ንኽንፈላልዮም’ኮ ሓርበተና – መንዩ መንግስቲ ዞባታት? መንዩ’ኸ ባይቶ ዞባ? – ኩሎም ለበዋታት የሕልፉ- ግን ንመን?

cropped-2121ብተወልደብርሃን ገብረ

ብመሰረት ናይ 4 መጋቢት ፈነወ ዜና ኢሪ-ቲቪ ዞባ ባይቶ ደቡብ ኣብ ትሕቲ “ምዕቃብ ባህሪያዊ ጸጋታትና እምነ-ኩርናዕ ምዕባሌና” ዝብል ቴማ መበል 16 ስሩዕ ኣኼቡኡ ብ2 መጋቢት 2017 ኣሰላሲሉ ይባሃል ኣሎ።

ከም ፈነወ ኢሪ-ቲቪ እንተ ዳኣ ኾይኑ መም/ወልዳይ ገብረ (ኣቦ መንበር ባይቶ) “ምምሕያሽ ደረጃ መነባብሮ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህዝቢ ኣብ ዝግበሩ ለውጥታት ዝምርኮስ ምዃኑ ጠቂሱ ብኹለን ኣካላት መንግስትን ግንባርን ዝተዓሙ ንጥፈታት እወታውን ኣሉታውን ሸነኻቶም ተለሊዩ ንዝበለጸ ዕዮ ብዝድርኹ ብውህደት ክስራሓሎም ኣዘኻኺሩ” ይብል።

ንመን’ዩ ዘዘኻኽር ዘሎ መም/ወልዳይ? ንዞባዊ መንግስቲ ዞባ ደቡብ ወይስ ንመንግስቲ ኤርትራ? ቀጺሉ – ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገ/ክርስቶስ ኣብ ዘስመዖ ቃል ይብል ጋዜጠኛ ሳምሶን ሃይለ “ትግባረን ውጥንን መንግስቲ ንምርግጋጽ ጠለባት ህዝቢ ንምምላእን ተራን ኣበርክቶን ኣካላት ባይቶ ወሳኒ ምዃኑ ጠቂሱ ኣብ በበይኑ ከባብታት ዝተዋደዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ቀጻልነቶም ክዋሓስን ከም ኡውን ግብሪ መንግስቲ ኣብ ጊዚኡ ንምእካብ መምርሕታት መንግስቲ ብግቡእ ንኽትግበሩን ኩለን ኣካላት መንግስቲ ብውህደት ክሰርሓሉ ኣተሓሳሲቡ” ይብል። ናይ ኣቶ ኤፍሬም “ተራን ኣበርክቶን ኣካላት ባይቶ ወሳኒ ምዃኑ” ዝብል ሓረግ እንተ ሪኢና ተራ ምምሕዳር ዞባ ካላኣይ ወይ ትሕቲኡ ዝኸይድ ተራ ኢዩ ዘሎዎ ማለት ኢዩ። ባይቶ ሓጋግን ተቖጻጻርን’ምበር ፈጻሚ ወይ ኣተግባሪ ኣይኮነን። ባይቶ ንምምሕዳር ዞባን ንመንግስትን ለበዋ ዘማሓላልፍ እንተ ኾይኑ ምምሕዳር ዞባ ካኣ ንባይቶ ዝላቦ እንተ ኾይኑ መንግስቲ ዳኣ መን ኢዩ?

መም/ወዳይ ይብል “ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ’ውን ኣብ ምዕቃብ ባህሪያዊ ጸጋታት ዝተሳላሰሉ መደባት ኣንፈት ብሩህ መጻኢ” ምዃኖም ጠቂሱ “ኣብ ገለ ከባቢታት ብልዑል ወጻኢታት ዝተሃንጹ ፕሮጀክትታት ማይ ብሰንኪ ሸለልትነትን ጉድለት ምሕደራን ኣገልግሎቶም ከምቲ ዝድለ ስለ ዘይኮነ ኣቓልቦ ክግበረሎም ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ” ኢዩ ዝባሃል ዘሎ። ብኣንጻሩ ኣቶ ኤፍሬም “ተራን ኣበርክቶን ኣካላት ባይቶ ወሳኒ” ኢዩ ይብለና ኣሎ። ብኻልእ ኣባሃሃላ መም/ወልዳይ ብሰንኪ ሸለልትነትን ጉድለት ምምሕዳርን ፕሮጀክትታት ማይ ግቡእ ኣገልግሎታት ይህቡ የለውን ይብል ኣሎ። መም/ወልዳይ ኣይተጋገየን። ኣቶ ኤፍሬም ግን ወሳኒ ተራ ክትጻወቱ ዝነበረኩም ንስኹም ባይቶ ስለ ዝኾንኩም ብሰንኪ ናትኩም ጉድለት ኢዩ ይብል። መም/ወልዳይ “ኣብ ገለ ከባቢታት” ክብል ዝጠቐሶ ነጥቢ ምስቲ ናይ ጥሪ ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዝተወሰን ደረጃ ኣማሓይሹ ኢዩ ኣቅሪቡዎ። ምኽንያቱ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኩሉ ከም ዝዓነወ ኢዩ ሓቢሩና። መም/ወዳይ ከም ሰብ ኣዚዩ በሊሕን ስነ-ምግባር ዘሎዎን ሰብ ኢዩ። ስለዚ ብኸምዚ ደረጃ እንተ ኣቕረቦ ንኹሎም ኣብቲ ዓውዲ ዘሎዉ ተስፋ ንዘይ ምቑራጽ ይመስለኒ።

ስለምንታይ እዞም ናይ ማይ ኣገልግሎታት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይኾኑ ኣሎዉ መልሱ ግሉጽን ቀጥታውን ኢዩ። ብሸለልትነትን ጉድለት ምምሕዳራት ጥራሕ ግን ኣይመስለንን። እንታይ’ዳኣ ኣማሓደርትን ዝምልከቶም ጨንፈራት ምኒስትሪታትን ባጀት ይኹን መለዋወጢ ኣቑሑት ስለ ዘይብሎም ኢዩ።  ሃብቲ ሃገር ኣብ ኢድ ሓደ ሰልፊ ኣብ ዝወደቐሉ ኩነታት ብዛዕባ ባጀት መንግስቲ ኣልዒልካ ምዝራብ ትርጉም ስለ ዘይብሉ ንግዚኡ ንሕለፎ።

ብዘይካ’ዚ ንኣገዳስነት ባህሪያዊ ጸጋታት ኣመልኪቱ መም/ወልዳይ ኢሉዎ ዝተባህለ “ህዝቢ ን ኣገዳስነት ባህሪያዊ ጸጋታት ብግቡእ ተገንዚቡ ካብ ዕንወት ንምክልኻል ከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት ብዝተጸንዐን ብዝተወደበን ኣገባብ ክስራሓሉ ኣተሓሳሲቡ” ዝብል ኢዩ። ግርም። ህዝቢ ግቡኡ ይገብር ኣሎ። እቶም ግቡኣቶም ዘይገብሩ ዘሎዉ ግን እቶም መንግስታዊ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘሎዎም ኢዮም እቲ መልእኽቲ ባይቶ። ነዚ’ኸ ባይቶ ዞባ’ዲዩ ተሓታቲ? ከም ኣባሃሃላ ኣቶ ኤፍሬም እወ ባይቶ ኢዩ ተሓታቲ። – “ዘመነ ግሪምቢጥ ማይ ንዓቐብ” ዝመስል ምምሕዳር ኤርትራ።

ኣብ ኩሎም ኣኼባታት እንተላይ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ዝቐርብ ዛዕባ ጉዳይ ስነ-ምግባር መንእሰያት ኢዩ። እዞም መንእሰያት እንዳ ተባሃሉ ዝጥቀሱ መንእሰያት ዘይኮኑ ህጻናት ኢዮም። ምኽንያቱ እቶም ሎሚ 11 ክፍሊ ወዲኦም ተባሂሎም ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ንምክትታት ናብ ሳው ዝወርዱ ዘሎዉ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ 18 ክሊ ዕድመ ዘሎዉ ኢዩም። ትሕቲ 18 ዓመት ዘሎዉ ዜጋታት ካኣ ህጻናት እምበር መንእሰያት ኣይኮኑን። ዜና ኢሪ-ቲቪ ከም ዝበሎ “ኣባላት ባይቶ ድማ ኣብ ዝቐረበ ገንጋም ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ቆልዑን መንእሰያትን እሩም ስነ-ምግባርን ኣካዳሚያዊ ብቕዓትን ንክህልዎም ወለዲ ንዝለዓለ ምስፋን ጸጥታትን ርግኣትን ንምሕያል ምስ ፖሊስ ዘሎዎም ምትሕብባር ክሕይል፡ ኣብ ምሕያል ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ ስታፌአን ከዓዝዝ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም” ይብል። መቸስ ባይቶ ዞባታት እንታይ ኣርእስቲ ወይ ኣጀንዳ የልዕል ናቱ ስራሕ ኣይኮነን። ኣጀንዳ ዝሰርዑ ካለኦት ስለ ዝኾኑ። ንህጻናት ከም መንእሰያት ንመንእሰያት ካኣ ከም ህጻናት እንዳ ሓዋወስካ ምቕራብ ግን ልሙድ ታክቲክ ናይ ምቁጽጻር ኢዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ንኹሉ ጉድለታትን ሸለልትነትን ኣካላት መንግስቲ ንወለዲ፡ ንህጻናትን መንእሰያትን ምሽካም ልሙድ ፖለቲካ ኤርትራ ኢዩ።

ንምጥቕላል ዝኣክል “መንዩ መንግስቲ ዞባታት? መንዩ’ኸ ባይቶ ዞባ?” ኩሎም ለበዋታት የሕልፉ- ግን ንመን? መን’ዩ መንግስቲ? መንዩ’ኸ ባይቶ። ሓላፍነታት ባይቶታትን መንግስትን ንጹር ኣብ ዘይኮነሉ ወቕቲ መንግስቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ይከኣ’ዶ?

ወዳሓንኩም!