ቅድሚ ፈረስ ዓረብያ፡ መትከላት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ

cropped-2121ብተወልደብርሃን ገብረ

መንግስቲ ኤርትራ ገና ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ሲቪላውን ገበናውን ሕግታት ሓቲሙ ካብ ጉንበት 2015 ጀሚሩ ዘርጊሑ ኣሎ። ድሮ እዞም ሕግታት ካብ ዝዝርግሑ ክልተ ዓመት ኣቚጺሮም ኣለዉ። ንምንታይ ተሓቲሞም ኣብ ግብሪ ዘይወዓሉ ንዝብል ሕቶ ክወሃብ ዝጸንሐ መልሲታት፡-

  1. ሰሚናራት ምስ ወከልቲ ዓድታትን ምምሕዳራትን ብዛዕባ እዞም ሕግታት የድሊ ስለ ዝነበረ
  2. ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣኽበርቲ ሕግን ደያኑን ብዝግባእ ክፈልጥዎም ኣስተምህሮታት ስለ ዝሓትት
  3. ህዝቢ ብሓፈሻ ኣፍልጠኡ ብዛዕባ እዞም ሕግታት ክብርኽ ስለ ዝተደልየ

ዝብሉ ምኽንያታት ብምሃብ ኢዩ ክሕለፍ ጸኒሕን ዘሎን።

ምናልባት ንምንዋሕ ትግባረ እዞም ዝተጠቅሱ ሕግታት ምክንያታውያን ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ነዞም ሕግታት ንምንዳፍ ዝወሰዶ ግዜ ኣዚዩ ነዊሕ ምንባሩን ምኽንያታዊ ከም ዝነበረን ካኣ ክግለጽ ጸኒሑን ኢዩ። እንተ ዘይተጋግየ ንምዳፍ እዞም ሕግታት ዝወሰደ ጊዜ ልዕሊ 16 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን። ንህዝቢ በብደረጃኡ ከም ዘሳተፈ ካኣ ይግለጽ ኢዩ። ብተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ እንዳ ተባህለ ተመሊስካ ነቲ ብተሳትፈኡ ተነዲፉን ኣብ ሕትመት በጺሑን ትብሎ ህዝቢ ኣስተምህሮ ብዛዕባ እዞም ሕግታት ግን እንታይ ማለት ይኸውን? ነገሩ ብዝቐደመ ዘይተ ኣምነ መንግስቲ ብዳሕረዋይ ክእመን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ 1997 ብጊዝያዊ ባይቶ ዝጸደቀ ቅዋም ኤርትራ ሓንሳብ ኣብ ኲናት ኣሎና፡ ኣብ ካልእ ጊዜ ካኣ ምስ ህልው ኩነታት ኣይከይድን ኢዩ፡ እንዳ ተባህለ ንትግባረ ክሕሰም ድሕሪ ምጽናሕ ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ድማ ሞይቱ ዝበለና መንግስቲ ክንኣምኖ ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምድንጋራት መንግስቲ ኣዳዕዲዑ ካብ ዝፈልጥ ሒደት ዓመታት ኣይኮነን።

ንምዃኑ ነዞም ገበናውን ሲቪላውን ሕግታት ንምንዳፍ ንምንታይ ልዕሊ 16 ዓመታት ወሲድሉ? ካልእ ምኽንያት ዘለዎ ኣይመስለንን ብዘይካ ንህዝቢ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንምብስባስ። ሕጂ’ውን ተሓቲሙ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዘለዎ ዕድል ኣዚዩ ጸቢብ ኢዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ዝኣስር፡ ብዘይ ፍርዲ ን10ታት ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘብሊ፡ ብኢሰብ-ኣዊ መንገዲ ዝገርፍን ዘሳቅን መንግስቲ ገበናዊ ሕጊ ኣተግቢሩ ክረኽቦ ዝኽእል መኽሰብ የሎን። ትግባረ እዞም ሕግታት ብፍላይ ድማ ገበናዊ ሕጊ ዝጽበ ሰብ እንተ ሃሊዩ የዋህ ጥራሕ ኢዩ።  እቲ ዕንክሊል ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-

  1. ነዞም ሕግታት ንምንዳፍ 16 ዓመታት ኣይወሰደን – ካብ ዝንደፉ ነዊሕ ዓመታት ኣቁጺሮም ኢዮም። ምናልባት ምስቲ ኣቐዲመ ንምዳፍ እዞም ሕግታት ልዕሊ 16 ዓመታት ወሲዱ ዝበልክዎ ዝጋራጮ ዝመስል ነገር ኣለዎ። ቅድሚ 16 ዓመታት ምንዳፍ እዞም ሕግታት ተጀሚሩ ማለት ግን 16 ዓመታት ወይ ልዕሊኡ ወሲዱ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዕላማ ትግባረኦም ይድለ ስለ ዘይነበረ ጥራሕ ኢዩ።
  2. እዞም ሕግታት ኣብ 2015 ብተበተብ ተሓቲሞም። እቲ ምኽንያት ነቲ መንግስቲ ምስ ምግሃስ መሰል ዜጋታት ኣብታ ሃገር ግዝኣተ-ሕጊ የሎን ዝብል ነቲ ስርዓት ዘናወጸ ክሲ ስለ ዝነበረ ነዚ ንምፉዃስ ተባሂሉ ዝተሓትመ ኢዩ።
  3. ምስ ተሓትሙ ትግባረ ዝናዋሓሉ ዘሎ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ማለት ሓንሳብ ኣስተምህሮ ንፈጸምቲ ሕጊ፡ ካልእ ጊዜ ንወከልቲ ህዝቢ፡ ሕጂ ድማ ንህዝቢ ዝብሉ ናይ ዕንክሊል መስርሓት እምባኣር ኣካል ናይቲ ብሕጊ ህዝብን ሃገርን ምምእዛን ዘይምድላይ ኢዩ። ብተሳትፎ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ተነዲፉ እንዳ ተባሃለ ንነደፍቱ ኣስተምህሮ ምሃብ ምስ ዝኾነ ቁምነገር ኣይቁጸርን ኢዩ።

ከም ኣባሃሃላ ሚኒስተር ፍትሒ ወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም እዞም ኣስተምህሮታት ኣብ ሰለስተ (3) ደረጃታት ተኸፋፊሎም ይወሃቡ ከም ዘለዉ ኢያ ትምድር። ንሶም (1) ኣስተምህሮ ንሰብ ሞያ ሕጊ፡ ንኣኽበርቲ ሕግን ንደያንኑን፡ (2) ንወከልቲ ህዝቢ፡ (3) ካኣ ንህዝቢ ኢዮም። ብመሰረት ወይዘሮ ፎዚያ እቶም ቀዳሞት ክልተ ኣስተምህሮታት ከም ዝተዓሙ ኢያ ትሕብር። ህዝቢ ካኣ ካብ ጥቅምቲ 2016 ዝጀመረ ኣስተምህሮ ብዛዕባ እዞም ሕግታት ንሓደ ዓመት ከም ዝቅጽል (ክሳብ መስከረም 2017 ምዃኑ ኢዩ) ትሕብር። ጊዜን ከልብን ከይ ጸዋዕካዮም ይመጹ ከም ዝባሃል መስከረም 2017 እንሆ ደበኽ ኢላ። ስለዚ ትግባረ እዞም ሕግታት ኣብ ጥቅምቲ 2017 ብነጋሪት ጋዜጣ ክእወጁ ኣለዎም ማለት ኢዩ። ተወልደብርሃን ኣይተረደኦን ተባሂሉ ንሓደ ዓመት እንተ ዘይተናዊሑ ማለት ኢዩ።

Mክንያታት ናዚ ዕንክሊል እንታይ ኢዮም? ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ብፍላይ ድማ ምስ ትግባረ ገበናዊ ሕጊ ዝዛመዱ። ንኹሉ ገዲፈ ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ጉዳያት ከድህብ፡-

  1. ጉዳይ ምጽዳቅ አዞም ሕግታት (ራቲፊቻቲኦን)
  2. ጉዳይ ብዘይ ሕግን ፍርድን ንዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት

 

  1. ጉዳይ ምጽዳቅ አዞም ሕግታት (ራቲፊቻቲኦን)

ኣቀዲሙ ከም ዝተባህለ ገበናውን ሲቪላውን ሕግታት ተነዲፎምን ተሓቲሞምን ኣለዉ። ሃገራዊ ሕጊ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢዩ ብወግዒ ዝጸድቅ። ክሳብ ሕጂ ባይቶ የብልናን። ሕጊ ብዘይ ሓጋጊ ኣካል ትርጉም ክህልዎ ከኣ ኣይክእልን ኢዩ። ፈራዲ ኣካል’ውን ካብ ፈጻሚ ኣካል ነጻ ኮይኑ ኣገልግሎ ፍርዲ ክህብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ንኣብነት ነቲ ኣብ ትሕቲ “መትከላት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንህዝቢ ንምስትምሃር ተባሂሉ ዝፍኖ ዘሎ ትሕዝቶ እዚ ሕጊ እንተ ረአና ኣብ መትከላቱ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡-

  1. መትከል ሕጋውነት

“እዚ መትከል’ዚ ዝኾነ ሰብ ብዘይሕጊ ከይፍረድን ከይቅጻዕን ዝከላኸል መትከል ኮይኑ ብሓሙሽተ ንኡሳን መትከላት ይግለጽ” ድሕሪ ምባል ንኡስ-ክፋል 1.4. መትከል ብምምስሳል ገበን ዘይምፍጣር እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-

እዚ መትከል’ዚ ኣብያተ ፍርዲ ብምምስሳል ኣብ ሕጊ ብንጹር ዘይሰፈረ ገበን ከይፈጥራን ከይቀጽዓን ዝኽልክል መትከል እዩ። ኣብያተ ፍርዲ “ዘይንጹር ድንጋገታት ሕጊ” ናይ ምትርጓም ስልጣን ኣለዎም። ውርጹጽ ሕጊ ዝበሃል ክህሉ ስለዘይክእል፡ ደያኑ ዝተወሰነ ሕጋዊ መትከላት ተኸቲሎም ዘይንጹር ድንጋገታት ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣኖም እዩ። ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ’ውን ደያኑ ኣጠራጣሪ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ድንጋገ ብመሰረት መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ሓጋጊ ኣካል ብዝሓለኖ ትርጉምን ክትርጉሙ ስልጣን የልብሶም። ካብኡ ሓሊፉ፡ ዘይንጹርን ክልተ ወይ ልዕሊኡ ምኽኑይ ትርጉም ክህብ ዝኽእልን ቃል ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ደያኑ ንክሱስ ብዘርብሕ ኣገባብ ትርጉም ክህብዎ ከምዝግባእ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ይድንግግ። እዚ መትከል’ዚ፡ ዘይንጹር ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣን ዝለበሱ ኣካላት ነዚ ስልጣን ተጠቒሞም፡ ኣብ ሕጊ  ብንጹር ዘይሰፈረ፡ ምስ መንፈስን ዕላማን ገበናዊ ሕጊ ዘይሳነን ካብ ትጽቢታት ሓጋጊ ኣካል ዝረሓቐን ሓድሽ ገበን ንከይፈጥሩን ንከይቐጽዑን ልጓም ንምግባር ተባሂሉ ዝተኣታተወ መትከል ሕጊ እዩ። ሕጊ ናይ ምትርጓም ስልጣን ብዘይገደብን ብዘይንጹር መምርሒታትን ነጻ ምስዝግደፍ፡ እቲ ዝትርጉም ኣካል “ዘይንጹር” ንዝብሎ ድንጋገ፡ ከከም ማሕበረ – ቁጠባዊ፡ ባህላውን ድሕረ – ባይታኡ፡ ከከም ዝምባለኡን ስምዒታቱን  ኣዝዩ ዝተመጠጠ ትርጉም ንክህብን ሓጋጊ ኣካል ዘይሓለኖ ሓድሽ ገበናት ክፈጥርን ባብ ዘርሑ ከይከውን ዝተገብረ ሓለዋ ኢዩ። ዜጋታት ብዘይተኣወጀ፡ ዘይተገልጸሎምን ዘይፈልጥዎን ሕጊ ብገበን ዝሕተቱ እንተኾይኖም፡ ርጉጽነት ሕጊ ይሃስስ።

ይብል።

ብመሰረት መትከል 1 ን ኡስ-መትከል 1.4 “ውርጹጽ ሕጊ ዝበሃል ክህሉ ስለዘይክእል፡ ደያኑ ዝተወሰነ ሕጋዊ መትከላት ተኸቲሎም ዘይንጹር ድንጋገታት ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣኖም እዩ።” ድሕሪ ምባል ቀጺሉ “ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ’ውን ደያኑ ኣጠራጣሪ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ድንጋገ ብመሰረት መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ሓጋጊ ኣካል ብዝሓለኖ ትርጉምን ክትርጉሙ ስልጣን የልብሶምይብል።  ቀጺሉ “እዚ መትከል’ዚ፡ ዘይንጹር ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣን ዝለበሱ ኣካላት ነዚ ስልጣን ተጠቒሞም፡ ኣብ ሕጊ  ብንጹር ዘይሰፈረ፡ ምስ መንፈስን ዕላማን ገበናዊ ሕጊ ዘይሳነን ካብ ትጽቢታት ሓጋጊ ኣካል ዝረሓቐን ሓድሽ ገበን ንከይፈጥሩን ንከይቐጽዑን ልጓም ንምግባር ተባሂሉ ዝተኣታተወ መትከል ሕጊ እዩ” ዝብል ይርከቦ።

ስለዚ ብቀለም ናይ ዞም ሕግታት ጥራሕ ዘይኮነ ብ“መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ሓጋጊ ኣካል ብዝሓለኖ ትርጉምን ክትርጉሙ ንዳያኑ ሓላፍነት የሰክሞም። እዚ ማለት ሓጋጊ ኣካል ነዞም ሕግታት ብወግዒ ከጽድቖም ኣለዎ ማለት ኢዩ። ኣበይ ዘሎ ሓጋጊ ኣካል ኢዩ? እዚ ስርዓት ሕፍረት ይኹን ድፍረት ስለ ዘይብሉ ተሰልቢጡ ነቲ ባዕሉ ዝበሎ ረሲዑ “ናትና መንገዲ ኣሎና” ክብለና ምዃኑ 100 ካብ 100 ርግጸኛ ኮይንካ ምዝራብ ይከኣል። ብቐንዱ ግን ነቲ ብ“መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ሓጋጊ ኣካል ብዝሓለኖ ትርጉምን ክትርጉሙ” ዝብል ናብ ደያኑ ዝቐነዐ ሓላፍነት ናብ ብ “መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ፈጻሚ ኣካል ብዝሕልኖን ትርጉም ክትርጉሙ” ዝብል ዝተለምደ ሸንክለል ከም ዝቅይሮ ምስትውዓል ይሓትት። ስለዚ ቤት-ፍርድታት ነጻነት ክህልዎም ከም ዘይክእል ድሮ ተጋሂዱ ኣሎ ማለት ኢዩ።

  1. ጉዳይ ብዘይ ሕግን ፍርድን ንዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት

ምስ ትግባረ ገበናዊ ሕጊ ተታሓሒዙ ዝለዓል ካልእ ኣርእስቲ ጉዳይ ብዘይ ሕግን ፍርድን ን10ታት ዓመታት ዝተኣሰሩ ዜጋታት ኢዩ። እዞም ዜጋታት ብቀዳማይ ሕጊ ኣይተኸሰሱን ናይ ሕጊ መሰሎም’ውን ኣይተሓለወሎምን። ስለዚ ምስ ትግባረ እዚ ሕጊ ብነጻ ክፍነዉ ኣለዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል’ውን ኣሎ ማለት ኢዩ። እዚ እቲ ካልእ ቀንዲ ምኽንያት ንዕንክሊል ኢዩ። እቲ ስርዓት ነዚ’ውን ኣታሊለ ክሓልፎ ኢየ ዝብል እንተ ሃሊዩ ቀደም’ውን ዝተታለለ ህዝቢ ከም ዘይነበረ ክፈልጥ ኣለዎ።

ኣብ መትከል 1 ንኡስ-ክፍሊ 1.1 –ዝኾነ ሰብ ብሕጊ ብዘይተኸልከለ ባህሪኡ ኣይቅጻዕን ይብል እሞ እዚ ዝስዕብ ከኣ ይብል፡-

እቲ ቀዳማይ ኣብ መትከል ሕጋውነት ዝሕቆፍ ንኡስ መትከል፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዜ ፍጻመ ብሕጊ ብዘይተኸልከለ ባህሪኡ (ግድፈት ወይ ተግባር) ገበነኛ ኣይብሃልን ዝብል እዩ። እዚ ማለት ከኣ ድሒሩ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ገበናዊ ሕጊ ሓደ ሰብ ንዝፈጸሞ ግድፈት ወይ ተግባር ገበን እንተገበሮ’ውን ህሉዊ ዝስራሓሉ ገበናዊ ሕጊ ዘይከልከሎ ተግባር ወይ ግድፈት ክሳብ ዝኾነ በቲ ድሒሩ ዝተኣወጀ ሕጊ ገበነኛ ተባሂሉ ክፍረድ ኣይግባእን ማለት እዩ። እዚ መትከል’ዚ ዜጋታት ኣቐዲሙ ብዘይተኣወጀ ሕጊ ከይፍረዱ ዝኽልክል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ፍጻመ ብገበን ዘቕጽዕ ዝነበረ ተግባር ወይ ግድፈት ብሓድሽ ዝተኣወጀ ገበናዊ ሕጊ ስሩዝ እንተተገይሩ (ገበናዊ ባህሪኡ እንተ’ጥፊኡ)፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ተግባር ወይ ግድፈት ክምስረት ተሓሲቡ ዝነበረ ገበናዊ ክሲ ወይ ድሮ ዝተመስረተ ገበናዊ ክሲ ዝዕጾ ምዃኑ’ውን እዚ መትከል የነጽር።

እቲ ሕቶ ጉዳይ እቶም ብዘይ ክስን ፍርድን ዝተኣሰሩ’ኸ? ዝብል ኢዩ። ብቀዳማይ ሕጊ ኣይተኸሰሱን ናብ ፍርዲ’ውን ኣይቀረቡን ስለዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑን ክካሓሱን ኣግባእን’ዶ? ብዘይ ሕግን ፍርድን ንዓመታት ዘሳቐዮም ኣካል’ከ በየናይ ሕጊ ናብ ሕጊ ይቐርብ? ዋላስ ንዓናውን የዋጽእ ኢዩ ተባሂሉ ዝተቐመጠ መትከል ኢዩ?

እዚ ሕቶታት’ዚ ኣብ ርእሲ ሃንደስቲ ፖለቲካ ኤርትራ ወትሩ ስለ ዝመላለስ ንትግባረ ሕግን ሕጋውነትን ጅሆ ብምሓዝ ከመሳምሱ ንዕዘብ ኣሎና። ዘይሩ ዘይሩ ግን ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ።

እተን ሓቅታት ሰለስተን መረርትን ኢየን። ንሰን ከኣ እዘን ኣቀዲመ ዝጠቀስኩወን፡-

  1. ብመሰረት መትከል 1 (1.4) ሃገራዊ ባይቶ ክሳብ ዘየጽደቖ ትርጉም የብሉን
  2. ብመሰረት መትከል 1 (1.1) ኩሎም ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍትሑን ክካሓሱን ኣለዎም
  3. ነዞም ዜጋታት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ንዓመታት ዝዳጎኑ ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም።

ስለዚ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንዳ ደርደርካ ንገበናዊ ይኹን ካልእ ሕጊ ካብ ምትግባር ምህዳም ዝተለምደ ናይ ዕንኪላሎ ስራሕ ኢዩ። ሽግር ስርዓት ኤርትራ ንጌጋታት ኣሪምካ ምኻድ ተሳዓርነት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጌጋታትካ ምእራም ከም ተሳዓርነት ዘይኮነስ ከም ርእሰ-ተኣማንነት ኢዩ ዝቆጽሮ። ብጌጋኡ ዘይእመን ርእሰ-ተኣማንነት ዝጎደሎ ኢዩ። ስለዚ ብወገነይ ረእሰ-ተኣማንነት ዝጎደለኩም ስለ ዝኾንኩም ነዚ ሊዒለ ዝጠቀስኩዎ ጉዳያት – ባይቶን ምፍታሕ እሱራንት ብቐንዱ ድማ ምትግባር ገበናዊ ሕጊ ደፊርኩም ክትኣትዉዎ ኢኹም ዝብል እምነት የብለይን። እንት ጌርኩሞ ግን ባህ ይብለኒ። ባይቶ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ሕግታት ክትግብሩ ግን “ቅድሚ ፈረስ ዓረቢያ” ኢዩ።

ወድሓንኩም!

  • Anonymous

    At genre please be rational

    • Someone,

      “rational” – Okay – let’s wait for October and will see the promises of the laws – by October 1. parliament has to ratify the laws (2) prisoners jailed without due process of law need to be freed. If you expect this will happen you will have all rights to accuse me as irrational.

  • HAGERAWI

    TELL US YOUR ADDRESS SO WE CAN HANDOVER YOU THE POST OF PRESIDENT

    • Who are you little yorkie?

      • tesfa

        Helme derho, to be a president. Where have you been all these time? You believe this is the right time to create havoc. You may also be regionalist and have a grudge against our tireless leadership. I know you always delete my comment, my message is only for you and I will keep attacking you.

      • Anonymous

        You too sensitive when some one criticize you while you want running your mouth uncontrollable. Grow up

      • ኣይተ ተወልደ ይከኣሎ እንዲኻ ተቐይርካ ዘለኻ። ኣነ’ውን ንፕረሲደንትነት ደገፈይ ኣይክፍለየካን’ዩ።