመን ከም ዝኣተዉ ተደጋጊሙ ዝግለጽ ሓቂ ኢዩ። ዘይከም ኣብ ኤሮጳ ግን ህዝብና ብሲቪላዊ ሕግን ስርዓትን ኢዩ ዝማሓደር ዝነበረ። ልክዕ ኢዩ፡ ህዝብና ኣብ እምነቱ ዓቃባዊ ኢዩ። ኮይኑ ግን ሃይማኖት ብዘይካ ንእምነት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት፡ ቤተ-ክርስቲያን ትኹን መስጊድ ኣብ ሲቪላዊ ይኹን ገበናዊ ጉዳያት ኣቴን ከማሓድራ ተራኤን ኣይፈልጣን ኢየን።

እዚ ሎሚ ምዕራባውያን ዝምክሕሉ ስርዓተ መንግስትን ስርዓተ ዲሞክራስን እምባኣር መሰረቱ ናትና ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍልልይ ቀዳሞት ዳሕሮዎት፡ ዳሕሮዎት ካኣ ቀዳሞት ምዃን ጥራሕ ኢዩ። እዚ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ስርዓተ-ዲሞክራሲ ኣባና ኣይሰርሕን’ዩ እንዳ ተባሃለ ዝንገረሉ እምባኣር መሰረት የብሉን። ብቐንዱ እዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ሰለስተ (3) ኣካላት መንግስቲ በቲ ሓደ ናይ ስራሕ ክፍፍል ኮይኑ በቲ ካልእ ካኣ ትሓታትነትን ግሉጽነትን ብምሕያል ንጽጋታት ሃገር ብማዕረ ተጠቃምነት ንምርግጋጽ ዘገልግል ኣገባብ’ውን ኢዩ። ሓደ ኣካል ባዕሉ ሕጊ ዘውጽእ፡ ባዕሉ ዝፈርድን ባዕሉ ዘፈጽምን እንተ ኾይኑ ተሓታትነትን ግሉጽነትን የሎን ማለት ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፈጻሚ ወይ ተግባሪ ኣካል ዝባሃል ካብ ተራ ኣካላት እቲ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ንላዕሊ ታራ ውልቀ-ሰብ ዝዓዝዝ እንተ’ዳኣ ኮይኑ እቲ ፈጻሚ ኣካል’ውን ሽግር ኣሎዎ ማለት ኢዩ።

ሃገራዊ ባይቶ የብልናን። ነጻ-ፍራዳዊ ኣካል’ውን ከምኡ። እቲ ፈጻሚ ዝባሃል’ውን ብውልቀ-ሰብ ወይ ሰባት ዝተባሕተ ኢዩ። ኩልና ከም ንፈልጦ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ዝባሃል ነገር ኣሎ። እዚ ኣካል’ዚ ኣካላት ኣለዉዎ። ንሶም እቶም ኣካላት፡- ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ ክፍላትን ምምሕዳራትን ኢዮም። እዞም ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሕጊ ዝተገደበ ስልጣንን ሓላፍነትን ሃሊዩዎም ተሓታትነቶም ንፕረዚደንት ኢዩ። ብሕጊ ዝተዋሃቦም ስልጣንን ሓላፍነትን መሰረት ስረሖምን ሓላፍነቶምን እንተ ዘይ ዓሚሞም ካኣ እቲ ፕረዚደንት ካብ ሓላፍነቶም ክውግዶም ስልጣን ኣሎዎ። ምኽንያቱ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ስለ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ፕረዚደንት ብእኩብ ናይቲ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ርእሲ ስለ ዝኾነ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን ኢዩ። እቲ ሕቶ’ባኣር እቲ ዝሸሞም ፕረዚደንት ክሳብ ክንደይ ዝ ኣክል ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን ሂብዎም ዝብል ኢዩ። ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን እንተ ዘይሂብዎም ሓላፍነቶም ብግቡእ ከሰላስሉ ኣይክእሉን ኢዮም። መልሰይ ንመስከረም እምባኣር ካብዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ ዝብገስ።

ለ) ኣካላት መንግስትን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስትን ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ክኾና ይግባእ

  1. ሕጋዊ ሰብነት ኣካላት መንግስቲ ብሓፈሻ

ስልጣንን ሓላፍነትን ኣካላት መንግስቲ ብቁዋም ኢዩ ዝውሰን። ንኣብነት ንቁዋም 1997 እንተ ወሲድና ስልጣንን ሓላፍነትን ሃገራዊ ባይቶ፡ ፈጻምን ፍርዳውን ኣካላት ተገዲቡ ንርእዮ። እዚ ስልጣንን ገደብ ሓላፍነትን ሰለስተ ኣገደስቲ ኣካላት መንግስቲ ካብ 31 ክሳብ 53 ኣብ ዘለዉ ዓንቀጻት ክንረኽቦ ንኽእል። ኣብ ባይታ ግን ብዘይካ እቲ ፈጻኢ ኣካል መንግስቲ ዝባሃል እቶም ሃገራዊ ባይቶን ፍርዳዊ ኣካላትን ዝባሃሉ ኣካላት የሎውን። ስለዚ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሓፈሻ ንመንም ተሓታቲ ኣይኮነን ማለት ኢዩ።

  1. ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብፍላይ

ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ማለት ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ ክፍልታትን ካላኦትን ብሕጊ ዝቖማን ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ኣካላት ኢየን። እዚ ሕጋዊ ሰብነት ዝብል ቃል ብሕጊ ስረሐን የካይዳ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸዳ ድማ ብሕጊ ይኽሰሳን ይሕተታን ማለት ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ነጻ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘሎዎ ባይታ ጥራሕ ኢዩ። እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኩለን ተሓታትነተን ናብቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኢዩ። መራሕቲ እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሕርያ ፕረዚደንት ባይቶ የጽድቐሉ። እዚ ኣብ ንቡር ኣሰራርሓ መንግስቲ ማለት ኢዩ። በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግን ትርጉም የብሉን። ነዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ሚኒስተር ክሽየም ይኹን ክእለ ዘይንሰምዕ።

ሐ) ሕጋዊ ስልጣን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኽልሰ-ሓሳብን ግብርን ካባይ ኢዩ?

ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኽልሰ-ሓሳብ ደረጃ ካብ ቁዋምን ሃገራዊ ባይቶን ኢዩ። ምኽንያቱ ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኣዋጃት ይቑማ’ምበር ዘይሩ ዘይሩስ ስልጣነንን ሓላፍነተንን ከም ግቡእ ካብ ቁዋም ኢዩ። እዚ ህላወ’ዚ ኣብ ሃገርና ከም ዘየሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።  ብግብሪ ስልጣንን ሓላፍነትን እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ካብ ፕረዚደንት ኢዩ። ፕረዚደንት ክሸይም ይኹን ከባርር ዘይተገደበ ስልጣን ኣሎዎ። ክህልዎ’ውን ዘይግባእ ኣይኮነን። ስለዚ ባዕሉ ንዝሸሞ ሚኒስተር ይኹን ካልእ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ኣሰራርሓ ጌጋ ወይ ጉድለት ምስ ዝፍጸም ዝሕተተሉ ባዕሉ እቲ ፕረሲደንት እምበር እቲ ሽሞኛ ኣይኮነን። እቲ ሽሞኛ ብዓቕሚ ጉድለት ዝሕተት እንተ ኾይኑ ስለምንታይ እቲ ፕረዚደንት ዓቕሚ ዘሎዎ ሰብ ኣብቲ ቦታ ዘየቐመጠ ኢልና ክንሓትት እምበር ፕረዚደንት መሳርሕቲ ሲኢኑ ኢልና ንፕረዚደንት ሓራ ከነውጽእ ሓላፍነታውን ሰብ-ኣውን ኣይመስለንን። ሓደ ብዓል ስልጣን ካብ ካልእ ባዓል ስልጣን ብዓቅሚ ይኹን ክእለት ክፍለ ይኽእል ይኸውን። ንስለ ሓቂ ግን ካብዞም ሚኒስተራት ኣዚዮም ብቅዓት ዘሎዎምን ወረ ብስትራተጂካዊ ዓይኒ ኣዚዮም ብሉጻት ሰባት ኣለዉዎም እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ሽግር ውልቃዊ ብቅዓትን ወይ ዓቅምን ትካልዊ ኣዓቅምን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ኢዩ ባሃላይ ኢየ።

መ) ፍልልያት ውልቃውን ትካልውን ዓቕምታት  

ሚኒሰተራት ኤርትራ ውልቃዊ ዓቅሚ ይጎድሎም ኢዩ ዝብል ግምት የብለይን። እኳ’ዳኣ ባኣንጻሩ ኢዩ። ሓደ ሚኒስትሪ ይኹን ኮሚሽን ወይ ክፍሊ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ክቐውም እንከሎ ምስኡ ጉዳይ ዕላማ፡ ስልጣንን ሓልፍነትን እዞም ካላት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ሓቢሩ ዝለዓል ኣርእስቲ ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ዕላማ፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ሓደ ሚኒስሪ እንታይ ኢዩ? ስልጣን፡ ሓላፍነትን ግቡኣትን ሚኒስተር’ከ? ኢልና ክንሓትት ዘሎና ኮይኑ ይስማዓኒ። ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ሓላፍነቶም ብስርዓት ንኸሰላስሉ’ኸ ብስብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት ክድርዑ ኣይግባእን ዲዩ? ስልጣንን ሓላፍነትን ንሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ብወግዒ ሂብካ ኣብ ኣባይታ በዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ሰብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ስልጣን ብምምሕዳራ’ውን ባጀታውን እንተ ዘይተሰኒዩ እቲ ሚኒስተር ድላዩ ዓቕሚ ይሃልዎ ከተግብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። ሚኒስትሪታት ሰብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት ስለ ዘይብለን ዓቕመን ዝተለመሰ ኢዩ። ንዓመታ ክትሳኣ ኢየን ኢልካ’ውን ዝሕሰብ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሃገር ብቑጠባ ስለ ዝለመሰት እዘን ሚኒስትሪታት ይኹና ምምሕዳራት ባጀታዊ ስርዓት ስለ ዘይብለን።

ስለዚ እቲ ሚኒስትሪ ክንዮ ስም ዝኸይድ ትርጉም የብሉን። እቲ ሚኒስተር’ውን ከምኡ። ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ኣብቲ ሃገር ሕሉፍ ድኽነት ኣሎ። ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርና ክዳሃኽን ክምሽምሽን ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። በዚ ምኽንያት ጸጋታት ሃገር ብፍላይ ኪኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን እቲ ብርጂዋ (ባዓል ጸጋ) ዝባሃል ተባሕጒጉ ስለ ዝኾነ ኣታውታት መንግስቲ ድማ ምስኡ። ስለዚ መንግስቲ ኣታውታት ስለ ዘይብሉ በጀታዊ ስርዓት ክህልዎ ኣይኮነን። ንምንታይ ስሩዕ በጀታዊ ስርዓት ዘየሎ ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ክሳብ ሎሚ ክዋሃብ ዝጸንሐ ምኽንያት “ንሃገራዊ ድሕንነት ተባሂሉ ኢዩ’ምበር ስርዓተ ባጀት ኣሎና ኢዩ” ዝብል። ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መልሲ ኢዩ። ንወትሃደራውን ጸጥታውን እትስለዖ በጀት ብዝተወሰነ ደረጃ ቅሉዕ ዘይምግባር ይምረጽ ይኸውን። ንሱውን እንተ ኾነ ካብ ዓይኒ ጸላኢ ዝኽወል ኣይኮነን። ስለዚ ሚኒስትሪታት ይኹና ሚኒስተራት ዝግባእ ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ዕጥቂ ሒዘን ክንቀሳቐስሉ ዝኽእልሉ ባይታ የልቦን። ነዚ ንምፍዋስ ተባሂሉ ንሃገራዊ ጉዳይ ኣጽቢብካ ጉዳይ ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን ተጠቓሊሉ ኣብቲ ግንባር ንኽወድቕ ግድነት ኢዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሃብቲ ሃገር በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ውልቀ-ሰባት የማሓድርዎ ኣሎዉ።

ሰ) እቲ ኣገዳሲ ሕቶ እምባኣር ክሳብ መዓስ ብኸምዚ መንገዲ?

ከምቲ ኣብ ሕብረተ-ስብና ወዳ ነዲኡ “ኣደ ኣበይ ኢና ክንድቅስ” ኢሉ ምስ ሓተታ “ኣቦኻ ኣብ ዘደቀሱና” ኢላቶ ዝባሃል፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክሳብ ንዜጋታቱ ኩሉ ዓቕሞም ተጠቂሞም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ዘየፍቀደ ንሱ ሰላም ኣይረክብ፡ ህዝብን ሃገርን ድማ ኣይክርህዎምን ኢዩ። ኣጉል ምኽንያት ትርጉም የብሉን። ሎሚ ሓቂ ጠፊኡ ካብ ብምስልና ብምስሊ ካለኦት ክንምድር ይቐለና። ዓዲ ብዓቕምና ትምዕብልን ትውንጨፍን ኣላ ክብሃል ንሰምዕ ኢና። ነቲ ስርናይ ካብ ሓሰር ከይነፈዩ ንሕና ሓገዝ ናይ ካሎኦት ኣይንጽበን ኢና ንሰርሖ ዘሎና ብውሽጣዊ ዓቅምና ኢዩ ክብሉ’ውን ንሰምዕ ኢና። እዚ ብምፍላጥ ወይ ብዘይ ምፍላጥ ክኸውን ይኽእል። ነቶም እንዳ ፈለጡ ንህዝብን ሃገርን ዝብድሉ ይኣክል ምባል ግን ጊዚኡ ይመስለኒ።

ሃገር ብውሽጣዊ ዓቕሚ ለውጢ ክትገብር መን ይጸልኦ? እቲ ሓቂ ግን ባኣንጻሩ ኢዩ። ከም ኤርትራዊ ብሓሶትን ብእንታይ ገደሰንን ንመንግስቲ የሐጉስ ኢዩ ዝበልናዮ ቃላት ክንመርጽን ምስልና ገዲፍና ምስሊ ዘይ ንኣምነሉ ክንጉልበብ ንረአ’ውን ዉሑዳት ኣይኮናን። ብፍላይ እቶም ሕብርታት ቀለም ንፈልጥ ኢና እንብል ዜጋታት ካሎኦት ዝብሉዎ ክንደግም ንርአ ኣሎና። ንመንግስቲ ዝድግፉ ወይ ዝሕግዙ ዘሎዉ ይመስሎም ይኸውን። መንግስቲ ምድጋፍን ምሕጋዝን ኣምበይ ምስ ተጸለአን። ንመንግስቲ እንዳ ደገፍካን እንዳ ሓገዝካን ንመንግስቲ ኣይትንቀፍ ዝብል ስነ-ሞጎት ግን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ከይኮውን ዘጠራጥር ኢዩ።

ንምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዘይጋገ’ዲዩ? ብእምነተይ እዚ መንግስቲ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ስትራተጂካውያን ጌጋታት ኢዩ ክገብር ጸኒሑን ዘሎን። ንሃገርን ህዝብን ብቑጠባ ረሚስካ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ጸጥታ ኢዩ ክቅጸል ዝድለ ዘሎ? ኤርትራ ሃገራዊ ጸጥታኣ ክዋሓስ እንተ ኾይኑ፡ ጸጥታኣ ዘውሕስ ስትራተጂካዊ ኣጽዋር የድልያ። ቁጠባኣ እንተ ዘይዓቢዩ ብኸመይ ኢያ ነዞም ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት ክትሽምቶም? ነዚ ሕቶ ዝህቡኻ መልሲ “ኤርትራ ኣብ ህዝባ’ምበር ኣብ ኣጽዋር ኣይትኣምንን ኢያ” ዝብል ድሑር መልሲ ኢዩ። ካብ ዒራቕ ንዝትኮሰልና’ኸ? ኢልካ ምስ እትሓቶም ካኣ “ከምኡስ ኣይንጽበን ኢና” ዝብል ስንኩፍ መልሲ ይደግሙኻ። እታ ሃገር ቅድም ቀዳድም ሃገራዊ ድሕነታ ከተረጋግጽ ኣሎዋ ዝብሉ ሕጽረት መረዳእታ ሃገራዊ ጸጥታ ዘሎዎም ምሁራት’ውን ኣይተሳኣኑን። ብኸመይ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ የብሎምን። እዚ መልስታቶም መንግስቲ ከምኡ ስለ ዝብል ንመንግስቲ የሕጉስ ይኸውን ኢሎም ዝደግሙዎ መልሲ እምበር ካብ ልቦም ኣይመስለንን። ሃገራዊ ጸጥታና ዝዕቀብ ሃገርና ብምሉእ ተሳታፍነት ህዝባ ብቁጠባ ምስ እትምዕብልን ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት ክትውንን ምስ እትኽእል ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ እዞም ብሽም ሃገር ዝማጻደቑ ዜጋታት ክንዮ ጸቢብነት ካልእ መግለጺ የብሎምን። ንፍተዎ ንጽላኣዮ ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት የድልዩና ኢዮም። ንዐዖም ክሽምት ዝኽእል ቁጠባ ሃገር ከነማዕብል ግን ግድነታዊ ኢዩ።

ግቡእ ስሩሑ ዘይ ዘርሕ ውልቀ-ሰብ ይኹን መንግስቲ ነቐፌታ ከም ኣሳሒታ ከም ዝፈርሕ ትንተና ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ውልቀ-ሰብ እንተ ኾይኑ፡ ንድኽመቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ ሜላ ምቅብጣር፡ መጉባዕባዕን ምልምማጽን ኢዮም። መንግስቲ እንተ ኾይኑ ድማ ፕሮፖጋንዳ መተካእታ ድኽመቱ ገይሩ ኢዩ ዝሰርሓሉ። ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ዝረአ እንተ ዘይ ሰሪሑ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ክደፍእ ኣሎዎ። ሃገር ብቁጠባ እንዳ ተረመሰት ተኣምራት ይስራሕ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንህዝብን ንዓለምን ምጽማም ክንዮ ፕሮፖጋንዳ ካልእ ትርጉም የብሉን። ንኣብነት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ዝፍንወኦ ዜናታት እንተ ሪኢና ብዘይ ምግናን ልዕሊ 90% ኣብ ኣናእሽቱ ነገራት ኢዩ። ዓዲ እገለ ናይ ጽሬት ወፈራ ኣካይዳ ዓዲ እገለ ደጊማ ዝብል ኢኩም ትሰምዑ። ኣገደስቲ ሃገራውያን ፖሊሲታትን ትግባረኦምን ኣልዒልካ ምዝታይን ጉድለታት ኣለሊኻ ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ ምትግባር ዝባሃል ነገር የሎን። ብዛዕባ 80% ጽሩይ ኣገልግሎት ማይ ዘይረኸባ ዓድታት ገዲፈን ብዛዕባ እተን 20% ጽሩይ ማይ ዝረኸባ ዓድታት ይልፍልፋ። ሽግርን ጸገምን ከም ጸብጻብ ኣይንሰማዕን ኢዩ። ነታ ዘላ ሽግር ወይ ጸገም (ንኣብነት-ሽግር ጽሩይ ማይ) ብጸብጻብ መልክዕ ኣይጽብጽባን ኢየን። ሓንቲ ዓዲ ማይ እንተ ኣቲላ ግን “ኣብ ዓዲ እገለ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ተፈቲሑ። ነበርቲ ንመንግስቲ ኣመስጊኖም” ዝብሉ ጸብጻባት ግን ኩሉ ጊዜ ንሰምዕ ኢና። ህዝቢ ጽሩይ ማይ ሲኢኑ ኣማሪሩ ዝብሉ ዜናታት ኣይስምዑን ኢዮም። ምኽንያቱ እታ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሶፍት-ዌር ንሽግር ህዝቢ ዝኸውን መጽሓፊ ቦታ የብላን።

ረ) መልሲ ንመስከረም

መስከረም ህዝቢ ዝሓቶም ሕቶታት ወይ ዝብሎም ዛዕባታት ኢዩ ዘልዕል ዘሎ። መስከረም “መሳርሕቲ ሲኢኑ’ምበር ፕረዚደንት ኢሳያስ’ሲ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ” ዝብል ኣባሃሃላ መስከረም ዝፈጠሮ ኣባሃሃላ ኣይኮነን። ህዝቢ ከምኡ ይብል ኣሎ’ዲዩ ኣይብልን ሓቢርና ንመልሶ። ምናልባት ክንደየናይ ናይ ህዝብና ኢዩ፡ በዚ ኣባሃሃላ ዝርዕም ኣይፈልጥን። ብርግጸኛነት ንምዝራብ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ናይ ሽግሩ ጠንቂ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳያስ ምዃኑ ኢዩ ዝፈልጥ። ሓለፍቲ መንግስቲ ብዘይ ሰናይ ድልየት ፕረዚደንት ኢሳያስ ቢሮ ኣልዒሎም ክታሞም ከንብሩ ዝኽእሉ ምምሕዳራዊ ይኹን ባጀታዊ ስልጣን ከም ዘይብሎም ንመብዛሕቱ ካብ ህዝብና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ንኣብነት-ህዝቢ ብጉዳይ ቪዛ ከማርር ይስማዕ ኢዩ። ሕጊ ኢሚግረሽን ከም ነፋሒቶ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ኢዩ ዝቕየር። ምድኑጓያት ንቡር ኢዩ። ምኽንያቱ ሕቶ ቪዛ ቅድም ናብ ቤት-ጽሕፈት-ፕረዚደንት ክኸይድ ስለ ዘሎዎ ኢዩ። ሓላፊ ኢሚግረሽን ዝርዝር ኣስማት ሓተቲ ቪዛ ካብ ቤት-ጽሕፈት ፕርረዚደንት ከይመጸሉ ኣይፍርምን ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ዘማርር ዘሎ በቲ ፕረዚደንት እምበር ብሓላፊ ወይ ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጠንቂ እዚ ምድኑጓያት ፕረዚደንት ባዕሉ ምዃኑ ህዝብና ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ንምጥቅላል፡-

  1. ዓቅሚ ሚንስተራት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ኣይኮነ። ግን ምምሕዳራውን ባጀታውን ስልጣን የብሎምን። ምምሕዳራ’ውን ባጀታ’ውን ስልጣን ዘይብሉ ሓላፊ ብከመይ መንገዲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከም ዝኽእል ንዓይ ክርዳኣኒ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ብወገነይ ንሚኒስተራት ይኹን ካሎኦት ኣማሓደርቲ ተሓተቲ ክገብሮም የጸግመኒ ኢዩ። ምኽንያት’ውን የብለይን።
  2. ሚንስተራት ይኹኑ ኣማሓደርቲ ስልጣን የብሎምን። ንህዝባዊ ርክባትን ንኣህጉራዊ ዲፕሎምስን ተባሂለን ዝተዶኮና ሚኒስትሪታት እምበር ንሃገራዊ – ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዕማማት ንምስልሳል ተባሂለን ዝቖማ ኣይኮናን። ኣብ ኤርትራ እኩብ መሪሕነት (collective leadership) ዝባሃል ነገር የሎን። ነንሓንሳብ መንን እንታይን ይምልከቶን እንታይ’ከ ኣይምልከቶን ዝፍለጥ ነገር የሎን። ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ዝኸድናዮ ቤት-ጽሕፈት “ንኹስቶ በሎ ወይ በላ” ዝብል ኣሰልቻዊ መልስታት’ዶ ኣይኮነን ኢዩ ዝንገረና። በዚ መልስታት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን።
  3. ንምዃኑ ክንዮ ወርሓዊ ደሞዝን ድሩት ናይ ቤት ጽሕፈት መሳርሕታትን እንታይ ባጀት ስለ ዘለዎን ኢየን ሚኒስትሪታት ኣድማዒ ስራሕን ኣገልግሎታትን ክህባ ዝድለ ዘሎ። ዝእከብ ግብሪ መንግስቲ የሎን። ካብ ምንታይ ክእከብ? ኤርትራውያን ንመንግስታት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኣንጎላን ካለኦትን ግብሪ ይኸፍሉ ኣሎዉ። ስለምንታይ? ሃገሮም ናይ ወፍሪ ሃገር ስለ ዘይኮነት ኢዩ። ሓደ ዝተማህረ ዜጋ ኣብ ሓደ ማዕከን ራዲዮ “ኤርትራ መንእሰያታት ገዲፎማ እንተ ወጺኦም ብኸመይ ኢያ ክትዓቢ?” ኢሉ ምስ እተሓተ፡- “ኤርትራውያን ንፉዓት ስለ ዝኾኑ ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ ዓዶም ስለ ዘይርስዑ ነታ ሃገር ጽቡቕ ኢዩ” ኢሉ ከይሓፈረ ክምልስ ሰሚዔ ኣለኹ። ብኣባሃህልኡ ካብ ሃገሮም እንተ ወጽኡ ይሓይሽ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ብሓቂ ሰብ ዲዩ እንስሳ ኣይፈልጥን። ንፉዓት ኮይኖም ንሱዳናትን ዩጋንዳታትን እንተ ኾኑ ንኤርትራ እንታይ ይብጻሓ?። ሓደ ዜጋ ንስድርኡ $100 ወይ $200 ኣብ ርብዒ ዓመት ስለ ዝለኣኸ ኤርትራ ተጠቃሚት ኢያ ምባል ብዘይካ ድንቁርና ካልእ መግለጺ እንተ ሃሊዩዎ ካባኹም ክሰምዕ’ሞ መአረምታ ክሰደልኩም።

ስለዚ ዝኸበርካ መስከረም፡- ሚኒስተራት ኤርትራ ምምሕዳራዊ ይኹን ባጀታዊ ስልጣን ስለ ዘይብሎም ተሓተቲ ክንገብሮም ብሕልና ኾነ ብሞራል ጽቡቕ ኣይኮነን። እንተ ብዓቅሚ ይኹን ብተወፋይነት ግን ሰናፋት ኣይኮኑን። ስለምንታይ ንፕረዚደንት ከማሓይሽ ጸቕጢ ዘይገብርሉ ክባሃል’ውን ንሰምዕ ኢና። ኮይኑ ግን እቶም ካብ መጀመርታ ጸቕጢ ክገብሩሉ ዝፈተኑ ሓርበኛታት ሎሚ ኣበይ ኣሎዉ? እቲ ዝሕዝን ከም ህዝቢ ጠሊምናዮም ኢና። ብዛዕብኦም ዝተነገረና ከም ሓቂ ወሲድና ኣብ ዘይንፈልጦ ጉዳይ ኣቲና ጽቡቕ ገበሮም ዝበልና’ውን ንህሉ ኢና። ስለዚ ፍትሒ ከም ቃል እንተ ዘይኮይኑ ብግብሪ ሪሒቓ ዘላ ኮይኑ ይስማዓኒ።

የቐንየለይ!

  • ገበረማርያም

    ኣፍቀርቲ ኢሰያስ እምበር እፈቀርቲ አርትራ ኣይኮንኩምን

  • Habtom ፖለቲካዊ እገዳ እንተልዩ ኣብ ሃገር ክትገብሮ እትደሊ ኤኮኖሚያዊ በይኑ ብኸመይ እዩ ዝኸይድ ፖለቲካን ኤኮኖሚን ንምንታይ ነጻጺልካ ክትርእዮም ፈቲንካ ኤኮኖሚን ፖለቲካን ኣብ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ተፈላለያ ሃገራት ክትገብሮ እትደሊ ብሓደ ተሳኒዩ ዝኸይድ ብሽርክነት ንቕድሚት ዝጥምት መስርሕዩ ብዛዕባ ኣሜሪካ ከምቲ ንስኻ ዝርድኣካ ኣይኮነን ዝርድኣና እዚ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ቅሉውላው ነጸብራቕ ናይቶም ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ዝነበሩ ፍሹል ፖሊሲዩ እዚከኣ ንዓና ንኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ሰሪሖም ክነብሩ ንዝደልዩ ኣሜሪካውያንን ህዝቢ ዓለምን ዝትንክፍ ስለዝነበረ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ይመስለኒ ግን ዘይተረደኣኒ ነገር ንምንታይ መሬትና ተፈሪዱ ክነሱ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን ንምንታይ ኦባማ ንመንእሰያት ክወጹ ዕላዊ መደረ ገሩ ንምንታይ እተን ምዕራባውያን ብሕጊ ንዝተፈርደ ተግባራዊ ኣይገበራን ንምንታይ ብስም መሰል ደቂ ሰባት ብዝብል ንመንግስትን መሪሒነት ኤርትራን ከሲሰን ነዘን ሕቶት ንምንታይ ዘይመለስካየን ሕጂ ኸኣ ብገለ ንሕና ንፈልጥ በሃልቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ፈላሊኹም ክትርእዩ ትፍትኑ ኣለኹም እዚ ከኣ ቀደም ዝነበረ ከንቱ መስርሕ ስለዝኾነ ዝስዕበኩም ኣይክህሉንዩ ብዝተረፈ ሰላም ንዓኻ ይኹን ቻው

    • ስለፍትሒ

      ኣየ ብርሃነ ዕደ!
      ቅኑዕ ፖሊሲ ከምዘለና ዘረድእ ሓሳብ ከይትዛረብ በየናይ ኣእምሮ። ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝበሃል ወያነን ኣሜሪካን ክትብል መሬት ዓሪቡካ። መብዛሕትኡ ጊዜ እቶም ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ሰባት ወያነ፡ ዓጋመ ዝብላ ቃላት ክደጋግሙ መሬት ይዓርቦም።
      ብዛዕባ ትምወል ዝበልካዮ ግና ሽሕኳ ኣነ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዝምወል ሰብ ኣይኮንኩን እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ቤቶምን ንብረቶምን ገዲፎም ካብ ዓዶም ነፊጾም ከምዝወጹ ዝገበሮም፡ ነዚ ጻዕራም ህዝቢ ናብ ተመጽዋታይ ቀይርዎ ዘሎ መን ምዃኑ በየናይ ቀልብኻ ክትፈልጦ። እዚ ናይ መደናገርቲ ፖለቲካ ሰሚዕካ ከም ፓፓጋሎ ስለዝደጋገምካዮ ዝፈለጥካ ይመስለካ ይኸውን። ናይቶም ገና ኩሉ ዘይረኣዩ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ትምህርቲ፡ ሓዳርን ስራሕን ተነፊጉዎም ባርነት ምስ መረሮም ሃጽ ኢሎም ናብ እግሮም ዝመርሖም ዝጠፍኡ ዘለው መንእሰያት ገዲፍና፡ እዞም ብዝተፈላለየ ሞያ ጸብለል ዝበሉ ምሁራትከ? ካልእ ይትረፍ ነታ ክሊማኣ ዘይምኖ ዓዶም ገዲፎም ዝጠፍኡ ዘለው ኣሜሪካን ወያነን ድዮም ሓቢሎሞም። እዞም ንህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብቑዕ ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣብ ዓዶም ምስራሕ ምስሰኣኑ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዘሪዎም ሃገራት እንዳማቶም ዘማዕብሉ ዘለው ነጋዶ ኤርትራውያንከ ኣሜሪካን ወያነን ገንዘብ ስለዝምውሉዎም፡ ዝዓደጉዎም ወይ ስለዘታለሉዎም ዲኻ ክትብለና?
      እዛ ዓዲ ሓቂ፡ ዓዲ ርትዕን ፍትሕን ዝነበረት ሃገር’ምበር መጻወቲ ጓሓላሉን ባሃማትን ኮይና።
      መን ይፈልጥ ካብቶም ደቆም ኣብ ጽኑዕ ኣስፊሮም ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ክኾኑ ዝፍትኑ ተበለጽቲ ትኸውን፡ መን ይፈልጥ ካብቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ እንዳ ሻሂ ተጋሕቲኖም ዘረባ ዝኣርዪን ዘበጻጽሑን፡ ኣምሳያ ሓሶቶም ከኣ ቁንጣሮ ዝትኮበሎም ሕልና ኣልቦታት ሓደ ክትከውን ትኽእል። መን ይፈልጥ ካብቶም ኣብ ኤርትራ መሻርኽቲ ናይ ውሑዳት መጸይቲ ደም ህዝቦም፡ መዳኸሪ ናይቶም ጎሓላሉ ስለዝኾንካ ጉንዖ ዝምጠወልካ ሽዩጥ ትኸውን። መን ይፈልጥ ከብቲ ዘበን ውበ ዝጸመመ ውበ ክብል ይነብር ዝበሃል እቲ ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ምስ ናይ ሎሚ ህግደፍ ንምፍላይ ዘጸገመካ የዋህ ክትከውን ትኽእል። እምበር ሃገር ብቑጠባ ዓንያ ስለዘላ እንታይ ይገበር እንዳተባህለ፡ ኣብ ህንጻ ሃገር እዮም ዘለው ኢልካ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ሃለውለው ምበልካ። መቸም ንእግረ መንገደይ ደኣ ገለ ዝሰምዑ እንተተረኽቡ ኢለ እየ ዝዛረብ ዘለኹምበር ኣቶ ብርሃነስ ክንደየናይ ከይስቆረካ።
      እንተ ብጉርሕካ እንተ ብገርህካ ትብሎ ኣይትፈልጥን ዘለኻ’ሞ እግዚኣብሄር ይቕረ ይበለልካ።

  • Habtom ንኹሉ እየ ኣንቢበዮ ኣብደገ ኮይና ዝብላዕን ዝስተን እንዳማረጽና ብጽቡቕ ቃላት ተጠቒምና ከምዚ እንተዝገብሩ ከምዚ ጌጋታት ኣሎ ካብምባል ንምንታይ ስለምንታይ ኢልና ክንሓትት ኣለና እየ ዝብል ዘለኹ ደሓር ከኣ ኣብ ስራሕ ክሳብ ዘለው ብዘይጌጋ ፍጹም ኮይኖም ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም ኮፍ ዝበለ ጥራሕ እዩ ዘይጋገ ንምንታዩኸ እቲ ብውጹእ ሓሶት ዝተበገስ ናይ ክልተግዜ እገዳ ጸገም ዘይግለጽ እቲ ብስም ሰብኣዊ መሰል ዝተደጎነ ኣንጻር ሃገርን መሪሒነትን ንምንታይ ዒላማ ከምዝነበረ ዝሕባእ ብሕጋዊ ዝተፈርደ ኤርትራዊ መሬት ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ነጻ ዘይኮነ ንምንታይከ እተን ዘፈራረማ ሃገራት እወንታዊ ተራ ዘይተጻወታ ንምንታይ እዩ ኦባማ ንምንእሰያት ክወጹ ከምዘለዎም መጸዋዕታ ዕድመ ዝገበረሎም ብጠቕላላ ክንርእዮ ዘለና ብዛዕባ ሃገርና ካብ 1998 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝነበረ ተጻብኦታት ከይንህሉ ዝግበር ዘሎ እዩ ነዚኩሉ ተጻዊሩን መኪቱን ከም ሃገር ክንህሉ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ ክትፈለልዩ ምፍታን ብድሕሪት ዝተወጠነ ወያናውን ምዕራባውን ሽርሒ ስለዝመስል ቅቡል ኣይኮነን እዚከኣ ናተይ ውልቃዊ እምነተይ እዩ

    • Habtom

      ብርሃነ
      እዚ ትብሎ ዘለኻ ምኽንያት ፖለቲካዊ ኢዩ። እገዳ ልክዕ ፍትሓዊ ኣይኮነን ግን ወተሃደራዊ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ። ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘንበረ መንግስቲ ኤርትራ እምበር ምዕራብ ወይ ኣሜሪካ ኣይኮኑን። ስለዚ ብናትካ ትንተና እቶም ፈቐዶ ኣፍሪቃ ዘሎዉ ኣውፈርቲ ኤርትራ ኣሜሪካ ኣይኮነትን ክስደዱ ጌራቶም ዘላ።

      ሓውና ብናትካ ሕሰብ እምበር መንግስቲ ዝበሎ ምድጋም ንህዝብናን ንሃገርናን ከም ዘይጠቅም ድሕሪ ሕጂ ክርዳኣካ ይግበኦ። ብዕራይ እንተ ጸደፈ ኣሜሪካ፡ ጤል እንተ ሓመመት ኣሜሪካ፡ ንስኻ እንተ ሓሚምካውን ኣሜሪካ ክትብለና ቁሩብ ተሪፉካ ኣሎ። ክትፈልጥ ጸላኢ ኩሉ እንተ ገበረ፡ ንሕናኸ እንታይ ክንገብር ነይሩና ኢልካ ክትሓስብ እምበር ንዘይንቆጻጸሮ ነገር ምኒን ክንብል ኣይግባኣናን ኢዩ። እቲ መንግስቲ ምኒን ክብል 10 ተታት ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ነቲ ባዕሉ ክሰርሖዝኽእል ዘይ ሰረሐ ኣሜሪካ ትኹን ካልእ እንታይ ክገብርሉ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ?

      ስለዚ ናትካ ንገረና እምበር መንግስቲ ኤርትራ ወገሓ ጸልመተ ዝደጋግሞ ኣይትንገረና።

      • HAGERAWI

        AZAWIRU ZEY HASEB KEM HABTON TEWELDEN WETEHADERAWI EGEDA EYU NEBSOM ENDATALELU YNEBRU. MENGSTI AMERIKAN SAABTOMN EGRI EGRI MENGSTNA ENDAKEDU KEYNSHIMET KEYNEWFR ZGBRWO MAHLEKATAT MEWEDAETA YEBLUN. LBI GBER DEHRI WHJ AYTKID.

      • HAGERAWI

        DOBKA KEYHNZEZ NZELAETKA ENDA AETEKU NAAKA ZEGDU ENTEKOYNOM BHGI ZTEWEDA NEGER ZEYWDEWO ENTEKOYNOM EGEDA DO AYKONEN. MENESEYATNA AB AGELGLOT JIHO KEM ZTEHAZU ZEGEBERU NSOM DO AYKONUN. AZAWIRKA HISEB

  • እቲ ዝገርም ወያኔ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቛውሞ ምስበዝሖ ሓደ ሓደ ውልቀሰባት ንዕና ንኤርትራውያን ከታልሉ ሓድስቲ ጸሓፍቲ ቅልቅል ይብሉ ኣለው እዚ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን ስለንፈልጦ ዘጸግም ኣይኮነን ስለዚ ካብ ብዛዕባና ትጽሕፉን ተዕልሉን ብዛዕባ ድኽነትን ጥሜትን ኢትዮጵያ ንምንታይ ስለምንታይ ኢልኩም እንተትካትዑ ምሓሸኩም

    • Habtom

      ብርሃነ,
      ላምስ ብኢዳ ንዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ ይባሃል። ንሕቶ እዚ ጻሓፋይ ኣብ ክንዲ ምምላስ ንምንታይ ኮለል ትመርጽ ኣለኻ ኣይርዳኣንን። ውልቃዊ ጥቅሚ እንተዘይሃሊካ ስሌኻ ኢዩ ዝሓትት ዘሎ። ህዝብን ሃገርን ተሪሂዎም ንዓኻ እንታይ ይኸብደካ። ኢትዮጵያ ትሙት ኣይትሙት ን ኢትዮጵያውያን ይምልከቶም። ወሸለ ሸለው ኣይብሉን። ህዝብና ዝብል ዘሎ ንሕሰምና ዝኸውን መድሃኒት ድለዩ ኢዩ። ከም መህደሚ ኢትዮጵያ ዶ ወያነ ንዓና እንታይ ይጠቅመና? ህልና እንተሊካ ንጌጋታት ዝእረመሉ ሓሳብ ሃብ። ህዝብን ሃገርን ብልምዓት ክዓቢዩ ዶ ኣይትደልን ኢኻ? ስለ ምንታይ? ጻሓፋይ መንግስቲ ጌጋታቱ ይኣርም ኢዩ ዝብል ዘሎ ምበር መንግስቲ ይተኣለ ከማን ኣይበለን። ስለዚ ኣባሃላካ ንትዕዝብቲ ዝዕድም ኢዩ። ከማካ ዝበሉ መልሲ ምስ ሳኣኑ ሸንኮለል ዝብሉ ዓያሹ መዓስ ሲኢና ኤርትራ። ስለዚ ተተኣረምካ ይሕሸካ።

  • አታ መን ይብሉኻ ንስኻ ዘይትምሕረና መን ሰብ ቆጺሩካ ኢኻ ብዛዕባ ኤርትራ ትዛረብ በቶም ቶኺቦም ዘንቡሩኻ ዘለዉ ጭፍራ ወያነ ሕሰብ

  • HAGERAWI

    IN HIS TODAY ARTICLE HE IS TELLING US ERITREANS FROM ABROAD CAN CONTRIBUTE BILLIONS OF DOLLARS. LOOKS THIS ARTICLE AND THE NEW ONE. HOW HE IS TRYING TO CHEAT PEOPLE WITH HIS SMART SWEET VENON. DON’T TRUST WORDS. LET SEE DEEDS

  • ጽሑፍ ብጽሑፉ ናትካ ውልቃዊ ሓሳብ ስለዝኾነ ንኽትካታዓሉ ጌጋ የብሉን እቲ ሕማቕ ነገር ግን ኣብ ደገ ኮንካ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ናይ ሰላም ናብራ እንዳነበርና ኣብ ክንዲ ማይ ቢራ እንዳሰተና ዝብላዕ እንዳማረጽና ነቶም ለይትን መዓልትን ብደገን ብውሽጥን ንኤርትራዊነትና ከፍርሱ ላዕልን ታሕትን ምስዝብሉ ብብረት እንዳተኸላኸሉ በተሓደ ሃገር ምስዝሃንጹ እዚ ክኸውን ኣለዎ እንዳበልና ምውርዛይ ኣብቲ ሃገር እንታይ ጸገም ከምዘሎ ዘይምፍላጥ ይመስል እንድሕሪ ኣነ ዓቕሚ ኣለኒ ዝብል ውልቀሰብ ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ናብ ሃገር ኣትዩ እጅጌኡ ዓጺፉ ክሰርሕን እንታይ ሽግር ከምዘሕልፉ ብኽልተ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ ክጥምት ይቐልል ስለዚ ምጽሓፍን ምዝራብን ቀሊልዩ ኣብባይታ ዘሎ ርኢኻ ናብ ተግባር ንምቕያር ግን ከቢድ ምዃኑ ምፍላጥ ኣድላይ ይመስለኒ

    • ስለፍትሒ

      ኣቶ ብርሃነ፡
      ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱ ዝብሉዎ ከምዚ ናትካ ይመስል። ነዚ ኣርእስቲ ዝምልከት ሓሳብ አንተለካ ግዳ ወስ በለና፡ ጓል መንገዲ ደኣ 25 ዓመት ዘረብረበና እንዳኣሉ፡ ቢራ፡ ቆሎ ዝብሉ ቃላት ኣብ እንዳ ቢራ ይኹኑኻ።

      • ስለፍትሒ ቅድሚ ኩሉ መን ምዃንካ ብዘይገድስ ኣብጌጋ ዓለም ትነብር ከምዘለኻ ክሕብረካ ይፈቱ ዋላ ትጥቀመሉ ስምውን ህያብ ኣቦኻን ኣደኻን ዘይኮነ ዘይናትካ እዩ ብኸምዚ እንዳነበርካ ብዛዕባ 25 ዓመታት ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ ናጽነትና ንዓና ንኤርትራውያን ሓበን ንዓኻትኩም ውድቀት ከምዝኾነ ክሕብረካ ይፈቱ ደሓር ከኣ ናይ 25 ዓመት ጽቡቑን ሕማቑን ክትፈልጥ ስለዘይትኽእል ብደገ እንዳተመወልካ ስለትነብር ናትካ ውልቃዊ ጸገም ስለዝኾነ ሕሰበሉ

  • ስለፍትሒ

    ዝኸበርካ ኣቶ ተወልደብርሃን፡
    እተውጽኦም ጽሑፋት እዋናውያንን ኣዚዮም ጠቐምትን ኢዮም፡ ዕዙዝ ምስጋናይ ይብጻሕካ። መስከረም እንተኾነ ጽቡቐት መዛረቢ ዛዕባታት ወስ ከብል ጀሚሩ ኣሎ፡ ይመልኣሉ።

    ከም ኣብ ጽሑፍካ ዝገለጽካዮ ኣብ ህዝብና ቀደም ልሙድ ኣይነበረን ዝበሃል፡ ሎሚ እዋን ገኒኑ ዝርአ ክትሓስቦ ዝገርመካ ኩነታት ኣሎ። ንዘይትኣምነሉ ነገር ምውዳስ።
    መንግስቲ ዘይትኣምነሉ ንህዝቢ ዝጎድእ ነገር ክገብር እንከሎ ከከም ኩነታት ናይቲ ውልቀሰብ ዝፈላለያ ሰለስተ ምርጫታት ኣለዋ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
    1. ብጋህዲ ምቅዋም
    2. ብሕቡእ ምቅዋም
    3. ትም ምባል፡ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን እንተሊኻ ከኣ ስልጣንካ ምግዳፍ (resign)።
    እንተዘይኮነ ንዘይትኣምነሉን ጎዳኢኻን ንዝኾነ ነገር ብኸመይ ጽቡቕ ኣሎ ኢልካ ክትድግፍ ትኽእል ወይ ኣብ ከስርሓካ ዘይክእል ቦታ ተኾዲምካ ትዕዘብ።

    ናብ ምኒስተራትና ምስእንምለስ ከኣ ተሓተቲ ድዮም ኣይኮኑን ንዝብል ብወገነይ ካብ ናትካ ዝፍለ ርእይቶ ኣሎኒ፡ ኣዳዕዲዖካ ተሓተቲ’ምበር።
    ስለምንታይ፡
    * ነቲ ኩሉ ኣብ ሃገር ዘሎ ዝርግርግ ማለት ቅዋም የለን፡ ስሩዕ ባጀት የለን፡ ክሰርሕ ዝኽእል ባይቶ የለን፡ ተሓታትነት የለን ወዘተርፈ ዝብሉ ዝዘርዘርካዮም ነጥብታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብ ሓደ ናብቲ ሓደ ብደረጃ ዝፈላለ ዝለዓለ ኢድ ኣለዎም።
    * ኣብቶም ንለውጢ ዝጠለቡ እሞ ክሳብ ሕጂ ኣብዘለውዎ ዘይፍለጡ ኩልና ዝጠለምናዮም ሰበስልጣን ምጥፍኦም ይኹን ክሳብ ሕጂ ናብ ፍርዲ ንኸይቀርቡ ወይ ከይፍትሑ ትም ኢሎም ምርኣዮም ዝለዓለ ሓላፍነት ኣለዎም። ገሊኦም እሞ ኣብቲ ዝተኣስርሉ እዋን ኣብ ፎቖዶ ኣኼባታትን መራኸቢ ብዙሓንን ጸሎሎ ዝለኸዩዎም ዶ’ይኮኑን? እዚ ገስረጥ ምሕደራ ድምር ናይ ከምዚኦም ዝመሰሉ ነገራት ዶ’ይኮነን?
    ዘይትትኩስ ብረት ኣዕጢቑ ናብ ኩናት ንዘእተወካ ኣዛዚ፡ ንባዕሉ ትቕይሮ ወይ ትሰርሕ ብረት ቀይረለይ ትብሎ፡ ዓቕሚ እንተሲኢንካ ከኣ ምቹእ ኣጋጣሚ ኣብዝረኸብካሉ ገዲፍካዮ ትሃድም፡ ኣብ ቅድሚ ጸላኢኻ ዘይትትኩስ ብረት ዓጢቕካ ኮፍ ኢልካ ጸኒሕካ ምስትቕተል፡ ነቲ ኣዛዚ ኣቕቲሉኒ ኢልካ ክትወቕሶ ምስምንታይ ይቑጸር?
    ኣብ ዘይቅኑዕ/ከስርሖም ዘይክእል መንግስቲ ተኾይጦም ዝኾነ ኣጋጣሚ ምስዝረኽቡ ጨለ ዘረባ እንዳዋጠዩ ጽቡቕ ከምዘለና ይምድሩ። ሃገር እናበረሰት ከም ባምቡላ ተኾዲሞም ክዕዘቡ ንርእዮም ኣሎና። ብግቡእ ከስርሓና ኣይክእልን ንዝብልዎ ስርዓተ መንግስቲ(ሲስተም)እዘን ሰለስተ ምርጫታት እየን ዘለውኦም። እታ ናይ መውዳእታ ምርጫ ከኣ ስልጣንካ ምግዳፍ እያ፡ ዝደኸመት ካብ ተሓታትነት ተድሕን ውሳኔ፡ ከም ጲላጦስ ኢድካ ተሓጺብካ ምርሓቕ።
    ከምቲ “ዓሻ ሰበይቲ ነጋዳይሲ እንተተመልሰ ንበልዕ እንተሞተ ከኣ ንሰምዕ” ዝብል ምሳሌ ኢዩ ነገሮም። ሓደ መዓሸዊ ዝኸውን ንእሽቶ ነገር ተሰሪሑ ወይ ተረኺቡ እንተተባሂሉ ከካብ ዘለውዎ ኣብ መስኮት ተለቭዥን ተቐልቂሎም፡ ብዙሕ ከስምዑና ምዃኖም ዘይተርፍ ኢዩ፡ ኣይግበሮ ደኣምበር ሃገር ካብዚ ዘላቶ ዝኸፍእ እንተረኺባ ከኣ ፕረስደንት ምስራሕ ከሊኡና ክብሉና እዮም።

    ኣንታ እንታይ’ዩ ወሪዱና ዘሎ፡ ፕረስደንት መሳርሕቲ ስኢኑ ዝብል በቲ ሓደ ወገን፡ ፕረስደንት ምስራሕ ከሊኡና ዝብሉ ከኣ በቲ ሓደ ማዕዶ ኮይኖም መጻወቲ ክገብሩና። ቀደም ኣዋልድ ንደስ ዘይበለተን ዝቕበለኣ መርዓት “ኣዴኺ’ዶ ሓትኖኺ ይሕሻ፡ ኩለን ሓደ እየን ይለሓሳ” እናበላ ይደርፋላ ነበራ። ፕረስደንት መሳርሕቲ እንተሓሚቖሞ ካብ ዘይቀየሮም፡ ሚኒስተራት/ ኮምሽነራት/ ኣመሓደርቲ ከኣ ፕረስደንት ምስራሕ እንተኸሊኡዎም ወይ ከምዘስርሖም ይገብሩዎ ወይ ስልጣኖም ይገድፉ። እዚ ካብዘይገበሩ ግና ካብ ተሓታትነት ናበይ ከምልጡ።

    የግዳስ፡ መን ይፈልጥ ኣብታ ካልኣይቲ ምርጫ ጸኒሖም ናብታ ቀዳመይቲ ምርጫ ብሓባር ተላዒሎም ገለ ተኣምር ለውጢ ነታ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ዘብለዩላ ሃገርን ን25 ዓመት ዘንብዑዎ ለዋህ ህዝቦምን እንተከሓሱዎም።

    እግዚኣብሄር ንፍትሕን ሰላምን ዝኸውን ሓሳብን ውህደትን ይሃበና ።

    • ስለ ፍትሒ፡

      ንተሳትፎኻን ሪኢቶኻን የመስግን።

      ኣይተጋገኻን። ምናልባት ካብ ዘግሉጽነት ኣቀራረባይ ከይ ከውን ይፈርሕ ኢየ። ብሓፈሻ ክብሎ ዝደለኹ ግን ነቲ ምምሕዳራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ድኽመኣታት ብቐንዱ እቲ ርእሲ ሃገር ዝኾነ ባዓል መዚ ኢዩ ሓላፍነት ዝወስድ ንምባል ኢየ። ውልቀ ሓላፊ ይኹን ተራ ሰብ ገበን እንተ ሰሪሑ ግና ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ኣይኮነን። መሰረታው ሕሰም ህዝብና ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ምምሕዳራውን ኢዮም። እዚኦም ካኣ ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ፖሊሲ መንግስቲ ብፍላይ ድማ እቲ ፕረዚደንት።

      ምኽንያቱ ህዝቢ ብናብራ እንተ ኣማሪሩ፡ ማሕበራውን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ብኣግባብ እንተ ዘይረኺቡን፡ ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ኢዩ ዘበግስ። እቲ መልሲ ኩልና ከም ንርደኦ ሃገር ብቑጠባ ስለ ዝደኸመት ኢያ። ስለዚ ህዝቢ ኣይረሃዎን መንግስቲ’ውን ባጀታዊ ድኽነት ኣሎዎ ከምኡ እንተ ኾይኑ ድማ ትርጉም መንግስታዊ ቅርጺ ኣይረኣየንን። ነዚ ኢየ ካኣ እቲ ሽግር ጉጉይ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ምምሕዳራውን መሪሕነት ናይቲ ፕረዚደንት ኢዩ ዝብል ዘለኹ። ምኽንያቱ እቲ ፕረዚደንት ካብ ናቱ ሪኢቶ ወጻኢ ካልእ ሪኢቶ ኣይቅበልን ኢዩ። ነታ ሃገርውን ብስርዓት ክመርሕ ድሌት የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንኻለኦት ሰበ-ስልጣን ሓላፍነት ከነሰክም ዘይኮነስ ነቲ ገባርን ሓዳግን ክኸውን ኣሎዎ ንምባል’ውን ኢየ።

      ተሳትፎኻ ቀጽል!

  • Pamper

    Kulu weyo…….kulu weyo….

  • Filmon

    ተዓወት ብልቢ ብስም ውጽዕ ሕዝቢ ከመስግነካ ይደሊ ፡ ኩሉ ጽሑፋትካ ይከታተሎ እዩ ፡ አዚዩ ሓቂናን ናይ ተባዓትን ጽሑፍ ብምኻኑ የመስግነካ ፡ ብሰንኪ ምስሉያት ናይ ማዕከን ሓበሬታ ህዝቢ ትክክለኛ ሓሳባት ክረክብ ይጽገምን ፡ ይዳነገርን ኔሩ ፡ ከምዚ ሕጂ ዝበልካዮ መስከረም ከይሓፈሩ ” መሳርሕቲ ሲኢኑ’ምበር ፕረዚደንት ኢሳያስ’ሲ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ” ዝብልዎ ዝገርምን ዝሕፍርን እዩ ቁሩብ መስከረም መን ክሓፍረሎም እዩ ፡ ኩሉ ሰብ ዓበይቲን ቆልዕን ከይተረፈ ፈሊጦሞ ዘለዎ ፕረዚደንት ኢሳያስ እቲ ዓቢ ጸገም ሃገርን ህዝብን ኮይኑ ዘሎ ፡ ከይሓፈርካ መሳርሕቲ ሲኢኖም ክትብል ፡ ዒብ ቁሩብ እቲ ሓሳት ዓቀን አለዎ ፡ እንተ አቶ ተወልደብርሃን ጸባ ስተ ጸባ አስቲካና ብቁኑዕ ትንታኔካን ፡ ሓልዮት ዝሕብካን ፡ ተዓወት ፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

  • Hagerawi

    Excellent!!

  • Anonymous

    Dear Tewoldebrhan,

    Thank you for your elequent and matured reply.

  • HAGERAWI

    MUSLYNET NAY PETTYBOURGUE BAHRYAT EYU. AKMI ZELEWO MINSTER SIK ELU ZRI ENTEKOYNU B KAAT YEBLUN MALET EYU. LELI ETI PRESIDENT DMA NSU YHTET EMBER.KAB AB ZEYAMNELU KTSERHU MOT YHSHOM.
    IT IS THE USUAL PETY BOURGHA BEHAVIOR TO CAMOFLAG AS INDEPENDENT THINKER.
    NO QUETION CONTRARY TO YOUR VIEWS WE HAVE DETERMINED COLLECTIVE LEADERSHIP.

  • ኣብርሃም የውሃንስ

    ዝኸበርካኣቶተወልደብርሃን
    ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራ ብእንግሊዝኛ ኮነ ትግርኛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ተመሓላልፎ ጽሑፋት እከታተሎ እየ። ብጣዕሚ ሃገራውን ሓላዪ ህዝቢአርትራ ምዃንካ ጽሑፍካ ስለዘረጋግጽ ምስክረይ ዘድልየካ ኣይኮነን። ገለ ሃገራውያን’ና ባሃልቲ ንስልጣንን ሃብቲ ሃገር ብሒቱ ዘሎ ውልቀ መላኺ ከሞግሱን ንመሳኪን ግዳያት ክገብሩን ዓንገረር እንተ በሉ ክገርመና የብሉን። ምክንያቱ ፍረ ምልኪ ስለ ዝኮኑ። ንእሽቶ ቅንጣብ ሕልና ዘይብሉ ሰብ ገዲፎም ነቶም ስልጣንን በጀትን ዘይብሎም ምኒስተራት ክሓምዩን ብጕድለታትክኸሱንዝደልዩ ዘለዉ ከኣብርእይቶይ እቲ ሃገራዊ ድሕነትዝብሃል ናይ ብሓቂ ግን ሃገራዊ ጥፍኣት ክጽዋዕ ዝግብኦ ንሃገርን ህዝብንከበሳብስ ዝውዕል ዘሎ መሳርሒ ጭቆና ዘዋፈሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ህዝብና ሓላፍነቱን ግቡኡን ፈሊጡ ሕጊ ኣኽቢሩ ዝኸይድ ድስፕሊንዝመልኦ ጥዑይ ሕብረተሰብዩ ነሩ። ሎሚ ግን ባህሉን ስርዓቱን ኣነባብራኡን ጸይቖም ምሉኽን ትኣዛዝን መደናገርን ሃካይን ዘይጽዓረሉ ረብሓተጸባይን ጠላምን ክኸውን እንደገና ፈንጢሖም ሰሪሖሞን ኣባላሽዮሞን እዮም።
    በዚ ንሃገርካን ህዝብኻን ተካይዶ ዘሎኻ ትምህርቲ ርዒዶም ብዙሓት ክጸርፉኻን ክዘልፉኻን ይርኣዩ ኣለዉ። ትጽበዮ ነርካት ኸውንዝብል እምነት ስለዘሎኒ ግን ከሕምመካይኽእልዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ አርትራን ኽትነብር ሓሳዊ፡ ሰራቒ፡ ፈራሕ፡ ምሉኽ፡ ብልብኻ ዘይትኣምነሉ ክትዛረብን ንጭቆናን ግፍዕን ከተመስግን ትውዕል ክትከውን ኣሎካ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣፉ እንተዘይረገመት እታ ጸገምን ሓሳረ መከራን ትጸግብ ዘላ ልቡ ባዕላ ከይረገመት ኣይክትተርፍን ኢያ። ከምቲ ‘’ነገር ዘይጸገበ ሜስ ይዕድል መርገም ዘይፈርሕ ከኣድኻ ይብድል’’ ዝብሃል እቲ ነዚ ድኻ ህዝቢ ኤርትራ ክብድልን ከጋፍዕን ንብረቱ ክምንዝዕንዝውዕል ዘሎ ብዓል መዚ ከኣ ጽባሕ ከምቶም ኵሎም ዝወደቑን ዝተጓሕፉን ክጕሓፍ ክንርእዮኢና። ካብ ኣፍ ድኻታት መንዚዑ ዝእክቦንዝሓብኦን ዘሎ ገንዘብ ከድሕኖን ክጠቕሞንኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ናትካ ዝበሉ ሓደ ሓደ ክረክብዕድለኛ ኢዩ። ታሪኽ ዘረጋገጾ ሓቂ ስለዝዀነ ክወግሕ እዩ። ህዝቢምሳኻዩ ዘሎ ኣይትሰከፍ ጽሑፍካን ትምህርትኻን ህዝባዊ ሓልዮትካን ቀጽሎ።
    ሓወትንሓፋሽ

  • Romay Abraham

    ዝኸበርካ ሓው ተወልደብርሃን
    ጽሑፋትካ ኩሉ ግዜ እከታተሎ ኢየ። እዋናዊ ጉዳያት እንዳልዓልካ ብዙሕ ሓበሬታትን ጠቓሚ ትምህርትን ናብ ህዝቢ ተመሓላልፎ ድማ ኣዝዩ ዝምስገን ኢዩ። ካብ ኩሉ ድማ ሃገራዊ ረብሓ ( National Interest ) ስለ ተቐድም እቶም በብእዋኑ ትጽሕፎም መሃሪ ጽሑፋትካ ብዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ብዙሕ ከምዝንበቡ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግዜኻ ኣጥፊእካ ስለ ሃገርካ ዘለካ ፍልጠት ንህዝብኻ ከተካፍል እትገብሮ ሓርኮትኮት ድማ ከማኻ ዝበሉ ምሁራት ሃገራውያን ይብዝሑልና ኢና ንብል። ድሕረገጽ ወይ Back ground ናይ Asmara Online ግን እታ ናይ ቀደም ትጽብቕ ኮይኑ ይስምዓኒ። ክፍት ከተብላ ከላኻ ጥራሕ ደስ ትብል መሳጢት ኢያ ነይራ። ንምንታይ ከምዝቐየርካያ ግን ናትካ ምኽንያት ይህልወካ ይኸውን.
    ብዝተረፈ እትገብሮ ዘለኻ ኣበርክቶ ቀሊል ኣይኮነን’ሞ ቀጽሎ፡ ኣጆኻ።
    ሮማይ ኣብራሃም

    • የቐንየለይ ሮማይ፡
      ብመሰረት ሪኢቶኻ ድሕረ-ገጽ ክቕይሮ ክፍትን ኢየ።

  • binyam

    girim wehale aqemamta qalat :: ane kaa temeharay kelekus mishimdad yezewtr eye nere walawn kisab 20 filiyos shemdide kiwetso ayetsegmemm neru :: niskawun kemzi kemay shemdadi eka timesil atsehafaka :: gn qdmi nebsika miriay nebsi edamatka mimiedawu gerkayo tiray zeykones teraqiqkalu keman :: eti mengstn hagern biqendu kaa etom halefti koynom neza hager entay yigebru alew entay ke yiserhu alewu temiye ente elkani wiski entezemtaalka wey tsemie entebelkani zitekeshene megbi etezemtsalka etay mibelka ? enategadele hagerna zemehayshin zihliwun ezi zibelkayo mengsti ms zibelkaya kulu mikefelkayom do kab peresident jemirka ? gn kedika kemti hzbi sebesltanatn kulom behafesha kemti zegelglwo zelew nihagerka agelgl emo shieu eka kab mishmdad tegbarawi tikewn ajoka kid ab eritrea hzbi eyu zelo aytifrah ab semay aykonka zeleka adi seb hmam mot kalien zelewo eka tinebr zeleka ::