ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ መሬት፡ ቁጠባን መንበሪ ኣባይትን ኣይሰረሐን-ባይቶ ዞባ ማእከል

2121ብተወልደብርሃን ገብረ

ሀ) መእተዊ

ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብዕድመ ዝኣረጉ ይኹኑ ባይቶ ዞባታት ኣለዉ። ዝኣረጉ ማለተይ ምርጫታት ባይቶ ካብ ዘይግበር ነዊሕ ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ። ክንደየኖት ኢዮም ካብቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ሎሚ ብሂወት ዘለዉ ዝፍለጥ ነገር የሎን። ድምጺ እዞም ባይቶታት ክንደየናይ ተቐባልነት ኣሎዎ ካልእ ሕቶ ኾይኑ ለበዋታትን ምሕጽንታታትን ንዝምልከቶ ካብ ምሕላፍ ግን ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን ኢዮም። ከም ግቡእ ኣብ ዘዞበኦም ዝለዓሉ ሓገግትን ተቖጻጸርትን ኣካላት ኢዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ባይታ ክንዮ ሎበዋን ምሕጽንታን ዝኸይድ ስልጣን ይኹን ዓቕሚ (power) የብሎምን። ሰማዒ እንተ ተረኺቡ ዘሕልፍዎ ለባዋን ምሕጽንታን ግን ኣቃሊልካ ዝረኣ ኣይኮነን። ነቲ ዝሕልፍዎ ለበዋን ምሕጽንታን ሪኢኻ ብጉዳይ ህዝብን ናብርኡን ዘተሓሳስቦም ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን ኢዩ። ንሎሚ ባይቶ ዞባ ማእከል “ሓያል ቁጠባ፡ ብልዑል ኣፍራይነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብጥሪ 17 2017 ንዘቃንዖ መበል 16 ስሩዕ ኣኼቡኡ ንጸብጻብ ጋዜጠኛ ዓንዶም ግርማይ ብምዉካስ ኣወንታዊ ጎኑታቱ ከቕርበልኩም መሪጸ ኣለኹ።

ለ) ቀንዲ ባይቶ ዞባ ማእከል ዘልዓሎምን ኣርእስትታት

  1. ሕርሻዊ ናውትን ጉዳይ መሬትን፡- ባይቶ “መሬት ሕርሻ ኣብ እዋኑ ምሕራስ፡ ምዝራእን ምእካብ ምህርትን ምእንቲ ክከኣል፡ ንሕርሻዊ ንጥፈታት ዘገልግሉ ናውቲ ትራክተራት፡ ኮምፓይነራት፡ ምሩጽ ዘርኢ፡ ድኹዒን መድሃኒትን ኣብ እዋኑ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ ብዕቱብ” ከም ዝዘተየሉ ተገሊጹ። ንመለሳ “መሬት ኣብ ዝምልከት፡ ባይቶ ንሓዋሩ ውሑስ ምሕደራ መሬት ክተኣታቶ ዝካየድ ዘሎ ምድልዳል መሬት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ ተጠቀምቲ ብዝዓግብሉ መንገዲ ክፍጸም ተራ ምምሕዳራት ክዓዝዝን፡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ጠለብቲ ተሰሚዑ ኣብ እዋኑ ግቡእ ምላሽ ክወሃቦም” ካኣ ኣቦ ወምበር ባይቶ የዘኻኽር።

ቀንዲ ምሕጽንታ ባይቶ፡- ህዝቢ ዛጊት ብቐረብ ሕርሻዊ ኣገልግሎታትን ምድልዳል መሬትን ዕግበት ከም ዘይብሉን እዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከቶ ኣካል ጠመተ ተገይሩሉ ክፍታሕ ኢዩ።

  1. ቀረብ ዝስተ ጽሩይ ማይ ኣስመራን ከባቢኣን፡- ነዚ ጸገም ኣብ ዝምልከት ዋላ’ኳ ኣቦ ወምበር ባይቶ ብፖለቲካዊ ኣባሃሃላ ክጥዕም ተባሂሉ “ንነዊሕ እዋን ጸገም ኰይኑ ብምህላዉ፡ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ መንግስቲ ዓብዪ ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሓሉ” ከም ዘሎ እንተ ሓበረ “ዝጸንሐ ጸገም ቀረብ ነዳዲን ዋጋ ታሪፍ መጓዕዝያን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ማይ ኣብ ዝዕድላ ቦጣት ማይ ግቡእ ኣገልግሎት ንኽህባ ሓያል ቁጽጽርን ክትትልን ክገብር ከም ዝግባእ” ምትሕስሳቡ ግን ሽግር ቀረብ ማይ ኣስመራን ከባቢኣን ዓቢዪ ምዃኑ ኣይሓበኦን።
  2. መሬት ጢሳ፡- ካብቶም ባይቶ ብዕምቆት ዘቲሎም ዝተባሃሉ ጉዳያት ጉዳይ ጤሳ መሬት ኢዩ። ኣቶ ኣብራሃም ይብል “ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ብሰሪ መንበሪ ገዛ ሓዳርን ናብራን ኣብ ምምስራት ይጽገሙ ብምህላዎም ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደ፣ ጎኒ ጎኑ ቀረብ ናውቲ ህንጻን ፍቓድ መስርሒ ኣባይቲ ክዳሎ” ብስም ባይቶ ከም ዝጠለበ ናይቲ ሽግር ዕቤትን መፍትሒኡን ይሕብር።

ቀንዲ ምሕጽንታታት ባይቶ፡- ሽግር ጹሩይ ማይ ኣስመራን ከባቢኣን ፍታሕ ክናደየሉ በቲ ሓደ ጉዳይ ምድልዳል መሬትን እንተላይ ንኣፈታትሕኡ ብዝምልከት ካኣ በቲ ካልእ ፍታሕ ክግበር ኢዩ ዝጽዉዕ ዘሎ። ዕቱብነት እዚ ባይቶ ብፍላይ ንመሬት ኣብ ዝምከት፡ ጉዳይ መሬት ጉዳይ ፍርያምነት ስድራቤታት ምዃኑን ኣፈታትሕኡ ንዝምልከት ካኣ ጉዳይ ፍቓድ ዋኒን ኮንትራክተራት ክፍታሕ ኢዩ ዝጽዉዕ ዘሎ።

  1. ቀረብን ጠለብን ጸዓት፡- ባይቶ “ላምባ፡ ጋዝን ዕትሮን ኣብ’ዚ እዋን ሰሓቦ ጉተቶ ተሪፉ ብመንገዲ ምምሕዳራት ብብሎካት ተወዲቡ ይስርሓሉ ብምህላዉ ከምኡ ድማ፡ ኣብ ህዝቢ ብግቡእ ይባጻሕ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ዝተረፋ ዘይበጽሐን ስድራ ቤታታት ከም ዝበጽሐን ክግበር ዝያዳ ስራሕ” ይብል ኣሎ።
  2. ሸፈነ መስመራት ቴሌፎን፡- ባይቶ ዞባ ይብል “ብዙሓት ናይ ገዛ፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ህዝባውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት ናይ ጎደናታት ቴለፎናት፡ ሓንሳእ ምብልሻው ምስ ኣጋጠመን ጽገና ከይተገብረለን ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጸንሓ ጸገማት ይፍጠር ስለ ዘሎ፡ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ጕዳይ ኣቓልቦ ክህቦ” ከም ዘለዎ ይሕብር።

ቀንዲ ምሕጽንታታት ባይቶ፡- ባይቶ ብሓጺሩ ይብል ኣሎ ቀረብን ጠለብን ዘቤታዊ ጻዓትን ኣገልግሎታት ቴለፎናትን ዘይተመጣጠነ ምዃኑን ዝምልከቶም ኣካላት ፍታሕ ከናዲዩሉን ኢዩ ዝምሕጸን ዘሎ። ብዘይካ’ዚ ኣገልግሎት ክህባ ዝተተኽላ ናይ ጎደናታት ቴሌፎናት ብሰንኪ ብልሽትን ዋሕዲ ጽገናን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ይኾና ስለ ዘሎዋ ዝምልከቶም ኣቓልቦ ክገብርሉ ኢዩ ዝጽውዕ ዘሎ። ንዘቤታዊ ቀረብ ጸዓት ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ምሕጽንታውን ብተመሳሳሊ እቲ ኣገልግሎት ዝርገሐ ስለ ዘይብሉ ይተሓሰበሉ ባሃላይ ኢዩ።

  1. ንግዳዊ ንጥፈታት፡- ባይቶ “ዘይሕጋዊ ንግዲ ጠንቂ ናህሪ ዋጋታት ኮይኑ ብምህላዉ፡ ንምግትኡ ሕጋዊ ኣገባብ ንግዳዊ ንጥፈታት ክበራበር” ይምሕጸን። ኣስዒቡ ባይቶ ይብል “ፍቓድ ዋኒን ዘለወን ትካላት ዓይነት ዋኒናተን ክልውጣን ካብኡ ሓሊፈን ደው ክብላን ይርኣያ ኣለዋ።” ብምቕጻል “እዚ ተርእዮ ብዘይካ’ቲ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘስዕቦ ጽልዋ፡ ንኣታዊታት ግብሪ መንግስቲ’ውን ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝገብር መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረሉ” ባይቶ የዘኻኽር ኢዩ ዝብል ዘሎ።

ቀንዲ ምሕጽንታ ባይቶ፡- ብዘየገድስ እቲ ኣቀራርባ ባይቶ ኣብዚ ጉዳይ እቲ መልእኽቲ ቁጠባዊ ፖሊሲ መንግስቲ ንብሕታውያን ትካላት ኣየተባብዕን ኢዩ ዝብል ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብዘይካ’ቲ ምርማስ ንግዳዊ ንጥፈታት ዞባ ይኹን ሃገራዊ መንግስቲ ካብ ግብሪ ኣታዊ የብሉን ኢዩ እቲ መልእኽቲ። ስለዚ ዞባ ይኹን መንግስቲ ብዓቢዪኡ ግብሪ ክእክብ ኣይክእልን። ስለ ዝኾነ ድማ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ክትግብር ኣይክእልን ይብለና’ሎ ባይቶ ምምሕዳር ዞባ ማእከል።

  1. ኮማዊ ፍርዳዊ ኣገልግሎት፡- ባይቶ ዞባ ማእከል ጎራሕን መስተውዓልን ኢዩ። ይብል ካኣ “ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ህዝቢ ገንዘቡን ጕልበቱን ከይሃለኸ ብቐረባኡ ጉዳያቱ ዘዕርፈሎም ትካላት ፍትሒ ኣቚሙ ክሰርሓሉ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ዝተተኽላ ህዝባውያን ኮማዊያን ኣብያተ ፍርዲ ብግዲአን ህዝቢ ብቐረባኡ ኣገልግሎት ከም ዝረክብ ኣብ ምግባር ተራአን ይጻወታ ኣለዋ።” እቲ ሕመረት ለበዋ ወይ ምሕጽንታ ባይቶ ግን ክንዮ ምውዳስ ኢዩ። “ይኹን’ምበር” ይብል ባይቶ “ይኹን’ምበር ኣብ ገለ ትካላት ፍትሒ፡ ብጉድለት ሓላፍነትን ሕጽረት ኣፍልጦን ደያኑ ዝሳቐያ ትካላት ብምህላወን ህዝቢ ቀጻሊ መረረታት ዘስምዓሉ ኰይኑ ብምህላዉ ዝምልከቶ ኣካል ግቡእ ክትትል ክገብር” ይጽዉዕ።

ሐ) ንመነባብሮ ህዝቢ ዝምልከቱ ኣገዳሲ ክትዕን ሓጋዚ ሪኢቶን

ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት፡-ብመሰረት ጸብጻብ ሽማግለ ቁጠባዊ ልምዓት ባይቶ “ምስ ምቕያር ሓድሽ ባጤራ ናቕፋ፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት መጠናዊ ርግኣት ፈጢሩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ግን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ዝነበሮ ብምምላሱ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ብምህላዉ ፍታሕ ዝጠልብ ከም ዝኾነ ገምጊሙ። ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ልምዓታዊ ንጥፈታትን ወሰኽ ደሞዝ ከቀላጥፎን ተጋባእቲ” ንመንግስቲ ከም ዝጸዉዑ እቲ ጸብጻቢ ጋዜጠኛ ይሕብር።

ሓጋዚ ሪኢቶ ኣብ ጉዳይ ናህሪ ዋጋታት፡- ብዘይካ’ቲ ንወፍሪ ብዝምልከት ከም ፍታሕ ኢሎም ኣባላት ባይቶ ዘቕረቡዎ “መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ልምዓታዊ ንጥፈታትን ወሰኽ ደሞዝ ከቀላጥፎንዝብል ኢዩ። ኮይኑ ግን ወሰኽ ደሞዝ ነቲ ሽግር የጋድዶ’ምበር ፍታሕ ኣይኮነን። ዋጋታት ዝውስኽ ዘሎ ከምቲ ባይቶ ዞባ ዝጠቐሶ እኹላት ቀረብ ሃለኽቲ ይኹኑ ዘይሃለኽቲ ነገራት ኣብ ዕዳጋ ስለ ዘየለዉ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ደሞዝ ምውሳኽ ኣብ ልዕሊ ዝነድድ ዘሎ ሓሰር ላምባ ምኽዓው ማለት ኢዩ። እቲ እዋናዊ ፍታሕ መንግስቲ ነቶም እዋናውያን ሃለኽቲ ባዕሉ ከእትዎም ኣለዎ ወይ ድማ ንኣምጻእቲ (importers) ዶላር ኣፍቂዱ ከም ዘእትዉ ምግባር ኢዩ። እዚ ናይ እዋን ሓደጋ መፍትሒ ኢዩ። ናይ ነዊሕ ዕላማ ግን ነቲ ተዓፊኑ ዘሎ ዕዳጋ ሃገርና ነጻ ምግባር ኢዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ፍታሕ የሎን። ኣሎ ዝብሉ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን መሲሓን ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ግን ኣይትእመንዎም።

ሓፈሻዊ ሓቅታት ካብ ኣኼባ ባይቶ ዞባ ማእከል

ቴማ ስሩዕ መበል 16 ኣኼባ ዞባ ማእከል “ሓያል ቁጠባ፡ ብልዑል ኣፍራይነት” ኢዩ ዝብል። እዚ ቴማ’ዚ ምስቲ ባይቶ ዞባ ማእከል ኣልዒሉዎ ዘሎ ነጥብታት ብምዝማድ ምስ እንርእዮ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ከመይ ዝበለ ቁልውላው ከም ዘሎ ምግማቱ ኣየጸግምን ዝብል እምነት ኣሎኒ። ባይቶ ካብ ዘልዓሎም ቀንዲ ዛዕባታት ደጊመ ንምልዓል፡-

  1. ናህሪ ዋጋታት ሃለኽት ንምግታእ መንግስቲ ዘተኣታተዎ ሓዱሽ ገንዘባዊ ፖሊሲ ከም ዘይሰረሐ
  2. ብሕታዊ ወፍሪ ይተባባዕ ከም ዘየሎን ብሰንኪ’ዚ ካኣ ህዝቢ ንናህሪ ዋጋታት ተቓሊዑ ምህላዉ
  3. ብሰንኪ ጉድለት ቀረብ ጥረ ነገራት ኣውፈርቲ ትካላቶም ይዓጽዉ ወይ ድማ ንግዲ ፍቓዶም ክቕይሩ ይግደዱ ምህላዎምን እዚ ኩነታት ንኣታውታት መንግስቲ ብኣሉታ ይጸልዎ ከም ዘሎ
  4. ሕጽረትን ሽግርን ንሕርሻዊ ማእቶት ዝሕግዙ ነገራት
  5. ብሰንኪ ጉጉይ ፖሊሲ መሬትን ምህናጽ ኣባይትን መንእሰያት ንነዊሕ ዓመታት ስድራ-ቤታት ኽምስርቱ ከም ዘይካኣሉ
  6. ሕጽረታት መንበሪ ኣባይቲ ንምግታእ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ከም ዘይሰረሐን ነዚ ሽግር መምበሪ ኣባይቲ ንምግታእ ፍቓድ ንውልቃውያን ኮንትራክተራት ክፍቀድ
  7. ህዝቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይረክብ ከም ዘየሎ። ንኣብነት ናይ ማይ፡ ጻዓት፡ መራኸብታን ፍርዳዊ ኣገልግሎታትን።

ስለዚ እዚ ባይቶ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ነቲ ሓቂ ይነግረና ኣሎ። ብተጋላብጦሽ እቶም ኣብ ሶፋታት ምዕራብ ኮፍ ኢሎም ንዘየሎ ኣሎ፡ ንዘሎ የሎን እንዳበሉ ንናይ ህዝቦም ኣደራዕን መከራን ዘባኣእሱ ዘሎዉ ክርደኦም ይግባእ። እዞም ቱልቱላታት ርእሲ ኣሎዎም ግን ሓምሓም ኢዩ። ማለት ዉሽጡ ባዶ ኢዩ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ መሬት፡ ቁጠባ፡ ኣባይቲ፡ ሕርሻን ካልእን ኣይሰረሐን ይብል ኣሎ። ክንዮ ለበዋን ምሕጽንታን ክገብርዎ ዝኽእሉ ስለ ዘየሎ ግን ካብ ድምጾም ምስማዕ ሓሊፎም እንታይ ይግበሩ? ለበዋኦምን ምሕጽንታታቶምን ናብ መንግስቲ ዝቐነዐ ምንባሩ ዝሕብረና ምምሕዳራት ዞባ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ከም ዘየሎ ኢዩ። ንሚኒስትሪታት’ውን ኣይኮኑን ለበዋታትን ምሕጽንታን ዝህቡ ዘሎዉ ምኽንያቱ ሚኒስትሪታት ክገብረኦ ዝኽእላ ነገር ከም ዘየሎ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም። ንመን’ዳኣ ኢዩ እዚ ለበዋታትን ምሕጽንታታትን? ክነግረኩም እንተ ደሊኹም ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኢዩ።

መደምደምታ

ባይቶ ዞባ ማእከል፡ ነቲ ፕረዚደንት ፖሊሲታትካ ኣብ መሬት፡ ኣብ ቁጠባ፡ ኣብ ኣባይትን ካልእን ኣየስራሓናን ንብሕጂ’ውን ከስራሓና ኣይኮነን ኢዮም ዝብልዎ ዘሎዉ። ን ኣብነት ኩባኒያታት ህንጻ ህግደፍ ንሽግር ኣባይቲ ፍታሕ ስለ ዘየምጻኣ ንብሕታውያን ናይ ህንጻ ትካላት ፍቓድ ይወሃብ ይብል ኣሎ። ይኹን እምበር መጥፊኢኡ ዝተበረሆ ፕረዚደንት ግን ንድሚጺ ህዝቡን ሽሞኛታቱን ምስ ዝኾነ ቁምነገር ክቖጽሮ ኣይደለየን። ፕረዚደንት ኢሳያስ ካብ መንግስቱ ሃይለማሪያም ክማሃር ይግበኦ ነይሩ። መንግስቱ ንኹሉ ምኽርን ማዕዳን ህዝቡን ሽማምንቱን ዕሺሽ ስለ ዝበለ ኣብ መወዳእታ ንበይኑ ስለ ዝተረፈ ብኸመይ ከም ዝጠፈአ ብቓላት ኣምባሳደር ተስፋየ ኣብዲ (28፡45) ኣብዚ ጠዊቑ ክሰምዕ ንመኽሮ። ብኻልእ መንገዲ ንፕረዚደንት ኢሳያስ እታ ዝዓበየት ጸላኢቱ ትዕቢት ንውድቀት ትቕድማ ከም ዝባሃል ትዕቢት ኢያ። ሎሚ ነቶም ዉሑዳት ቱልቱላታት ናይ ዲያስፖራ ገዲፍና ነዚ ፕረዚደንት ዝድግፍ ባዓል ስልጣን ይኹን ካልእ ከም ዘየሎ እቶም ንሱ ዝኣምኖም ሰበ-ስልጣናቱ ኣብ ባራት ኮይኖም ይነግሩና ኣለዉ።

በዚ ኾነ በቲ ግን ባይቶ ዞባ ማእከል ክምጎስ ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ክባሃል ዘሎዎ ኩሉ ኢሉዎ ኣሎ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!