ኣብ ኤርትራስ ዝሕሸሽ ካኣ ተረኺቡ?

2121ብተወልደበርሃን ገብረ

መእተዊ

መራሒ ሃገረ ኤርትራ ንህዝብን መንእሰያትን ብሓሻሽነት ክኸሰስ ሰሚዕና ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ መንእሰያቱ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዝበልዕዎ እንዳ ተጸገሙ ብምሕሻሽ ክኽሰሱ ዓገብ ዘብል ኢዩ። ንምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ባዕሉ ክሕሽሽ እንተ ዘየላጊሱ መንእሰያት ክሕሺሹ ኣበይ ኢዩ ሪእዩዎም? ምናልባት ኣይገድፉን ኢዮም ካብ ዝብል ግምት ተበጊሱ ክኸውን ይኽእል። ህዝብና ያኢ ሃሊዩዎስ ወይ ረኺቡስ ብምሕሻሽ ክኽሰስ ግን ሃየንታ ኢዩ። ብሕስድና ዝልለ መንግስቲ ስለ ዘለና ግን ሃየንታኦም ንርእየሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ብዛዕባ ሕስድና ካብ ኣልዓልኩ ንድሕሪት ናብ 2002 ዘጋጠመ ፈጻመ ክነግረኩም። ኢማኑኤል ኣብሎ ዝባሃል ወጻእተኛ ወኪል ዓለማዊ ባንኪ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኢዩ። ኢማኑኤል ንህዝቢ ኤርትራ ጥዑይ ቅንኢ ዝነበሮ ሰብ ኢዩ። ቅድሚ ካብ ኤርትራ ዝወጻሉ ጊዜ ምስ ኢማኑኤል ካብ ሰለስተ ጊዜ ንላዕሊ ተራኺብና አሊልና ኣሎና። ኤርትራ ንእሽቶ ዕዳጋ ስለ ዘለዋ ቁጠባኣ ኣብ ምህላኽ (consumption) ዘይኮነ ኣብ ምፍራይ (production) ክኸውን ከም ዝግባእን ዉፉይን ጻዕረኛን ህዝቢ ስለ ዘለዋ ካኣ ንኢንዱስትሪያዊ ግስጋሰ ምቹእ ባይታ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ካብ ዘልዓሎም ረቛሒታት ኢዮም ዝነበሩ።

ኢማኑኤል ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሃቦ ምኽሪ ግን ካኣ ብሰንኪ ሕስድና መራሕታ ዘይተደልየ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ። ንናኣሽቱ ኢንዱስትሪታት ንምትብባዕ ዓለማዊ ባንኪ ዕድል ልቃሕ ክህብ መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ውሕስነት ንዓለማዊ ባንኪ ክህብ ዝብል ኢዩ ነይሩ ናይ ኢማኑኤል ምኽሪ። እዚ ማለት ነቶም ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ መሽነሪታትን ጥረ ነገራትን ካብ ወጻኢ ከእትዉ ዝሸገሩ ሃገራውያን ኣውፈርቲ ዕድል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምሃብ ኢንዱስትሪያዊ ዕቤት ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ። ወያ ሕስድና ካብ ጨጉሪ ርእሶም ክሳብ ጽፍሪ እግሮም ለመም እንዳ በለ ዘሳቅዮም ዘሎ መራሕትና ግን ነዚ ዕድላት ከይ ጥቀሙሉ ኣዒንቶም ተደፍና። በዝን ካልእን ምኽንያታት ህዝብን ሃገርን ን26 ዓመታት ንድኽነት ተፈሪዶም ይርከቡ። ሽዑ ኢዩ ዝመስለኒ ኢማኑኤል “ሓሳዳት መራሕቲ” ክብል ዝገለጾም። በዚ ድማ ምስ መሪሕነት ኤርትራ ኣብ ነውጺ ስለ ዝኣተወ ንኤርትራ ሓዲጉ ናብ ካልኡ ዝኸደ ንብለኩም።

ትርጉም ምሕሻሽን ምህላኽን

ናብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብመራሒኡ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ‘ምሕሻሽ’ ክመልሰኩም። ንምዃኑ ምሕሻሽ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ምሕሻሽ ብትግሪኛ – ምብኻን፣ ኣፍራዪ ወይ ቆዋሚ ኣብ ዘይኮነ ምውዓልን ኣብ ዘየድሊ ምጥፋእን ተባሂሉ ክትርጎም ይከኣል። ንፕረዚደንት ኢሳያስ ግን ምሕሻሽን ምህላኽን ፍልልይ የብሉን። ምህላኽ (consumption) ቁጠባዊ ቃል ኢዩ። ሃገራት ደረጃ ድኽነትን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምዕቃን ዓመታዊ ዳህሳስ የካይዳ። ሃገራዊ ሶሲዮ-ኢኮኖሚክ ሰርቨይ (national socio-economic survey) ካኣ ይብለኦ። ብፍላይ ንቑጠባዊ መነባብሮ ህዝበን ንምፍላጥ ካኣ ዓመት መጸ ዳህሳስ ስድራ-ቤታዊ ኣታዊ ወይ ሃልኪ (household income or consumption survey) የካይዳ። ስለዚ ምህላኽ መለክዒ ደረጃ ድኽነት ወይ ዕቤት ስድራቤታት እምበር መለክዒ ሓሻሽነት ኣይኮነን። ትሑት ደረጃ ሃልኪ ስድራ-ቤታት ማለት ድኻ ማለት ክኽውን እንከሎ ልዑል ሃልኪ ስድራ-ቤታት ድማ ምልክት ዳሓን መነባብሮ ምኳኑ የመልክት። ንመራሒ ኤርትራ እዚ መስፈሪ ድኽነት ወይ መነባብሮ ዝኾነ ምህላኽ ወይ ሃልኪ ምስ ምሕሻሽ ኢዩ ዝቑጸር። እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ብኸመይ ንጸጋ ሃገር ይሕሺሾ ከም ዘሎ ንምብራህ ብዛዕባ ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (Gross domestic product, GDP) ንእሽቶ ሓበሬታ ክህብ ይፈቱ። ንኣንበብቲ ክምህር ኢለ ኣይኮንኩን ግን ጸጋታት ሃገርና ብኸመይ መንገዲ ይሕሸሽ ከም ዘሎ ንምብራህ ዝኣክል ኢየ።

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (Gross domestic product, GDP)

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ሓደ ሃገር ብሓፈሻ መለክዒ ጥዑይን ዘይጥዑይን ማክሮ-ቁጠባ ተገይሩ ይረኣ። ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ዝዓቢ እንተ ሃሊዩ መርኣያ ጥዑይ ማክሮ-ቁጠባ ክኸውን እንከሎ እንዳ ወደቐ ዝኸይድ ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ካኣ መርኣያ ዘይጥዑይ ማክሮ-ቁጠባ ኢዩ።

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (Gross domestic product, GDP) ንምልካዕ ሃገራት ክልተ ኣገባብ ይጥቀማ። ወይ ኣታዊ ስድራ-ቤታት (households income) ብምድማር (income approach) ወይ ድማ ብምድማር ወጻኢታት (expenditure approach) ኢዮም። እዞም ክልተ ኣገባባት ናብ ሓደ መደምደምታ ኢዮም ዝወስዱና። ሙሉእ ስእሊ መታን ክህልወና ብትርጉም ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ  ብኽልቲኡ ኣገባብ ክጅምር።

ሀ) ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ብኣታውታት ስድራ-ቤታት እንክልካዕ (income approach) – ጠቅላላ ድምር ዓመታዊ ኣታዊ ስድራ-ቤታት ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሓደ ዓመት ማለት ኢዩ።

ለ) ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ብወጻኢታት እንክልካዕ (expenditure approach) ድማ- ድምር ዓመታዊ ወጻኢታት ስድራ-ቤታት ብሕታውያን ትካላት (firms) መንግስትን ወጻእተኛታትን ኣብታ ሃገር ዝፈረዩ እቶትን (goods) ኣገልግሎታትን  (services) ኣብ ሓደ ዓመት ማለት ኢዩ።

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ብኣታውታት ስድራ-ቤታት ክንልኽዖ ምስ እንጅምር እዞም ዝስዕቡ ኣብ ባይታ ከነስተውዕል ንግደድ፡-

  • ስድራ-ቤታት ንኣፍረይቲ ትካላት (firms) ዝህበኦ መሬት፡ ጉልበት፡ ርእሰ-ማልን (capital) ተበላሓትነትን (entrepreneurship) ኢዩ። ብኣንጻሩ ኣፍረይቲ (firms) ንስድራ-ቤታት ኣታዊ (income)፡ ማሃያ (wages)፡ ክራይን (rent) ወለድን (interest) ይህባ። ስድራ-ቤታት ካብ ማሃያን ወለድን ወጻኢ ኣታዊ ክህልወን ይኽእላ። ማለት ኩለን ስድራ-ቤታት ብማሃያ ወይ ወለድ ይማሓደራ ማለት ኣይኮነን። ገለ ስድራ-ቤታት ናይ ገዛእ-ርእሰን ዝመሓደራሉ ንግዲ ይኹን ሕርሻ ወይ’ውን ካልእ ክህልወን ይኽእል። ካልእ ስድራ-ቤታት የዋህልላ ኢየን። ዘዋህለለኦ ገንዘብ ካኣ ብመንገዲ ባንክታት ንተለቃሕቲ ትካላት (firms) ንወፍሪ ዝኸውን ካፒታል ይፈጥራ ኣለዋ ማለት ኢዩ።
  • ስለዚ ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ድምር ኣታዊ ስድራ-ቤታት ማለት ድምር ኣታዊ፡ ማሃያ፡ ክራይ፡ ወለድን ተባላሕትነትን ኢዩ። እዚ ኹሉ ንጥፈታት ኣብ ዕዳጋ ጸጋታት (resources market) ኢዩ ዝከናወን። ብኻልእ ኣባሃሃላ ስድራ-ቤታት መሬት፡ ጉልበት፡ ርእሰ-ማልን ተባላሕነትን ንዕዳጋ ጸጋታት የቅርባ፡ ኣፍረይቲ ካኣ ንስድራ-ቤታት ኣቁሑን ኣጋልግሎታትን ኣብ ዕዳጋ ምህርቲ (products market) ንስድራ-ቤታት የቅርባ ማለት ኢዩ።

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ብኣገባብ ወጻኢታት (expenditure approach) ክንፈልጥ ምስ እንደሊ በዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ኣካላት ዝተገብረ ወጻኢታት (spending) ንድምር።

ንሶም እቶም ወጻኢታት፡-

  • ወጻኢ ስድራ-ቤታት (household consumption or spending)
  • ወጻኢ ብኣፍረይቲ ትካላት (firms spending) ኣብ መሽናት (investment capital like in machinery)
  • ወጻኢ ብመንግስቲ (government spending) ንኣብነት ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ትሕተ-ቅርጺታትን ካልእ ብዙሕን የጠቓልል)
  • ወጻኢ ብወጻእተኛታት ሸመትቲ (ማለት ካብ ሰደድ ነቲ ናብ ዉሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ኣጉዲልካ፡- export-import)። ሓንቲ ሃገር ካብ ደገ እትሽምቶም ነገራት ዝጎድለሉ ምኽንያት እቲ ወጻኢ ካብ ናይታ ሃገር ቁጠባ ይወጽእ ስለ ዘሎ ኢዩ።

ድምር ናይዞም ልዒሎም ዝተጠቅሱ ወጻኢታት ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ይኸውን ማለት ኢዩ። እዚ ዝፍጸም ኣብ ዕዳጋ ምህርቲ (productስ market) ኢዩ። ኣብዚ ክሕተት ዝግበኦ ስለምንታይ’ዩ ጠቅላላ ድምር ኣታዊ (income) ምስ ጠቅላላ ወጻኢ (expenditure) ሓንቲ ሃገር ማዕረ ዝኸውን? ዝብል ኢዩ።

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ብመንገዲ ኣታውታት ስድራ-ቤታት ንለካዓዮ ብመንገዲ ወጻኢታት (ስድራ-ቤታት፡ ብሕታውያን ትካላት፡ መንግስቲን ወጻእተኛታን) ኣብ መወዳእታ ሓደ ኢዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ኣታዊታት ስድራ-ቤታት (ማለት ካብ ካልእ ኣታዊ ይኹን ካብ ማሃያ፡ ክራይ፡ ወለድን ተባላሕነትን) ብመንገዲ ዕዳጋ ጸጋታት (resources market) ኣብ መውዳእታ ኣብ ዕዳጋ ፍርያት (products market) ኢዩ ወጻኢ ዝኸውን።

ትርጉም ቁጠባ ንስርዓት ኤርትራ

ቁጠባ ሃገር ማለት ንመንግስቲ ኤርትር ሓርጭ ምስፋርን መሻርፍ ምስራፍን ኢዩ። ሓርጭ ዝሰፍር ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓርጭ ዝዕደል ካኣ ሚኒስትሪ ምክልኻል’ዶ ኣይኮኑን? ክንዮ’ዚ ትርጉም ዘለዎ ስርዓተ-ቁጠባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣይመስለንን። ከምቲ ኣብ ትሕቲ “መንግስቲ ትሕተ-ቅርጽታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሃኒጸ ይብል! ሓቂ’ዲዩ? ዝብል ጹሑፈይ ዝገለጽኩዎ ን26 ዓመታት ሳንቲም ኣውፊሩሉ ዘይፈልጥ ጽላታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ኣገልግሎት ማይን ካልእን ንሎዋሃት ካብ ምድንጋር ሓሊፉ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ብዘይካ ሓርጭ ምስፋርን መሳርፍ ምስራፍን እንታይ ትርጉም ዘለዎ ቁጠባ ስለ ዘለና ኢዩ ብዛዕባ ዘይፈልጦ ቃላትን ሓረጋትን ክትንትን ዝዉዕል ዘሎ ኣደንጻዊ ኢዩ።

ሓሻሽነት ካኣ ኣብ ስድራ-ቤታት ዘይኮነ ኣብቲ መንገስቲ ኢዩ ዘሎ

ጠቅላላ ዘቤታዊ ምህርቲ (GDP) ብኣታውታት ስድራ-ቤታት ማለት ካብ ማሃያ፡ ክራይ፡ ወለድ፡ ተባላሕትነትን ካላእ ኣታውን ከም ዝምዘን ልዒለ ዘብራህኩዎ ይመስለኒ። ሎሚ ክንደይ ካብ ህዝብና ኢዩ በዞም ዝተጠቅሱ ኣታውታት ዝማሓደር? ንግድን ወፍርን የሎን። ሰሪሑ ብማሃያ ዝማሓደር ዜጋ እንተ ሃሊዩ ስማዊ ኢዩ። ናይ መሬቱ ተጠቃማይ ኣይኮነን። መሬት ወይ ገዛ ሰሪሑ ዘካሪ እሞ ስድርኡ ብኽራይ መሬት ይኹን ብኽራይ ገዛ ዝድግፍ የሎን። ኣዋህሊሉ ብወለድ ዝነብር ስድራ የብልናን። ክኢላ ኮይኑ ክእለቱ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ወሪዱ ዝሰርሕ ዜጋ የሎን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርና ክንትንትንስ ይትረፍ ቁጠባ’ኸ ኣሎና ዲዩ?

ሰብ-ኣውን ነገራውን ኣፍራዪ ሓይሊ ሃገር ንርብዒ ዘመን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ሒዙ ኣፍራዪ ንዘይኮነ ትካላቱ ብዘይ ገደብ ብምስራፍ ሃብቲ ሃገር ዝሕሽሽን ዘባኽንን ዘሎ መንግስቲ ንትሕቲ-መሬት ዝነብራ ዘለዋ ስድራ-ቤታት ብሓሻሽነት ክኸሰን ካብ ናቱ ተግባራት ናትና ስቕታ ይገድድ። ብፍላይ እቶም ንዘየሎ ቁጠባ ብዝተፈላለየ ሕብርታት ኳሓሒሎም ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ብሽም ፈላጣት ተሰዂዖም ታሪኻዊ በደል ዝፍጽሙ ዜጋታት ሎሚ ይኣክል ዝብልሉ ጊዜ ኢዩ።

ንምዃኑ’ኸ ትርጉም ምሕሻሽን ምህላኽን ዘይፈልጥ መንግስቲ ብኸመይ ኢዩ ቁጠባ ሃገር ክመርሕ ዝኽእል? ሓደ ሰብ ብዉልቁ ዘቤታዊ ኣታውታቱ ናይ ምምሕዳር ጸገም ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ነዚ ዝረኣዩ ስድርኡን ብጾቱን ብኸመይ ኣታዊኡ ከማሓድር ከም ዘለዎ ክሕግዝዎ ይኽእሉ። ሓደ መራሒ ሃገር ኢየ ዝብል ሰብ ንምህላኽ ምስ ምሕሻሽ፡ ንምሕሻሽ ካኣ ምስ ምህላኽ ምፍላይ ጠፊኡዎ ዕንክሊል ክብል ክትርኢ ግና ዝሕዝን ኢዩ።

ጉዳይ ሓሻሽነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ጽላታት ዝተወሰነ ኣይኮነን። መንእሰያት ተማሂሮም ኣብ ዝመረጽዎን ብሞያኦምን ኣይሰርሑን ጥራሕ ዘይኮነስ ንስድረኦም’ውን ክኣሊዩ ኣይክእሉን ኢዮም። ብኻልእ ኣባሃሃላ ንትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ዝወጸ ሃገራዊ ሃብቲ ይባኽን ወይ ይሕሸሽ ኣሎ ማለት ኢዩ። ንህዝቢ ጽሩይ ኣገልግሎት ማይ ተባሂሉ ብለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ዝወፈረ ወፍሪ ስኣን ዘቐጽሎን ዝጽግኖን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምዃኑ ባዕሉ መንግስቲ ዝእመነሉ መንግስታዊ ሕሸሻ ኢዩ። ን26 ዓመታት ተሃኒጹ ዝተባህለ ትሕተ-ቅርጺ መንገድታት፡ ነጻ-ቁጠባዊ ዞናት፡ ጽዓትን ኣየር ፖርትታትን ዝኾነ ይኹን ቁጠባዊ ኣበርክቶ ከይገበረ ዓኒዩ ክባሃል ክንሰምዕ ካብዚ ዝዓቢ መንግስታዊ ሕሸሻ ኣሎ ዲዩ? ን26 ዓመታት ንጸጋ ባሕሪ ብፍላይ ድማ ንካብ 70,000-90,000 መትሪክ ቶን ዓሳ ኣብ ዓመት ክሕፈሶ ዝኽእል ጽላት ብኣግባቡ ኣውፊሩ ንልምዓት ሃገርን ህዝብን ከውዕል ዝነበሮ መንግስቲ ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራኡ ዝሓሸሸ ስርዓት ኣይኮነን ዲዩ? ንመሬት ጂሆ ሒዙ ካብ ኣፍራይነት ባዶ ዝገበረ ስርዓት’ከ መንዩ? ከተማታት ሃገርና ኣብ ፍጹም ዕንወት ዘብጸሐን ህዝበን እንዳ ጓሕጎሐ ጎደናታተን መውዓሊ ኣኽላባትን ደማሙን ገይሩወን ዘሎ ስርዓት ሓሻሺ ኣየብሎን ዲዩ? እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ። ሓደ ኣገዳሲ ኣብነት ሕሸሻ ስርዓት ኤርትራ ግን ምጥቃስ ይከኣል።

ሕሸሻ ኣብ ቱሪዝም

ኣብ ዝቐረባ ጊዜ ማለት የካቲት 16 2017 ጀሽዋ ሃመር ዝባሃል ዳህሳሲ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ጀሽዋ ኣብ ትሕቲ “In Eritrea, a Diver’s Dreamscape” ዝብል ኣርእስቲ ኣገደስቲ ሓቅታት ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣቐሚጡ ኣሎ። ጀሽዋ ካብ ኣስመራ ናብ ደሴታት ዳህላክ ንምንቅስቓስ ብዘይካ’ቲ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝተዋህቦ ቪዛ ብፍቓድ ወረቐት (permission letter) ዝፍለጥ ካልእ ቪዛ ክሓትት ነይሩዎ። ፍቃድ ወረቐቱ ሒዙ ናብ ባጽዕ ካብኡ ድማ ናብ ዳህላክ ኣምሪሑ። ባጽዕ ዝዓነወትን ትሕዝንን ወደባዊት ከተማ ኮይና ከም ዝረኸባን ህዝባ ከማርር ከም ዝስማዕ’ውን ይገልጽ። ብዘይካ’ዚ ጎደናታት ባጽዕ ሰብ-ኣልቦ ኮይኑ ዝዘኽተመት ከተማ ከም ዝኾነት ይሕብር። ልክዕ ኢዩ እዚ ሓበሬታ’ዚ ንዓና ንኤርትራውያን ሓድሽ ዜና ኣይኮነን።

ሕሸሻ መንግስቲ ከም ኣብ ኩሉ ጽላታት ሃገርና ኣብ ቱሪዝም እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ጀሽዋ ኤርትራ ኣብ 2015 1,000 ባጻሕቲ ነይሮማ ይብል። ቱሪዝም ሃገርና ንምዕባይ ብደረጃ ሚኒስትሪ ዝቖመ መንግስታዊ ትካል ኣሎ። ሚኒስተር ኣስካሉ መንቆርዮስ ካኣ ትመርሖ። ኣብዚ እነሀልኩም ዝዓበየ መንግስታዊ ሕሸሻ! ቱሪዝም ኣፍራዪ ትካል ኢዩ። መቸስ ካብ 1,000 በጻሕቲ ክርከብ ዝኽእል ኣታዊ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብቲ ሚኒስትሪ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት (ካብ ሚኒስተር ጀሚርካ ማለት ኢዩ) ዝኽፈል ደሞዝ ድማ ብሕልና ኣወራርዱ። ካብ 1,000 በጻሕቲ ዝርከብ ናይ ደገ ሸርፊ ዳርጋ ዜሮ ማለት ኢዩ። ስለዚ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ሓሻሺ ሚኒስትሪ ኢዩ ክባሃል ይከኣል።

ስትራተጂ ስነ-ቁጠባ ሰፈርቲ ሓርጭ ኣብ ምሕያል ቱሪዝም ምምሃዝ ክልተ (2) ቪዛታት ኢዩ። (1ይ) ናብ ኤርትራ ዘእቱ ቪዛ (2ይ) ብሽም ወረቐት ፍቓድ ናብ ከተማታት ኤርትራ ዘእቱ ቪዛ ኢዩ። እቲ ፍልልይ ናይዞም ክልተ ቪዛታት ሓደ ኣብ ፓስፖርት ካልእ ካኣ ኣብ ወቐት ምዃኖም ጥራሕ ኢዩ። ንህዝብን ሃገርን ካኣ መንግስቲ ኣብ ምሕያል ቱሪዝም ይሰርሕ ከም ዘሎ ከይ ሓፈሩ ይምድሩን እናሳዕ ጸጋታት ቱሪዝም ሃገርና ብመስኮት ተለቪዥን ክሰብኩን ንርእዮምን። በዚ ድማ ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ኣፍራዪ ዘይኮነ ቱሪዝም የባኽኑን ይሕሺሹን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሚኒስተር ቱሪዝም እንታይ ትግበር? ምርጫ የብላን ምትግባር ፖሊሲ ስነ-ቁጠባ ሰፈርቲ ሓርጭ ጥራሕ ኢዩ።

መደምደምታ

ቁጠባ ሓርጭ ምስፋርን መሳርፍ ምስራፍን መንግስቲ ኤርትራ ንሃገርናን ህዝብናን ይሕምሶም ኣሎ። ክንዮ ሓርጭ ምስፋርን መሳርፍ ምስራፍን ብዘይፈልጡ መራሕቲ ሃገር ቁጠባ ሃገር ክምዕብልን ህዝቢ ክርህዎን ካኣ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሰፈርቲ ሓርጭ ብዙሕ ጊዜ ንዝተማሃሩን ንኽኢላታትን ከባጭዉን ከነኣእሱን ይስምዑ ኢዮም። ሓቆም ኢዮም። ምኽንያቱ ክኢላን ምሁርን ንዓታቶም ሓርጭ ምስፋርን መሳርፍ ምስራፍን ዝተለማመደ ጥራሕ ስለ ዝኾነ። ንምስፋር ሓርጭን ንምስራፍ መሳርፍን ዝወሃብ ትምህርቲ ካኣ የሎን። ይኹን እምበር ንሃገርን ህዝብን ፍጹም ዝሓሸሸ ስርዓት ንህዝቢ ብዛዕባ ምሕሻሽ ኣስተምህሮ ክህብ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ባይታ የብሉን።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!