“ነቲ ድኻ ዝያዳ ምድካይ” – መንግስቲ ኤርትራ ሓምሊ እንክሸይጥ

ብተወልደብርሃን ገብረ

ንህዝቢ ንምብዳል እንተ ዘይኮይኑ ራህዋ ብምግባት ኣይረጋገጽን ኢዩ። ብዙሕ ጊዜ ከም ዝበልኩዎ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ባዕለይ ከርህወልካ’የ ዝብል ፍልስፍና ኣይሰርሐን ክሰርሕ’ውን ኣይኮነን። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዝኾነት ትኹን ቃለ-መሕትት ከይተንከፈን ዘይሓልፍ ክልተ ጉዳያት ኣለዋ። ንሳተን ካኣ፡-

  • ብዛዕባ ዕብለላ ምዕራባዊ ካፒታሊስታዊ ዓለም ክዛረብ እንከሎ “ነቲ ድኻ ዝያዳ ምድካይ” በዚ ድማ ንህዝብታት ዓለም ጂሆ ሒዝካ ጸጋታቱ ወይ ሃብቱ ምምዝማዝ ኢዩ ዕላምኦም ይብል። ልክዕ ኢዩ። ኣይተጋገየን። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ካብ ተመኩሩኡ ኢዩ ዝብገስ። ስለዚ እቲ ፕረዚደንት ይብለና ኣሎ። ንህዝቢ ድኻ ከይገበርካ ክትገዝኦን ከተንበርክኾን ኣይትኽእልን ኢኻ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። እወ ንህዝቢ ከየድከኻ ክትጭቁኖ ዝከኣል ኣይኮነን። በቲ ቀዳማይ ሪኢቶ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንሰማማዕ እንተ ኾይና፡ በቲ ካላኣይ ናተይ ትዕዝብቲ ካኣ ክንርዕም ኣሎና ማለት ኢዩ። ብሪኢቶይ እንተ ዘይተሳማማዕኩም ግና ብሪኢቶ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክትሳማምዑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዚ ህልውና ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳያስ ብቐጥታት ምስ ድኽነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ኢዩ።
  • ካላኣይቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ትደጋገም ቃል ዝምበዐ (distortion) ትብል ቃል ኢያ። እዛ ቃል ሕጂውን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዘሎ ኣህጉራዊ ወይ ዓለማዊ ዝንበዐ ንምግላጽ ዝጥቀመላ ቃል ኢያ። ብፍላይ ናይ ታሪኽ ዝንበዐ እንዳ በለ ዝጥቀመላ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ታሪኽ ዝንበዐ/ፍልልያት ንምስትኽኻል ኢና ተቓሊስና ኢዩ ዝብል። ንእግሪ መንገደይ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እምበር ታሪኽ ኢትዮጵያ ንምዕራይ ኣይተቃለሰን። ኮይኑ ግን ነዛ ቃል ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘልዓልኩሉ ምኽንያት ኣሎኒ። ዝንበዐ ወይ ምዝንባዕ ዕዳጋታት ኤርትራ ብመንግስቲ ኮነ ኢልካ ከም ዝግበር ህዝቢ ብሓፈሻ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ብፍላይ ዝፈልጥዎን ን26 ዓመታት ዝረብረበሉን ኩነተ-ህልውና ህዝብና ኢዩ።

መበገሲየይ ብ10 ሚያዝያ 2017 ዝተፈነወ ዜና ኤሪ-ቲቪ ኢዩ። ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዜና ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ። እቲ ዜና ይብል፡-

“ከም ኣካል ናይቲ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ዕማም ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ ፍርያቱ ብርትዓዊ ዋጋ ንህዝቢ የቅርብ ኣሎ። እዚ ተበጊሱ ዘሎ መደብ ብመንጽር ብልጫታቱ እቲ መደብ ቀጻልነቱ ክዋሓስ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ትካል ኣብ ሓያል ስራሕ ይርከብ።”

ማዕከናት ዜና ኤርትራ ዝጥቀማላሉ ቋንቋ ንባዕሉ ዘገርም ኢዩ። ፍርያት ሕርሻ መደሃኒት ኣይኮነን። ከም ኮርፖረሽን ጥረታትን ጥሪትን ኤርትራ ዝኣመሰለ ሓደ ንግዳዊ ትካል ንነጻ ጉልበት ዜጋታትን ብሑሱር ንዝረኸቦ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት፡ ድዂዒ፡ ናውቲ ሕርሻን ካልእን ተጠቂሙ ነቶም እዚ ብልጫታት ዘይብሎም ሓረስቶት ስለ ዘዳኸሞም “ብርትዓዊ ዋጋ ንህዝቢ የቅርብ ኣሎ” ኢልካ ዜና ክትሰርሓሉ ዘሕፍር ኢዩ። እቲ ካልእ ከምቲ ሊዒሉ ዝተጠቅሰ “እዚ ተበጊሱ ዘሎ መደብ ብመንጽር ብልጫታቱ እቲ መደብ ቀጻልነቱ ክዋሓስ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ትካል ኣብ ሓያል ስራሕ ይርከብ” ይብል። ቅድም ቀዳድም እዚ መደብ እዚ ሓዱሽ ኣይኮነን። እቲ ብሕርሻ ኣፍ ሂምቦል ተበጊሱ ዝነበረ ሎሚ ኣበይ ኣሎ? ሕርሻ ኣፍ ሂምቦል ብነጻ ጉልበትን ኣንጡራ ሃብቲ ኤርትራን ዝፈረየ ኮሚደረ ካብ 2003 ጀሚሩ ድኳናት ከፊቱ ኮሚድረ፡ ባናናን ሓምልን ካልእን ክሽይጥ ይውዕል ነይሩ። ቀጺሉ? ኣይቀጸለን ምኽንያቱ ብስርቅን ሌብነትን ዝቅጽል ልምዓት የሎን። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባዚ ጺሒፈ ኔረ። መንግስቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብኪሎ ኮሚደረ ብዕትርቲ ድማ ሓምሊ ክሸይጥ ኣብ ዓለም ኣይተገብረን። ድኳናት ሕርሻ ኣፍ ሂምቦል ኣብ ኣስመራ 100 ኩንታል ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ 20 ኩንታል ከይተባላሸወ ተባላሹ ተባሂሉ ንኣፍረይቲ ደርሆ ተሸይጡ ብተዘዋዋሪ ኣብ ዕዳጋታት ኣሕምልቲ ኣስመራ ይሽየጥ ከም ዝነበረ መን ይዝንግዖ? ሕጂ’ኸ?

ብወገነይ እዚ ጉዳይ’ዚ ንኣናእሽቱ ኣፍረይቲ ብኸቢድ ዝጎድእ ንህዝቢ ድማ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘይብሉ ኣገልግሎት ዝፈጥር ገባቲ ባህርያት ኢዩ። ዋጋታት መሰረታውያን ጠለባት ህዝቢ ዝንህር ቀረብ ስለ ዘየሎን እቶም ኣፍረይቲ ድማ ግቡእ ኣገልግሎት ሕርሻዊ ማእቶታዊ (ንጥረ ነገራት) ስለ ዘይረኽቡን ኢዩ። ንሸየጥቲ ዋጋ ወሲኽኩም ኢልካ ግዳይ ምግባር ተራ ፕሮፖጋንዳ ምዃኑ ህዝቢ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ነዚ ዝንበዐ (distortion) ዝፈጥር ዘሎ መንግስቲ’ውን ህዝቢ ከም ዝፈልጥ ይፈልጥ ኢዩ። ግን እታ ፍልስፍና ናብ ነጋዶ ጥራሕ ዘይኮነስ “ነቲ ድኻ ዝያዳ ምድካይ” ትብል ስለ ዝኾነት ህዝቢ ዝበለ ይበል “ዝያዳ ምድካዩን ምርማሱን” ኢያ። ብሓቂ ዝሕዝን ስራሕ ኢዩ።

ሎሚ ኮርፖረሽን ጥረታትን ጥሪትን ኤርትራ ንሓደ ወርሒ እሞ ካኣ ብኣዚዩ ዉሱን ዓቐን ኮሚደረ ይኹን ሓምሊ ንኸተማ ኣስመራ ስለ ዘቅረበ ሽግር ናህሪ ዋጋታት እዞም ባእታታት ተኣልዩ ማለት ኣይኮነንን። ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽ ዘኽእል ኣገባብ እውን ኣይኮነን። ከምኡ ዝመስለና እንተ ሃሊና ተጋጊና። ልምዓት ይኹን ራህዋ ብራህዋ ህዝቢ ዘይሕጎስ ስርዓት ኣይረጋገጽን ኢዩ። ብራህዋ ህዝቢ ዝሕጎስ መንግስቲ እንተ ዝህልወና ህዝቢ ንዘለዎ ዕቑር ዓቅሚ ባይታ መድሚዱ ኣብ ቁጠባዊ መስርሕ ብማዕረ ክሳተፍ መኽኣሎ ኔሩ። ንዝተበገሰ ሓረሳታይ ይኹን ነጋዳይ ካብ ዕዳጋ ይኹን ፍርያት ዋጋታት እንዳ ኣዘንባዕካ ምብራሩ ግን እቲ መንግስቲ ኢየ ዝብል ኣካል ክሓፍረሉ ኢዩ ዝግባእ።

ህዝቢ እንተ ራሃዎ መንግስቲ እንታይ ኢዩ ዘፍርሖ። ብሓቂ ህዝባዊ መንግስቲ እንተ ኾይኑ ንምንታይ ኢዩ ንህዝቢ ኩሉ ቁጠባዊ ዕድላት ዝዓጹ? እቲ ሓቂ “ነቲ ድኻ ዝያዳ ምድካይ” ዝብል ፍልስፍና ኢዩ። ነዚ ንምቅባሉ ዘሽግረና ዜጋታት ክንህሉ ንኽእል ኢና። ግን ጊዜ መምህር ኢዩ።