Skip to content

Recent Articles

27
Feb

Eritrea: Land Lease or Farm Income Tax?

asmarahutBy Teweldeberhan Gebre

Background

On 2 December 2016, the Government of Eritrea (GoE) issued a proclamation, Proclamation No. 178/2016 on farm income and livestock taxation (ግብሪ ካብ ኣታዊ ሕርሻ ገጠርን እንስሳ ዘቤትን), that replaced Proclamation No. 63/1994. The proclamation has entered into force from 1 December 2016. Issuing numerous legal notices, decrees, orders, and proclamations are things national and subnational authorities can do to manage their affairs when they are in government.

Read more »

27
Feb

Eritrea Needs New Tax System

“To boost government tax revenue and smoothly implement the financial sector reform, the GoE needs to introduce a tax system on bank payments, transfers, financial transactions, and bank withdrawals.”

asmarahutBy Teweldeberhan Gebre

Introduction

Recently, the Government of Eritrea (GoE) has issued Proclamation No. 178/2016 to collect tax from farm income and livestock. The author of this piece contends the title and the provisions of this new proclamation because (1) contrary to the title of Proclamation No. 178/2016 to ‘collect tax from farm income…’ its provisions under Article 4(1 and 2) introduces ‘land lease tax system’, and (2) not only that but also Article 4(1 and 2) of Proclamation No. 178/2016 violates Article 4(1) of the Land Proclamation No. 58/94 -to reform the system of land tenure, which provides Eritrean citizens usufruct rights over lands with no mentions to leasing (click here to see my contention).

Read more »

25
Feb

ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ መሬት፡ ቁጠባን መንበሪ ኣባይትን ኣይሰረሐን-ባይቶ ዞባ ማእከል

2121ብተወልደብርሃን ገብረ

ሀ) መእተዊ

ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብዕድመ ዝኣረጉ ይኹኑ ባይቶ ዞባታት ኣለዉ። ዝኣረጉ ማለተይ ምርጫታት ባይቶ ካብ ዘይግበር ነዊሕ ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ። ክንደየኖት ኢዮም ካብቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ ሎሚ ብሂወት ዘለዉ ዝፍለጥ ነገር የሎን። ድምጺ እዞም ባይቶታት ክንደየናይ ተቐባልነት ኣሎዎ ካልእ ሕቶ ኾይኑ ለበዋታትን ምሕጽንታታትን ንዝምልከቶ ካብ ምሕላፍ ግን ዓዲ ዊዒሎም ኣይፈልጡን ኢዮም። ከም ግቡእ ኣብ ዘዞበኦም ዝለዓሉ ሓገግትን ተቖጻጸርትን ኣካላት ኢዮም። ኮይኑ ግን ኣብ ባይታ ክንዮ ሎበዋን ምሕጽንታን ዝኸይድ ስልጣን ይኹን ዓቕሚ (power) የብሎምን። ሰማዒ እንተ ተረኺቡ ዘሕልፍዎ ለባዋን ምሕጽንታን ግን ኣቃሊልካ ዝረኣ ኣይኮነን። ነቲ ዝሕልፍዎ ለበዋን ምሕጽንታን ሪኢኻ ብጉዳይ ህዝብን ናብርኡን ዘተሓሳስቦም ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን ኢዩ። ንሎሚ ባይቶ ዞባ ማእከል “ሓያል ቁጠባ፡ ብልዑል ኣፍራይነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብጥሪ 17 2017 ንዘቃንዖ መበል 16 ስሩዕ ኣኼቡኡ ንጸብጻብ ጋዜጠኛ ዓንዶም ግርማይ ብምዉካስ ኣወንታዊ ጎኑታቱ ከቕርበልኩም መሪጸ ኣለኹ። Read more »

23
Feb

Notes of “Some Notes on Eritrea’s Economy”: A response to Dr. Fikreyesus

2121Teweldeberhan Gebre

On growth

In his recent article titled “Some Notes on Eritrea’s Economyposted by madote.com, Dr. Fikrejesus Amahazion tried to convince his readers that there is a functioning economy in Eritrea. In doing so, he used gross domestic products (GDP) estimates and projections of the Global Economic Prospects of the World Bank Group report issued in January 2017. In his article he compares Eritrea’s real GDP growth estimates for 2016 with the averages of global/world GDP growth rate.  In his own words: Read more »

22
Feb

ተማሃሮ ስነ-ኪነት ፍሉይ ወተሃደራዊ ስልጣና ወሲዶም ምባል’ሲ ኣይገርምን’ዶ?

2121ብተወልደበርሃን ገብረ

ብ18 የካቲት ተማሃሮ ስነ-ኪነት ሃገርና ካብቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ዙሪያታት ሳዋ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ሰልጢኖም ከም ዝተመረቑ ኢሪ-ቲቪ ሓቢራ (ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዜና ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ)። እዞም ብፉሉይ ወትሃደራዊ ትምህርቲ ሰልጢኖም ዝባሃሉ ዘሎዉ መበል 30 ዙሪያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ሸውዓተ (7) ናይ ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ትካላት ዝመጹ ተማሃሮ ምዃኖም እቲ ዜና ይሕብር። “ብፍሉይ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ተመሪቖም እንታይ ማለት’ዩ?” – ንሲቪላዊ ስራሕ ብፉሉይ ሞያ ዘሰልጠንካዮም ደጊምካ ብፉሉይ ወተሃደራዊ ሞያ ምስልጣን ምናልባት’ዶ ንሓዋሩ ወተሃደራት ንምግባሮም ይኸውን? ኣይፈለጥኩን!! Read more »

20
Feb

ኢትዮጵያውያን በመጎስ ኣስገዶምና ኣብራሃም ዶቦጭ ምክንያት ኤርትራን ሳይከሱ ኣይቀሩም!

2121ተወልደበርሃን ገብረ

“ኣህያው ፈርታ ዱላውን” ይላሉ የኣማራ ሰዎች። ድስኩሩን በዩ-ትዩብ ለመስማት እዚጋ ተጫን። ጉዳዩ ስለ የካቲት 12 1929 የፋሽሽታዊው የጣልያን መንግስት ግፍ በኣዲስ ኣበባ ነው። ኣዎ እውነት ነው። ጣልይኖች ኣሰቃቂ እልቂት በኢትዮጵያውያን ላይ ፈጽመዋል። ከዛ በፊትም በኣይሮፕላን ጋዝ ተረጭቶባቸው ብዙዎች ኢትዮጵያውያን ወገኖች በጣልያን ወራሪ ሀይል ኣልቀዋል። ነፍሳቸው ይማር። የኣዲስ ኣበባ ጭፍጨፋ ሊዩ የሚያደርገው ግን መነሻው በትውልድ ኤርትራውያን የሆኑ ሞጎስ ኣስገዶምና ኣብራሃም ዶቦጭ በጣሊያን ሽማምንቶች ባርከፈከፉት የቦምብ ጥቃት ለእልቂቱ መነሻ በመሆኑ ብቻ ነው። በኤርትራ ኣንድ ኣባባል ኣለ፡- “ጉይይ ካብ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ”። በኣማርኛ ሲተረጎም “ቀኑን ሙሉ ከመሮጥ ዋናውን መንገድ መዝጋት” ተብሎ ሊተረጎም ይችላል። ሞጎስና ኣብራሃም ከዛ ውጭ ያሰቡ ኣይመስለኝም። ምኽንያቱም በወቅቱ ኢትዮጵያ በጣሊያን ቅኝ ግዛት ወድቃለች። ሞጎስና ኣብራሃም የፈጸሙት ጣሊያንን ለማዳከም መሪዎችዋን ማሸበርና መጨረስ የግድ ይሆናል ከሚል ሀሳብ የመነጨ ሊሆን እንደ ምችል ጤናማ ኣእምሮ ያለው ሰው የሚያስበው ይመስለኛል። Read more »

18
Feb

ኣብ ኤርትራስ ዝሕሸሽ ካኣ ተረኺቡ?

2121ብተወልደበርሃን ገብረ

መእተዊ

መራሒ ሃገረ ኤርትራ ንህዝብን መንእሰያትን ብሓሻሽነት ክኸሰስ ሰሚዕና ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ መንእሰያቱ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዝበልዕዎ እንዳ ተጸገሙ ብምሕሻሽ ክኽሰሱ ዓገብ ዘብል ኢዩ። ንምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ባዕሉ ክሕሽሽ እንተ ዘየላጊሱ መንእሰያት ክሕሺሹ ኣበይ ኢዩ ሪእዩዎም? Read more »

17
Feb

መንግስቲ ኤርትራን ሕጋውነቱን-መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 16

2121ብቀለታ ኪዳነ (ኣወሃሃድን ኣቕራብን)

(ብኦዲዮ ንምስማዕ ኣብዚ ጽቐጥ)

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1993 ብመሰረት ካብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተረከቦ ስልጣን ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ክሳብ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ምስግጋር ዝግበር ነቲ ሽዑ ዝቖመ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ  ተጋዳላይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዋና ጻሓፊ ሕግሓኤ ግዚያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ክመርሖ ኢዩ ተመዚዙ። ነቲ ጉዳይ ምምራጽ ፕረዚደንት ቀዳማይ ዕማሙ ገይሩ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኤርትራ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብስቱር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከኣ ካብ 104 ድምጽታት 99 ድምጺ ብምርካብዩ ጊዜዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ዝተመርጸ። Read more »

14
Feb

መንግስቲ ትሕተ-ቅርጽታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሃኒጸ ይብል! ሓቂ’ዲዩ?

2121ብተወልደብርሃን ገብረ

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2017 ቃለ-መጠይቕ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ከም ዝሓለፉ ቃለ-መጠይቓት ሓንሳብ ዳሓን ዝኾነ ትሕተ-ቅርጽታት ኣንጺፍና ኣሎና ። ኣብ ካልእ ጊዜ ካኣ ዋላ ሓንቲ ዝተሰርሐ ነገር የለን ወይ ዝተሰርሔ ዓኒዩ  ዝብሉ ንሓድ ሕዶም ዝገራጨዉ መልእኽትታት ንህዝቢ ከመሓላልፍ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ናይ ክቡር ፕረዚደንት መልእኽቲ ህዝቢ ይኹን ውልቀ-ሰባት በብመንገዶም ዝተፈላለየ ትጉም ክህብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ከም ዝባሃል “ኣንባባይ ነዘንብቦ ይኹን ንዝባሃሎ ዝደለየ ትርጉም ናይ ምሃብ መሰል ኣለዎ”። ብወገነይ በዚ ኣባሃሃላ’ዚ ብዝተወሰነ ደረጃ  እሰማማዕ ኢየ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ግን ተራ ድርሰት ዘይኮነስ መልእኽቲ ሓደ መራሕ ሃገር ኢዩ። ዝገራጮ መልእኽቲ ንህዝቢ ምምሕላፍ ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተረኽቦ ጥራሕ ኣይኮነን። ኩሎም ፖለቲከኛታት ሃገርና ይኹኑ ካለኦት ሃገራት ዝኽሰስሉ ሕማቅ ባህሪ ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝሰራሕናዮ ነገር የለን ወይ “ኣይሰለጠናን” እንተ በለ ኣይተጋገየን። ጌጋ ዝኸውን ዘሎ ንሱ ነዚ ሓቂ’ዚ ከጋልጽ ከሎ  ማዕከናት ዜና ሃገርና ድማ ብተጋላብጦሽ ረሲዕካዮ እምበር ሃገርን ህዝብን ይለምዑ ኣለዉ ብምባል ንህዝቢ ሓቀኛ ዘይኮነ ሓበሬታ ይህባ ብምህላወን ኢዩ። Read more »

12
Feb

“ክኽእል ኣለዎ” ቃል ክቡር ፕረዚደንት- ብመን ብኸመይ መንገድን መዓስን?

2121ብተወልደበርሃን ገብረ

ቋንቋ ኣገዳስነት ኣለዎ። ሰባት ዝጥቀምሎም ቃላት ግብራውያንን ዘይግብራውያንን ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንምልላይ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክኸውን ኣለዎ” ግብራውያን ቃላት ኣይኮኑን። ንተግባሪኦም ካኣ ኣይምልከቱን ኢዮም። ብፍላይ ሓደ ሰብ ንኸተግብር ዝተመዘዘ እንተ ኾይኑ ነዞም ዝተጠቅሱ ሓረጋት ክጥቀም ኣይክእልን ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ይኹን ካለኦት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝጥቀምሉ ሓረጋት “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክኸውን ኣለዎ” ዝብሉ ኢዮም። እዘን ሓረጋት ንህዝቢ ኤርትራ ኣዚየን ካብ ዘሰልችዋ ሓረጋት ኢየን። ፈጺመን ክባሃላ ዘይብለን ቃላት ወይ ሓረጋት ግን ኣይኮናን። መዓስ ትብለን ምፍላጥ ግን የድሊ። ዝለዓላሉ ጊዜ እምበኣር ዝምልከቶም ኣካላት ወይ ሰበ-ስልጣን ኣብ ንሓድ ሕዶም ክጥቀምለን ይኽእሉ። እቲ ዝጥቀመለን ብዓል ስልጣን ኣብ መድረኽ ወጺኡ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ግን ክጥቀመለን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ ነቲ ባዕሉ ክሰርሖ ወይ ግትግብሮ ዘለዎ ንህዝቢ ክግዕር ግን ብዛዕባ ዝብሎ ዘሎ ኣይፈልጥን ኢዩ ማለት ኢዩ። “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ ሓደ ብዓል ስልጣን ንህዝቢ መደረ ምስ ዘስምዕ እቲ ህዝቢ ዝሓቶ ሕቶ ብመን? ዝብል ኢዩ። ወይ ንስኻ’ዶ ኣይኮንካን እትሰርሖ ወይ ትገብሮ? ዝብል ኢዩ። ስልጣን ሒዝካ ንኣብ ትሕቴኻ ዘሎዉ ሰበ-ስልጣን ኣብ ቤት ጽሕፈትካ ወይ ካልእ ጸዊዕካ “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክኸውን ኣለዎ” ክትብል ይካኣል ይኸውን። ካብዚ ወጻኢ እዘን ሓረጋት ትርጉም የብለንን። Read more »