ንስለ ድኻ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጭበጥ ቁጠባዊ ለውጢ ንበገስ

asmarahutተወልደብርሃን ገብረ

መእተዊ

ትዝ ይብለኒ። ኣብ መወዳእታ 2005 ኢዩ። ኣብ ሓደ ቤት መስተ ምስ ብዙሓት ብጾት ኮፍ ኢልና ከምቲ ልሙድ ኣስመራ ቢራ እንዳ ሰተና ንዕልለሉ ኣብ ዝነበርና ጊዜ ኢዩ። ሓደ ሰብ ንቓለ-ምልልስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣመልኪቱ ዝበሎ ኢዩ። እዚ ሰብ ኣብ ካልእ ጥርዚ ናይቲ ባር ንበይኑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ቃለ-ምልልስ ኩቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ዝጀመረሉ ሰራሕተኛ እቲ ቤት መስተ ነቲ ሙዚቃ ደው ብምባል ንኤሪ-ቲቪ ዓው ኣበለታ። ብኸምዚ ዝስዕብ ካኣ ተመላለሱ፡-

  • ተኣንጋዲ፡ ካብ ኮፍ ዝበሎ ተላዒሉ ኢዱ እንዳ ኣወሳወሰ ዓው ኢሉ “ሰሚዕናዮ ኢና እስከ ዕጸውልና። የግዳስ እቲ ሙዚቃ ቀጽልልና” ክብል ነታ ሰራሕተኛ ደርጓሓላ።
  • ኣእንጋዲት፡ ዘቅረበት ኢያ ትመስል “ኦይ ሓሳዊ ሕጂ’ዶ ኣይኮነን ንመጀርታ ዝፍኖ ዘሎ? ማዓስ ኢኻ ትሰምዖ? ብምባል መለሰትሉ።
  • ተኣንጋዲ፡ ተቐቢሉ “ትም በሊ ንብለኪ ጥራሕ ግበሪ” ድሕሪ ምባል የዕንቱ ንየማን ጸጋም እንዳ ጠመታ “ማዓስከ ዘይሰማዕናዮ እንታይ ሓዱሽ ነገር ኣለዎ…ናይ ቀደም ዝተመለኣ ኢንተርቬው ካሴት ኢዩ ዝተቐየረ ነገር የብሉን” ኢሉ ኮፍ በለ።

ድሕሪ’ዚ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበርና በቲ ቁምነገሩ እንዳ ተገረምና በቲ ዝኾነ ነገር ክንስሕቕ ተገደድና። ንሕናውን በቲ ምቁራጽ ሙዚቃን ምውሳኽ ድምጺ ኤሪ-ቲቪን ሕጉሳት ኣይነበርናን። የግዳስ ልቢ ኣዕቢና ዲና ወይ ፈሪሕና ቀዲምና ዕጸውልና ወይ እዚ ብጻይና ዝበሎ ሓቁ ኢዩ ዝብል ቃል ኣይወጻናን። ግን ካኣ ኩሉ ኣብቲ ቤት መስተ ዝነበረ ሰብ ምስ እዚ ብጻይ ብሓሳብ ዝተሰማምዐ ኢዩ ዝመስል ዝነበረ።

እዚ ዘጋጠመኒ ከም ኣብነት ይብሎ ኣለኹ እምበር እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንቓለ-ምልልስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ቁም ነገር ርእዩ ምክትታል ካብ ዝገድፎ ልዕሊ 15 ዓመታት ዘቑጸረ ኮይኑ ይስማዓኒ። ስለዚ ቃለ-ምልልስ ክቡር ፕረዚደንት ዕላማኡ ንገለ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ይምስጥ ይኸውን እምበር ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ትርጉም ካብ ዘይህልዎ ዓመታት ሓሊፎም ኢዮም። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ክንዮ ፈንጠዝያ “በለስ” ናይ ናብራኡ ጸገም ቁጠባዊ-ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ምኳኑ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ ህዝቢ ኢዩ። ድላይና ንበል ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፖለቲካውያን መራሕቱ ተስፋ ካብ ዝቖርጽ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ህዝቢ ከየዕገበ ብምርዓድ ጥራሕ ዝመርሕ መራሒ ካኣ ኣይኮነን ንህዝቢ ንገዛእ ርእሱ እንተኾነውን ናብራ ኣይኮነን ዝነብር።

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰውራታት ኤርትራ ክስለፍ እንከሎ ክንዮ ሓራ ኤርትራ ንዘመነ ሕረስ ሓረስታይ፣ ንገድ ነጋዳይን ተመሃር ተማህራይን ኣንቃዕሪሩ ይርእይ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ነቲ ዝተወሰነ ሓርጎጽጎጽ ግዲፍና መረሕቲ ሰውራታት ኤርትራውን እንተ ኾኑውን ነቲ ሰውራ መሪሖም ነጻነት ኤርትራ ክውን ንምግባር ኪኢሎም ኢዮም። ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዝገበሮ ታሪኽ ሎሚ እንሕበነሉ ታሪኽ ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምስላፍ ነቲ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ዝነበረ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ክዉን ኣብ ምግባር ዓቢዪ ተራ ዝተጻወተ ግንባር ኢዩ። ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመታት ነጻነት ኤርትራ ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ምዝራብ ይከኣል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ህዝባዊ ግንባር ዝፈጸሞ ጌጋታት ሓደን ክልተን ኢልካ ዝጽብጸብ ኣይኮነን። ታሪኽ እዚ ግምባር ግን ብዝሓለፉን ብዘለዉን ኤርትራውያን ዝተሃንጸ ብቀንዱ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ዝውነን ስለ ዝኾነ በዚ ዝወራዘ ዝኾነ ይኹን ኣካል ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምኳኑ ክርዳእ ዘለዎ። እዚ ንማንም ግልጺ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ነዚ ክቡር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንሻው ማለት ብደም ጀጋኑ ምውርዛይ ኢዩ።

ኣወንታዊ ጎድንታት መንግስቲ ኤርትራ

እቲ ሕጂ ንዛረበሉ ኣርእስቲ እምባኣር ጉዳይ ሕሰምን ድኽነትን ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ሓዳስ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ትምራሕን ትማሓደርን ዘላ ሃገር ኢያ። መንግስቲ ኤርትራ ካኣ ይባሃል። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስሙ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ስለ ዝተቀየረ ሓዱሽ መሪሕነት ኢዩ ኢልና ክንሓስብ ወይ ክንከራኸር ኣይንኽእልን ኢና። ምቕያር ስም ዓይነታዊ ስለ ዘይነበረ ሓዳስ ኤርትራ ንፍተዎ ንጽላኣዮ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ትምራሕ ዘላ ሃገር ኢያ። ህዝባዊ ግንባር ነጻ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ምምራሕ ዕዉት ኣይኮነን ኢልና ምክርኻር ግና ብብዙሕ መከራኸሪ ነጥብታት ምርግጋጽ ዝከኣል ይመስለኒ። ሓደ ካብኡ ቁጠባዊ ፖሊሲ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ሪኢዩዎ ዘይፈልጥ ድኽነትን ሕሰምን ኣቃሊዑዎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ድሕሪ 25 ዓመታት ምብሓት ስልጣንን ቁጠባን ሃገርና ህዝባዊ ግንባር ሎሚ ብዓቕሚ ደረጃውን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዘሎ ዘከራኽር ኣይኮነን። እዚ ኩነተ ትሑት-ዓቕሚ (low capacity) ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ዝበዝሐ ድኻ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዓቢዪ መስገደል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ብዙሓት ወገናት ካብዚ ብምብጋስ ይመስለኒ ህዝባዊ ግንባር ክእለ ኢዩ ዘለዎ እምበር ክጽገን ኣይክእልን ኢዩ ይብሉ። ብርእይቶይ እዚ ኣባሃሃላ እዚ ግብራዊ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣዕናዊውን ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንህዝባዊ ግንባር ብዝሓሸ ክትክእ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ሓይሊ ብዘይ ምህላዉ በቲ ሓደ ፈጺሙ ዝፈሸለ ሓይሊ ስለ ዘይኮነ ድማ በቲ ካልእ ንህዝባዊ ግንባር ንምትዕርራዩ ኩሉ ዜጋ ክደፍእ ይምረጽ። ብፍላይ እቲ ንህዝባዊ ግንባር ብናይ ደገ ደገፍ ንምእላይ ላዕልን ታሕትን ዝብል ኣካል ሳዕቤኑ ፈሊጡ ንጽገናዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ድፊኢት ብኣወንታ ክንቀሳቐስ ይግባእ። ብተመሳሳሊ እቶም ሃገር ትምዕብል ኣላ፣ ህዝቢ ኣብ ራህዋ ኢዩ ዘሎ፣ ዕድመ ንመንግስትናን መሪሕነቱን፣ ወዘተ-ተረፈ እና በሉ ዝዝምሩ ኣካላትውን እንተኾኑ ብማዕረ ኣዕናዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ፈሊጦም ንጉጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ንምእራም ዝከኣሎም ክገብሩን ነቲ ቅኑዕ መንገዱ ካኣ ክድግፉን ከተባብዑን ይግባእ። “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐት ጻሓይና” ዝዓይነቱ ብናይ “ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ እንከሎ እምኒ” ስነ-ሓሳብ ክንከይድ ዘመኑ ኣይኮነን።

ብወገነይ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ድኽመት ከም ዘለዎ ፈጺሙ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይኮነን። ከምቲ ንብዙሓት ዝርድኦም ፈጺሙ ዝደኸመ ሓይሊ ግን ኣይኮነን። ካብቲ ሓያል ጎኑ ንኣብነት ንምጥቃስ፦

  • መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝነበሮ ናይ ሓድነት ታሪኽ ክዕቅብ ኪኢሉ ኢዩ፡- ህዝቢ ኤርትራ ተራ ህዝባዊ ግንባር ኣብዚ ጉዳይ ኣናኢሱ ዝርእዮ ኣይመስለንን። ገለ ወገናት ህዝቢ ኤርትራ ድኹም ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኣንጻር እዚ ዝጭቁኖ ዘሎ መንግስቲ ክለዓል ኣይክእልን ኢዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ይኹን እምበር “ተጽግበኒ ቅጫ … ” ኢዩ ነገሩ።
  • መንግስቲ ኤርትራ ንባህላዊ ብዙሕነት ህዝብታት ኤርትራ ምስ ሓድነት ኣጣዓዒሙ ዝኸደን ዝኸይድ ዘሎን ኢዩ፡- ነዚ ንምርዳእ ንዘለውና ተወዲብና ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ሓይልታትን ከፋፋሊ ናይ ፖለቲካ መስመራቶምን ምግንዛብ ኣኻሊ ኢዩ። እዚ ተራ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መጻኢ እምነ-ኩርናዕ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኢዩ። ብዘየገድስ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ማለት ኢዩ።
  • መንግስቲ ኤርትራ መላኺ ስርዓት ኢዩ፡- ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ንሓደ ወገን ወይ ዓልየት ወይ እምነት ተኸተልቲ ብምግልጋልን ናይ ስልጣኑ ሓብሓብቲ ብምግባርን ንስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ሓይሊ ኣይክነን። መንግስቲ ኤርትራ ቅድም ቀዳድም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ምኳኑ ዝፈልጥን ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ሓይሊ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነቱ ዝመጾ ከምዘይፈቱ ዝፈልጥን ዝርዳእን ሓይሊ እውን ኢዩ።
  • መንግስቲ ኤርትራ ናብ ገጠር ዝጠመተ ፖሊሲ ኣለዎ፡- መንግስቲ ኤርትራ ዋላኳ ንኸተማታት ኤርትራ ዳርጋ ፈጺሙ ዘብረሰ ፖሊሲ ይሃልዎ እምበር ንገጠራት ኤርትራ ዝጠመተ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምሃቡ ግን ዝናኣድ ኢዩ። ዋላኳ ምስቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝባኸነ ጉልበት ዜጋታት ዝዳረግ ኣይኹን እምበር መንግስቲ መበገሲ ዝኸውን ትሕተ-ቅርጽታት ዓሚሙ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻን መራኸብታትን። ንኸተማታት ዕሽሽ ምባሉ ግን ምስቲ ምግባት ቁጠባን ንተቓውሞ ህዝቢ ካብ ምፍራሕን ዝብገስ ምኳኑ ናይ ዕዳጋ ሚስጢር ኢዩ።
  • መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን በቲ ሓደ ሓያል ናይ ምክልኻል ሰራዊት ድማ በቲ ካልእ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኢዩ፡- ብዘይካዚ መንግስቲ ሓያል ናይ ምክልካል ሰራዊት ዝፈጠረ ጥራሕ ዘይኮነ ተሓፋሪ ሰራዊት ክሃንጽ ዝኻኣለ ሓይሊውን ኢዩ። በዚ ድማ ንሕልሚ ኢትዮጵያውያን ዳግም ዘበርዓነ ሰራዊት ክምልምል ኪኢሉ ኢዩ። ንፕሮፖጋንዳ ኢትዮጵያውያንን መሻርኽቶምን ንጎኒ ገዲፍና ሰራዊትና ንጸላእቱ ዘባህርር ኣቃውማን ተወፋይነትን ከም ዘለዎ እቶም ጸላእቱ ከይተረፉ ኣይክሕድዎን ኢዮም። መጻእቲ መራሕቲ ኤርትራ ነዚ ሓይሊ’ዚ ንኽመርሑ ብቕዓት ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ኤርትራ ሃገርና ንሰራዊትና ክመርሕ ዘይክእል መራሒ ከተእንግድ ዝከኣል ኮይኑ ኣይስማዓንን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ብልጫታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓደ ሃገር ዝህልዎም ኣወንታዊ ተራ ማለት ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ መዳርግቲ የብሎምን። ነዝን ካልእን ምኽንያታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጊዜ’ዚ እንኮን ኣማራጺ ዘይብሉ ሓይሊን ክኸውን ዘኽእሎ ኢዩ። ንገለ ውሑዳት እዚ ተራታት መንግስቲ ኤርትራ ከም ቀሊል ይርእይዎ ይኾኑ። ግን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ቀንዲ ካብ ዝግደሰሎም ረቋሒታት ምኳኖም ፈጺምካ ዘይምዝንጋዕ ጽቡቕ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ድኽመታት መንግስቲ ኤርትራ

ይኹን እማበር መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ዘንጸፎ ኣገዳሲ ባይታ ወይ ብልጫ ንዕቤት ሃገርን ናብራ ህዝብን ኣይተጠቀመሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ፈራፊዑዎውን ኢዩ። መሰረታውያን ጸገማት ህዝባዊ ግንባር ብዙሓት ኢዮም። እዞም ጸገማት ዉሑዳት ነይሮም እንተ ዝኾኑ ብዙሕ ኣይመዛረበን። ብዙሓት ስለ ዝኾኑ ኣብቶም ብቐዳምነት ንህዝብናን ንሃገርናን ንሓደጋታት ከቃልዑ ዝጸንሑን ዘለዉን ኣድሂበ ክጠቅስ ክፍትን ኢየ።

መሰረታውያን ጸገማት/ድኽመታት ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ፦

  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ቁጠባዊ ፖሊሲ ጉጉይ ኢዩ፡- ፍጹም ጉጉይ ኢዩ ምኽንያቱ ሚኒስተር ፊናንስ ወይ ቁጠባ ዝመርሖ ዘይኮነስ ናይ ሰልፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ዝከታተል ዝመርሖ ኢዩ። ስለዚ ስርዓት ዘለዎ ቁጠባዊ ምሕደራ (economic governance) ኣብ ኤርትራ የለን ማለት ይከኣል ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ቁጠባ ኤርትራ ብስርዓተ-ሓበሬታ ዝተሰነየ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ስሩዕ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንምትግባር የጸግም። ኩሉ ቁጠባዊ ስርዓተ-ሓበሬታ ኤርትራ ካብዝን ካብትን ሓበሬታ ኣኪብካ ዝወሃብ እምበር ብስሩዕ ካብ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዝርከብ ኣይኮነን። ስሩዕ ስታቲስቲክስ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ብመንግስቲ ይኹን ብኣውፈርቲ ውጥን ኣውጺእካ ከተተግብር ኣይከኣልን ኢዩ።
  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ጸረ ብሕታዊ ወፍርን ብሕታዊ ስራሕን ኢዩ፡- ካብ ቀዳማይቲ ማዓልቲ ናጽነት ኤርትራ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ንብሕታውያን ትካላት ንግዲ ዘሳጎገን ዘሳጉግ ዘሎን መንግስቲ ኢዩ። ሎሚ ሃብቲ ሃገርና ዝኾኑ ኣውፈርትን ርእሰ-ማሎምን ፍቐዶ ኣፍሪቃ ተሳጒጉ ንረብሓ ካለኦት ይውዕል ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ሚስጥር ኢዩ። ብሰንኪ’ዚ ጉጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ህዝብና ኣደዳ ስደትን ውርደትን ኮይኑ ኣሎን ጸኒሑን ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰፍ ዘይብል ድኽነትውን ተሳጢ ሑ ኣሎ። ሃገርና ኣይኮነን’ዶ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ንሃገራውያን ኣውፈርቲውን ምችእቲ ኣይኮነትን።
  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምሕደራ ዓቅሚ-ሰብ ዝኽተሎ ፖሊሲ ጉጉይ ኢዩ፡- በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባውን ማሕበራውን ሕሰም ይሳቐ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ካብኔ ሚኒስተራት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ በዚ ጉዳይ ተኣሚኑ ምንባሩ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፈይ ገሊጸዮ ነይረ። ቀንዲ ምኽንያት እዚ ድሑርን ጉጉይን ምሕደራ ዓቅሚ-ሰብ ዜጋታት ኣብ ዝደልዩዎን ብሞዮኦምን ስለ ዘይሰርሑ በቲ ሓደ እቶም ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ ድማ ብዝግባእ ስለ ዘይዓጥቁን ስሩዕ ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለ ዘየለን በቲ ካልእ ንኣፍራይነት ሰራሕተኛታት ክሃስዮ ጸኒሑን ኣሎን ጥራሕ ዘይኮነ ብሰንኪ እዚ ጉጉይን ድሑሩን ምሕደራ ዓቅሚ-ሰብ ህዝብና ወትሩ ምስ ኣማረረ ኢዩ።
  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ህዝቢ ድምጺ ኣይሰምዕን ኢዩ፡- ብተዛማዲ ካብ ተሞኩረይ እቶም ኣብ ንኡስ ዞባን ካብኡ ንታሕትን ዘለዉ ምስቲ ህዝቢ ዝሓሸ ዝምድናን ምርድዳእን ኣለዎም ባሃላይ ኢየ። ይኹን እምበር እዞም ታሕተዎት ኣማሓደርትን ሓለፍትን ብዓቅሚ ድሩታትን ናይ ምውሳን ስልጣን ስለ ዘይብሎምን ዘይሩ ዘይሩ ህዝቢ ምስቓዩ ኣይተረፎን። ካብ ናይ ዞባ ኣማሓደርቲ ጀሚርካ ንላዕሊ ግን ኣብ ናሕድ-ሕዶም ስለ ዘይናበቡ ጉዳይ ህዝቢ ዳርጋ ሰማዒ የብሉን እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።
  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ንሰብ-ኣዊ መሰላት ከም ምግያጽ ኢዩ ዝርእዮ፡- በዚ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ብዘይ ኣገባብ ኣብ ቁጽጽር ዊዒሎምን ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነተ-ናብራ ይርከቡ ኣለዉን። ብዛዕበኦም ምህታትውን ዋላ ቤተ-ሰብ ኮይንካ ከም ሕንቃቐ ኢዩ ዝረኣ። ብዘይካ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ብስም ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ መከራውን ቀሊል ኣይኮነን። ንኣብነት እቲ ብሓሶት ዝተበገሰ ማዕቐብ ኤርትራ-ሶማሊያ ሕጂ ምስሉ ቀይሩ ማለት ግህሰት ሰብ-ኣዊ መሰላት ብዝብል ሽፋን ካብ ዝቅልቀል ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ንኤርትራውያን ጉዳይ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይውን ንካልኦት ዝምልከት ተገይሩ ኢዩ ዝረኣ። እዚ ብጣዕሚ ዘተሓሳስብን ዘፍርሕን ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንጉዳይና ተረዲኡና ድዩ ከይተረዳእና ንኻለኦት ኣሕሊፍና ንህቦም ኣሎና። ኣብ ክንዲ ብሓደ ድምጺ መንግስቲ ናብ ፍርዲ ከምጽኦም ድፊኢት ምግባር ወይ ትም ወይ ድማ ናብ ዘይምልከተና መጋባእያታት ንርከብ ኣሎና። ሕጂውን “ክምብል በለ ኣይተኻዓወን” ከም ዝባሃል ብሓደ ሸነኽ መንግስቲ ኤርትራ ንእሱራት ኤርትራውያን ናብ ሕጊ ከቕርቦም በቲ ካልእ ካኣ ሓፋሽ ህዝቢ ንመንግስቲ ኤርትራ ቀይሕ መብራህቲ ክሰደሉ ይግባእ። ጉዳይ ዜጋታትና ንዩኤን ይኹን ንዩኤሳት ዝምልከት ጉዳይ ዘይኮነስ ንዓና ንኤርትራውያን ዝምልከት ኢዩ።
  • ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ስሩዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ የብሉን፡- ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ክንዮ ስም ዝኸይድ ስልጣን የብሉን። ከም ኣብ ቁጠባ ወይ ፊናንስ ጉዳያት ወጻኢ ዝምእዘንን ዘማሓድርን ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ኢዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ መገሻታት ሚኒስተር ወጻኢ ኤርትራ ኣጃቢ ወይ ኣጀብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ክኾኑ ምስ ተዓዘብና ነይርና። ግን ኣይኮነን። እዚ ንባዕሉ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ሃገር ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዘይንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ኤርትራ ንብዙሕ ሓደጋታት ተቃሊዓ ጸኒሓን ኣላን። ርግጸኛ ኢየ ዝኾነ ዲፕሎማት ካብ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ (ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ) ክራኸብ ከም ዝመርጽ። ነዚ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ ዝገደስ ወጻእተኛ ኣሎ ማለት ዝከኣል ኣይኮነን።

በዞም ሊዒለ ዝጠቀስኩዎም መሰረታውያን ጸገማት ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ መንግስቲ ኤርትራ ዘይሰማምዑ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኣይሰኣኑን ዘይኮነስ ዘንጸርጽሩውን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ይርዳእ ኢየ። ገለ ሃገራውያን ኤርትራውያን ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ናይ ግዳም ጸላእትናን ተሓባበርቶምን ዝፈጠርዎ ሽግር ወይ ጸገም ኢዩ ዝብሉውን ኣለዉ። ብኣንጻሩ ካኣ ንኩሉ እዚ ዝተጠቅሰ ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ዝሕተት መንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ ዝብሉውን ክህልዉ ኢዮም። እዚ ይኹን እቲ ሃገራውያን ኤርትራውያን እንተላይ እቶም ንሃገርና ዝመርሑ ዘለዉ ብግልጺ ክንዛረበሉን መፍትሒ ከነናድየሉን ዘለና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ካብ ኣብ ጓል መንገዲ ኣቲና ዕንክሊል ናብ ዘብል ጉዳያት ነድህብ ኣብ ንድኻ ህዝብናን ሃገርናን ዘርብሕ ሓባራዊ ዘተ ብምጽማድ ነቲ ሃገር ዘማሓድር ዘሎ መንግስቲ ክንዮ መብጻዓታት ዝኸይድ ለውጢ ክገብር ድፊኢትን ሞራላዊ ድጋፍን ክንገብረሉ ዝሓሸ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ኣብዚ ኩላትና ክንፈልጦ ዝግባኣና ክልተ ተቓረንትን ንሓድ ሕዶም ፍጹም ተጋራጨውትን ሓይልታት ኣለዉና ኢዮም። ንሳቶም ካኣ፦

  • ብሸነኽ መንግስቲ ዘለዉ ሃገራውያን ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ ብዙሕ ጊዜ ከም ደገፍቲ መንንግስቲ ዝረኣዩ ኢዮም፡- ደገፍቲ መንግስቲ ንበሎም ሕሉፋት ሃገራውያን ብዘየገድስ ሃገራውያን ኤርትራውያን ኢዮም። ንህዝቦምን ንሃገሮምን ብዝመሰሎም ከገልግሉን ክሰርሑን ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ኢዩ። ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ነጻ ርእይቶ የብሎምን ምባል ግን ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። እንተ ደገፉውን ገበን ኣይኮነን። ይኹን እምበር ሰብ ካብ ንዘይፈልጦን ንዘይድግፎን ንዝፈልጦን ንዝድግፎን ክገንሕ ኢዩ እቲ ዝቐለለ። ፈታዊ ኮይንካ ትፈትዎ እንዳ ተጋገየ ትም እልካ ምርኣይ ፈታዊ ኣየብለካን ኢዩ። ፈታዊ ወይ ደጋፊ ኮይንካ ምጽፋዕ ኣየሰምብርን ኢዩ። ወየ ንጉስ ዳዊት፡- “ጻድቕ ብለውሃት ይውቃዓኒ ከምእዉን ይዘልፈኒ፡ እዚ ንዓይ ዘይቲ ርእሲ ኢዩ። ካብ ኩፉ ኣት ሰባት ግና ኩሉ ጊዜ ካብ ተግባሮም ክሕሎ ስለ ዝጽሊ ክብሪ ኣይክቕበልን ኢየ” ይብል -መዝ፡ 141፡5። ስለዚ እቶም ደገፍቲ ዝመስለኩም ነቲ እትድግፍዎ መንግስቲ ናይ ለውሃት መጽፋዕቲ ሃብዎ። ነቶም ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ግና ኩላትና ኣንጻሮም ዘይኮነ ኣንጻር ስነ-ሓሳቦም ደው ንበል። እቲ መንግስቲ ካኣ ናይ ለዋሃት መጽፋዕቲ ክጽፋዕን ነቲ መጽፋዕቲ ብኣወንታ ተቐቢሉ ከተግብር ካኣ ልብን ብልሃትን ይሃቦ።
  • ብሸነኽ ተቓወምቲ ዘለዉ ኤርትራውያን ሃገራውያን ኢዮም፡- ንመንግስቲ ኤርትራ ብምቁዋሞም ክሳብ ንኤርትራውነቶም ንምምንዛዕ ዝኸይድ ወስታታት ብቐንዱ ሕሉፍን ጥሩፍን ኣተሓሳሰባ ዘንቀሎ ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ብደምበ ተቓወምቲ ዘሎ ኣጠማምታ ንደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብልዎም ወገናት እውን ካብኡ ብዘይፍለ ጥሩፍ ኢዩ ክባሃል ይኽእል። ንመንግስቲ ምቁዋም ዝነበረን ዘሎን ኢዩ። ንመንግስቲ ንቃዎሞ ንስለ ምቁዋም ኣይኮነን። መንግስቲ ንህዝብን ሃገርን ኣየርብሕን ኢዩ ኣብ ንብሎም ነገራት እምበር ንፖለቲካዊ ረብሓ ጥራሕ ኣይኮነን።

እዞም ክልተ ደምበታት ዝውንንዎ ርእይቶታት ናይ ዉሑዳት ምኳኑ ምዝንጋዕ ግን ኣይግባእን። እቲ ዘሕዝን ግን ክልቲኡ ወገን ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ነቲ ብቑጠባዊ ሕሰም ዝጻቐ ዘሎ ህዝቢ ግዲ ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ። ናብ ተሞክሮ ፖለቲካ ኤርትራ ተመሊስና ምስ እንሪኢ እዚ ፖለቲካዊ ጥሩፍነት ኣብ መንጎ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ዝተራኣየ ኢዩ። ክሳብ ሕጂውን ዘሎ ይመስለኒ። ፖለቲካዊ ጥሩፍነት ዘሎን ዝነበረን ኢዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን ደም ዘፋሰሰ ስለ ዝነበረን ህዝብናውን ክሳብ ሕጂ ብምረት ዝዝክሮ ስለ ዝኾነ ናብኡ ገጽና እንተ ዘይከድና ይሓይሽ።

መደምደምታ

መንግስቲ ኤርትራ መብጻዓታት ብምድርዳር ንህዝቢ ኤርትራ ከወናውኖ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ነቲ ዘይትግበር መብጻዓ ህዝቢ ስለ ዝነቓሓሉ ገዲፍዎ ኢዩ። ምኽርን ማዕዳን እውን እቲ መንግስቲ ኣዚዩ ዝፍንፍነን ቃላት ኢየን። እሞ’ኸ? እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ተዳኺሙ ኢዩ። እቶም ኣብ ስደት ዘለኹም ዜጋታት ግን ብዘየወላውል መንገዲ ክትነግርዎ ይግባእ። ደገፍርና ለውጢ ብፍላይ ድማ ቁጠባዊ ለውጢ ምስ እትገብሩ ጥራሕ ኢዩ ክትብሉ ክትኽእሉ ኣለኩም።

ሎሚ ብቐዳምነት ዘገድሰና ህዝብናን ሃገርናን ብቑጠባ ማዕቢሎም ክቡር ናብራ ክነብሩ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ኣብ ሃገና ዘሎ መንግስቲ ዲሞክራስያዊ ኣይኮነን ንፖለቲካዊ ብዙሑነትውን ኣየተኣናግድን ኢዩ። ግን ቁጠባዊ ሂወት ህዝቢ ኣብ ሕማቅ ደረጃ እናሃለወ ኣብ ካላኣዊ ዝኾኑ ጉዳያት 24/7 ምክርኻር ንሂወት እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ከም ምጉሳይ ኢዩ ዝቑጸር። ሕቶ ሰብ-ኣዊ መሰላትን ጉዳይ ብዘይ ፍትሒ ዝተኣስሩ ዜጋታትን ንምምጓት ናይ ግድን ፖለቲካዊ ብዙሑነት ዝሓትት ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ጊዜን ኩነታትን ብተቓወምቲ ኮነ ብደገፍቲ ክላዓል ዝኽእልን ጉዳይ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ደገፍቲ መንግስቲ ኢና ባሃልቲ ወይውን ብድሕነት ሃገርና ንግደስ ኢና ባሃልቲ ንዘለኩም ጽልዋ ተጠቂምኩም ያዕ ምባል ክትክእሉ ኣለኩም።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!

  1 comment for “ንስለ ድኻ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ንዝጭበጥ ቁጠባዊ ለውጢ ንበገስ

  1. 17 Dec 2016 at 10:18 am

    Grm tntena.

    Like

Comments are closed.