ግብረ-ዋኒን ኣብ ዘይብሉ ቀረጽ ቴምብር ካብ ሰነዳት ክእከብ ይከኣል ዲዩ?

cropped-2121ብተወልደብርሃን ገብረ

መእተዊ

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ብኣዋጅ ቁ. 180/2017 ዝፍለጥ “ኣዋጅ ኣከፋፍላ ቀረጽ ቴምብር” ኣብ ናይ መጋቢት 15 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ ዘርጊሑ ኣሎ። መስከረም ዶት ነት ኩሉ ጊዜ ኣቓልቦና ንምስሓብ ኣፍርይ ኣቢሉ ስለ ዝዘርገሖ ምስጋና ይብጻሓዮ። ምኽንያቱ እንተ ኽንነቅፎ እንተ ክንእዶ መጀመርታ ከነንብቦን ክንርደኦን ስለ ዘሎና።

ኣብ ካለኦት ጽሑፋተይ ከም ዝገለጽኩዎ መንግስቲ ሕግታት (laws)፡ ኣዋጃት (declarations)፡ ውሳነታት (decrees)፡ ትእዛዛትን (orders) መምርሕታትን (directives) ከውጽእ ንቡር ኢዩ። ኣዋጃት ግብሪ ብሓፈሻ ካኣ ቀንዲ ምንጪ እቶት (revenue) መንግስቲ ስለ ዝኾኑ ብዘይ እቶት ካኣ መንግስቲ ብዝግባእ ክሰርሕ ስለ ዘይክእል ዝያዳ ኣገዳስነት ኣሎዎም። ቀረጽ ቴምብር ካብ ሰነዳት ሓደ ካብ ኣገደስቲ ምንጪ እቶት መንግስቲ ኢዩ። ቀረጽ ቴምብር ሰነዳት ማለት ካብ ሕጋዊ ሰነዳት ወይ ውዑላት ዝእከብ ግብሪ ወይ ቀረጽ ማለት ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ዓበይትን ተናቓነቅትን ቁጠባታት ምንቅስቃስ ግብረ-ዋኒን (transaction) ብዝላዓለ ደረጃ ይረአ። ብኡ መጠን ካኣ ሕጋዊ ሰነዳት ወይ ውዑላት ብቁጽርን ዓቐንን ዝተዓጻጸፉ ይኾኑ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ መንግስቲ እዞም ሰነዳትን ውዑላትን ተፈጻምነት ክህልዎም መታን ብዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ኣገልግሎት ይህብ። ስለዚ መንግስቲ ብቐዳምነት ንተዋዓዓልቲ ኣገልግሎት ስለ ዝህብ ዋጋ ኣገልግሎቱ ክረክብ ግድነት ኢዩ። ብኻላኣይ ደረጃ ካኣ መንግስቲ ኢዩ፡ ግብሪ ኣኪቡ ካልእ ወፍርታት ማለት ንትሕተ-ቅርጽታት ማይ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መንገድታት፡ ወዘተ ረፈን ዋኒን ስለ ዘሎዎ። ብዝኾነ ዝገርመኒ ነገር ስለ ዘሎ ኢየ። ነገሩ “ጭሕምን ጸሊእክን ሰብኣይን ደሊኽን” ኢዩ። ወፍሪ ጸሊእኩም ግብርን ደሊኹም ማለተይ ኢየ።

ግብረ-ዋኒን ኣብ ሃገርና የሎን

ግብሪ-ዋኒን (transaction) ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ምንቅስቃስ ወኒን ኣብ ዕዳጋ ማለት ኢዩ። ዕዳጋ ዝብል ቃል ቁሉዑን ዝረአን፡ ዘይቅሉዕን ዘይረአን ክኽውን ይኽእል። እቲ ቅሉዕ ወይ ዝረኣ ብዘይ ድፊኢት ሸያጣይን ዓዳጋይን ዝራኸቡሉ ቅሉዕ ባይታ ክኸውን እንከሎ እቲ ዘይረኣ ግን መብዛሕትኡ ጊዜ ብሰነዳትን ብቤት-ጽሕፈታት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝከናወን ኢዩ። ዕዳጋ ኣሕምልቲ፡ ዕዳጋ ከብቲ ወይ ጤለ-በጊዕ፡ ዕዳጋ ኣልባሳትን ካለኦትን ቅሉዓት ዕዳጋታት ኢዮም። ዕዳጋ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት (real estate) ብመንገዲ ናይ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት አጀንሲያ (real estate agent) ኢዩ ዝከናወን ናይ ዘይረኣ ዕዳጋ ኣብነት ካኣ ኢዩ። ኣብ ዓድና ግን ብደላሎ ኢዩ ዝከናወን። ናይ ደላሎ ሽግር ዳርጋ ሽግር ጸሊም ዕዳጋ ኢዩ። ብ1 ሚሊዮን ናቕፋ ዝተሸጠ ገዛ ኣብ ጠበቓ ከይዶም ብ500 ሲሕ ናቅፋ ውዑል ይፈራረሙ። መንግስቲ ድማ ካብ 1 ሚሊዮን ናቅፋ ዘይኮነስ ካብ 500 ሽሕ ናቅፋ ቀረጽ ቴንብር ካብዛ ሰነድ ሒዙ ይኸይድ። እቲ ካልእ ጸገም ሽያጣይ ክንደይ ከም ዝሸይጥ ዓዳጋይ ካኣ ክንደይ ከም ዝዕድግ ሓበሬታ የብሎምን። ስለዚ ተታሓሒዝካ ሸለው ኢዩ።

ንምዃኑ’ኸ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ክንደይ ገዛ ወይ ቀዋሚ ንብረት ኣብ መዓልቲ ይሽየጥ? ማለት ዕዳጋ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣሎ ዲዩ? እስከ በብሓደ ንርኣዮ፡-

  • ን25 ኣመታት መንበሪ ገዛውቲ ይኹን ዕዳጋታት ኣይተሰረሓን። ተሰሪሑ ዝባሃል እንተ ኾይኑ እተን ኩሉ ሰብ ዝፈልጠን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ – ሰምበል፡ ስፐይስ፡ ቁሸት፡ እንዳ-ጀርመን፡ ቃሓውታ፡ ማይ-ተመናይ ክኾና እንከሎዋ ኣብ ካለኦት ከተማታት ካኣ ምናልባት ውሑዳት ኣሎዋ። ስለዚ መንግስቲ ካብ ሰነዳት መሸጣ ገዛውቲ ክረኽቦ ዝኽእል ግብሪ ቴምብር ሰነድ የሎን ማለት ኢዩ።
  • ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ የሎን። ስለዚ ተለቃሕቲ የሎውን። ተለቃሓይን ኣለቃሓይን ባዕሉ መንግስቲ ኢዩ። ስለዚ ድማ ካብ ናይ ልቓሕ ሰነዳት ክእከብ ዝኽእል ግብሪ ቴምብር የሎን ማለት ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ካለኦት ናይ ባንክታት ኣገልግሎታት፡ ንኣብነት ለተር ኦፍ ክረዲት ካሎኦት ኣገልግሎታትን ዳርጋ የሎውን። በዚ ምኽንያት ሰነዳት ስለ ዘየሎዉ ግብሪ ቴምብር ምስኡ ሓቢሩ የሎን።
  • ክራይ መሬት (land lease) ዝባሃል የሎን። ንኣዋጅ ቁ. 178/2016-ግብሪ ካብ ኣታዊ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን ከይረሳዕኩም። እዚ ኣዋጅ’ዚ ብሽም “ግብሪ ኣታዊ ሕርሻን ገጠርን እንስሳ ዘቤትን” ይተኣወጅ’ምበር እቲ ሓቀኛ ትሕዝተኡስ ግብሪ ካብ ክራይ መሬት ኢዩ። እቲ ዝገርም ኣዋጅ መሬት ቁ. 58/94 ብወግዒ ከይተዘረዘ ኢዩ እዚ ኣዋጅ ቁ. 178/2016 ተኣውጁ። ስለዚ ሓረስቶት ኤርትራ ደጊም ተኻረይቲ መሬቶም ኢዮም። ኩሎም ሓረስቶት ኤርትራ ውዑል ክራይ መሬት ክፍርሙ ኣሎዎም ማለት ኢዩ። መቸስ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ውዑል ክፍርሙ ኣይኮኑን። ስለዚ ካብ ሰነዳት መሬት ዝርከብ ግብሪ ቴምብር እውን ኣይክህሉን ኢዩ።
  • ሰነዳት ክራይ ኣባይቲ – ካብ ሰነዳት ክራይ ኣባይቲ ግብሪ ቴምብር ኣኪብካ ክትመልኦ እትኽእል ካሳ ኣይኮነን ጁባ’ውን ኣሎ ክባሃል ዝከኣል ኣይመስለንን።
  • እቲ ዝርዝር ካብ ሰነዳት ክእከብ ዝኽእል ግብሪ ቴምብር ብዙሕ ኢዩ ግን ብደቀቕቲ ነገራት ከረብርበኩም ኣይደልን።

ግብሪ-ዋኒን ኣብ ዘይብሉ ሃገር ቀረጽ ቴምብር ካብ ሰነዳት ምእካብ ዝከኣል ኣይኮነን

ብደረጃ ሃገር ኢና ንዛረብ ዘሎና። ተናቃናቂ ቁጠባ (vibrant economy) ኣብ ዘይብሉ ሃገር ዓበይቲ ሰነዳት ግብረ-ዋኒን ክህልዉ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተ ሃለዉ እውን ብቁጽሪ ይኹኑ ብዓቀን ስማውያን ጥራሕ ኢዮም። ማለት ኣብ ግምት ኣትዩ ብኽንድ’ቲ ሽውሃት ግብሪ ከርዊ ዝኽእል ኣይኮነን። ህንጻዊ፡ ኢንዱስትሪያዊ፡ ሕርሻዊ፡ ቱሪዝማዊ፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ንግዳዊ፡ ፊናንሳዊ፡ መጓዓዝያውን መራኸብታትን ምንቅስቃስ እንተ ዝህሉ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ፍሩያት ሰነዳት ግብረ-ዋኒን ብዙሕ ቀረጽ ቴምብር ክእከብ ይኽእል ነይሩ። ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ካብ ሕጋዊ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሳዕሪሩ ህዝቢ ካኣ ግዳይ ናይዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ኮይኑ ጥራሕ ዘይኮነ ግዳይ ሽቅለት ኣልቦነት እውን ኢዩ።

ምኽሪ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ምርጫ የብልኩምን። ማዕጾ ንወፍሪ ኣብ ህንጻዊ፡ ኢንዱስትሪያዊ፡ ሕርሻዊ፡ ቱሪዝማዊ፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ንግዳዊ፡ መጓዓዝያውን መራኸብታትን ክፈትዎ’ሞ ሽዑ እቲ እትደልዩዎን እትናፍቅዎን ግብሪ መንግስቲ ክትረኽቡ። ካብዚ ኣዋጅ እዚ ግን ኣይኮነን ቆፎ ታስኪን’ውን ክትመልኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቀደምስ ካብ ሰነዳት ግብረ-ዋኒን ቀረጽ ምእካብ መዓስ ሸለል ኢልኩሞ።

ስለዚ ብኣዋጃት ዝመጽእ ለውጢ የሎን ብፖለቲካዊ ድሌትን ተበግሶን እምበር።

  • Teweldebirhan GEBRE
    You are really wise man . I appreciate u man. All points you indicated are factual and reasonable.