Skip to content

February 4, 2017

መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 15 -ገምጋም ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳያስ

by asmaraonline

asmarahutኣዳላዊ ተወልደብርሃን ገብረ

ኣወሃሃድን  ኣንባብን ቀለታ ኪዳነ

ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ቀኒኹም?

ኣብዚ  ዝሓለፍናዮ  ወርሒ መወዳእታ ማለት ጥሪ 27ተን 28ተን  2017 ፕረሲደንት ኢሳያስ  ንዅነታት ሃገርን ህዝብን ኣመልኪቱ ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረ ዝዝከር ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት ርእይቶናን ጸብጻብናን ኣብ ዝሓለፈ መደብ ብጋህዲ ኣብ ስደት ቍ. 14 ከም ዝገለጽናዮ እውን ዘይርሳዕ ኢዩ። ብዛዕባቲ ኵነታት ምዝራብን ምጽሓፍን ስለዝመቀረና ዘይኮነ ከኣ ንዅነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝትንክፍ ንዅሉ ዜጋ ዝጸሉ ብምዃኑ ደጊምና ደጋጊምና ክንዛረበሉን  ምዓንጣኡ ከነውጽኦን ግቡእና ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ብዘይካቲ ንሕና ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገለጽናዮ ካብ ካልኦት ናይ ፖለቲካን ቍጠባን ምሁራት ዝረኸብናዮ ጸብጻብ ከነቕርብ ምዃንና ብዝኣቶናዮ መብጽዓ መሰረት ከኣ ንሎሚ ኣቶ ተወልደብርሃን ገብረ ኣመሓዳሪ መርበብ ሓበሬታ ኣስመራ ኦንላይን (asmara-online.com) ዝሰደደልና ጽሑፍ ንሰማዕትን ተኸታተልትን ከም ዘለዎ ነቕርብ። ኣብዚ ሎሚ ነቕርቦ ዘሎና መደብ ርእይቶ ወይ ሕቶ ዘለዎም ናብ ኣስመራ ኦንላይን ወይ ብመንገዲ መስከረም ነት ምስ ዝቐርበሉ ኣዳላዊ መደብ ባዕሉ ክምልሰሎም ቅሩብ ምዃኑ እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ።

ሰናይ ምክትታል

እሞኸ  ናይዚ ኵሉ ዝተገልጸ ጕድለታትስ መንዩ ትሓታቲ ክቡር ፕረሲደንትና?

ሕቶ ጋዜጠኛ፡ንቁጠባዊ ልምዓት ናይ 2017 ዝምልከት መደባት ልምዓት

ሓፈሻዊ መልሲ ፕረዚደንት፡ ቀዳምነታት 2017 ጸዓት፡ ማይ፡ መጓዝያ ትሕተ-ቅርጽን መራኸብታትን፡ ከምኡውን ኣገልግሎት ትምህርትን ጥዕናን ምዃኖም ብምጥቃስ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝራት ይርከብዎም፡-

) ጻዓት፡ንጻዓት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲፕረዚደንት ኢሳያስ ብሓፈሻ ኣገዳስነት ጻዓትን ሽግራት መመንጨዊ ሓይሊ ጻዓት ሕርጊጎን እንተላይ ድሩትነት እዚ ትካልን ግቡእ ክንክን ክግበረሉ ስለ ዘይጸንሐ ምማቱ ብምብራህ ኢዩ ዘረባኡ ዝቕጽል። ንመደባት ወፍሪ ኣብዚ ጽላት ኣብዚ ዓመት 200 ሜጋ ዋት ጻዓት ንምፍራይ ከም መደብ ተታሒዙ ምህላዉ የብርህ። ብዘይካዚ ብናኣሽቱ መርበባት ጽዓት እንተላይ ንኣሽቱ ተሓደስቲ (renewable) ግሪዳት ምስ ኣገዳስነቶም ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ካለኦት ከባብታትን ክዝርጋሕ ምዃኑ ይጠቅስ።

) ማይ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ቅድሚ መደባት መንግስቲ ኣብ ምኽዛን ማይ ምዝራቡ ብዛዕባ ጥቕሚ ማይን ኣገባብ ኣጠቓቐምኡን ኢዩ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ዝተኸዘነ ማይ ብግቡእ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ከምዘየሎ እውን ኣይሓበኦን። ብዘይካ’ዚ ከባቢ 250 ሚሊዮን ትርቢዒት ሜትሮ ማይ ከም ዝተኸዘነን ናብ 300 ሚሊዮን ትርቢዒት ሜትሮ ንምብራኹ ድማ ንኣብ ምህናጽ ዝርከብ ዲጋ ጋሕቴላይ ብምጥቃስ ዘረባኡ ይቕጽል።

) ትሕተቅርጺ መጓዝያ፡ ኣብዚ ፕረዚደንት ከም ቀዳምነታት ዝጠቐሶም መጓዝያ ኣየርን ባሕርን ኢዮም። ንድሩትነት መጓዝያ ኣየርን ባሕርን ብምዝርዛር ዛጊት መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከም ዘይሰረሐ ጠቒሱ ኣብ 2017 መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ንምምሕያሽ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ከም ዝስራሓሉ ድማ ይዛረብ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ካለኦት ቦታታት ንኣብነት ኣብ ተሰነይን ካልእን እውን ኣገዳስነት መዓርፎ ነፈርቲ ይትንትን። ንመጓዝያ ምድሪ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ዘለዉና ጽርግያታት ከም ዝዓነዉን ክሕደሱ ከም ዘለዎምን የብርህ። ንመራኸብታት ኣብ ዝምልከት ምስ ቻይናዊ ኩባንያታት ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዘሎ ብምጥቃስ ትግባረኦም ከም ዝጅመር ጠቂሱ መዓስን ብኸመይን ከም ዝጅመር ግን ኣይሓበረን።

) ትምህርትን ጥዕናን፡ ኣብዚውን ብኣገዳስነት ናይ ትምህርትን ናይ ጥዕናን ይዛረብ እሞ ብዝተገብሩ ወፍርታት ብዘይ ምዝናይ ክድፋኣሉ ምዃኑን ዝሓሸ ናይ ትምህርትን ጥዕናን ኣገልግሎታት ንምሃብ ከም ዝጻዓርን ገሊጹ።

ገምጋመይ፡

ቀዳምነታት ንጸዓት፡ ማይ፡ መጓዝያ ትሕተ-ቅርጺን መራኸብታትን እንተላይ ንትምህርትን ጥዕናን ምሃብ ዝጽላእ ወይ ዝጉሰ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ተሰሪሖምን ዓንዮምን ዝብሉ መግለጽታት ብማዕከናት ዜና ሃገርና’ውን እናሳዕ ተደጋጊሙ ዝግለጽ ሓቂ ኢዩ። መመንጨዊ ጻዓት ሕርጊጎ ኮነ ጽርጊያታት ከም ዝዓነወ’ውን ባዕሉ ሓቢሩ። እዚ ማለት ዝድለን ዝረኣን ቁጠባዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምሃቡ ይዓኑ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣገልግሎት ጽሩይ ዝሰተ ማይ እውን ከምኡ  ስኣን ንእሽቶ ጽገና ይዓኑ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑን ኣሎን። ዝተሰርሑ ዲጋታት ከምኡ ዝግባእ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘየለዉ ተነጊሩ። ቅድሚ ሕጂ ተሰሪሖም ዝግባእ ኣገልግሎት ዘይሃቡ ብሕጂ ዝስርሑ ትሕተ-ቅርጽታት ብኸመይ ኢዮም ኣገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ዘሻቕል ጉዳይ ኢዩ። ብትዕዝብተይ ትሕተ-ቅርጺ ንስራሕ’ሞ ንጥቕሞምን ንኣጠቓቕመኦምን ዝምልከት ንዓመታ ንሓስበሉ ብዝብል ንኽትኣምኖ ብዘጸግም ኣገባብ ዝኸይድ ዘሎ መደባት ልምዓት ኮይኑ ይስማዓኒ። ከምኡ እንተ ኾይኑ እቲ ብወፍሪ ልምዓት ዝልፍለፈሉ መንእሰያት ጅሆ ንምሓዝ እምበር ንልምዓት ኣይኮነን ማለት ኢዩ።

ብሓፈሻ ግን ኣሰራርሓ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቁጽጽር ፕረዚደንት ኢሳያስ ወጺኡ ከም ዘሎ ስዉር ኣይኮነን። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ መልስታቱ ብዙሕ ጊዜ ዘዘውትሮም “ክግበር ኣለዎ” ወይ “ክሕሰበሉ ዘለዎ ኢዩ” ዝብሉን ካልኦትን ኢዮም። እቶም ጸገማት ብዙሓት ኢዮም። ንምጥቃስ ዝኣክል፡- መደባትን ፕሮግራማትን ልምዓት ብዝግባእ ኣዳሊኻ ዕቱብ ምቁጽጻር ዘይትገብረሉ እንተ ኮይንካ ተሰሪሖም ኣገልግሎት ዘይህቡ እንተ ኮይኖምን ቀጻልነቶም ንምርግጋጽ ስርዓተ በጀት እንተ ዘይሃሊዩዎምን  ትርጉም ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺ ምትንታንን ምልፍላፍን እንታይ ፋይዳ ኢዩ ዘሎዎ።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ተራ ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ኤርትራ ዳርጋ የለን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንሚኒስትሪታት ተኪኤን ዝሰርሓ ትካላት ህግደፍ ንሚኒስተራት ተኪኦም ዝሰርሑ መዃንንቲ ህግደፍ ወይ መሳፍንቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢዮም። ስለዚ ስርዓተ-መንግስቲ ከምቲ ኣብ ወረቀት ዘሎ መዋቅር ዘይኮነስ ንመንግስታዊ መዋቅር ጎሲኻ ብሰልፊ ዝዕመም ዘሎ ኣካይዳ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ብድሆ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን እዚ ዘይንቡር ኣሰራርሓ እንተ ዘይተኣሊዩ ከኣ እዚ ክቡር ፕረዚደንት ዝብሎ ዘሎ ሽግራት ክፍታሕ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱውን ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ፍታሕ ናይዚ ሽግራት ዝግባእ ስልጣንን ሓላፍነትን ንሚኒስተራት ክወሃቦምን ግቡእ በጀት ክስላዓሎምን እንተ ዘይኪኢሉ ዝወፈረ ወፍሪ ይውፈር ዝተሃንጸ ትሕተ-ቅርጺ ይተሃነጽ ዝመጽእ ፍታሕ ወይ ራህዋ ከምዘየለ ብርግጸኝነት ምዝራብ ይከኣል።

ሕቶ ጋዜጠኛ፡ብዛዕባ ምርግጋእ ማክሮ-ቁጠባ 

ሓፈሻዊ መልሲ ፕረዚደንት፡ኣብዚ ሕቶ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ምህርትን ጽላታት ምህርትን ብዙሕ ትንተናታት ሂቡ። ቁጠባ ማለት ፍሪያት ማላት ምዃኑ የብርህ። ቁጠባ ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነ ምውህላል ማለት ከም ዝኾነ እውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብዘይካ’ዚ ሽምጠጣ ብዝተሓወሶ ብክልተ ኣሃዝ ወይ ድጅት ዓቢናዶ ካልእ ኣይንብል ኢና ክብል ኢዩ ዝዛረብ። ስለዚ መስፈርታት ቁጠባ ኣገደስቲ ከም ዘይኮኑ ኢዩ ዝዛረብ። ቁጠባዊ ዕቤት እንተ ዘይሃሊዩ ብዛዕባ ምውህላል ዝተጨነቀ ኢዩ ዝመስል። ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዙሕ ጊዜ ንሕቶ ጋዜጠኛታት መልሲ ኣብ ምሃብ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕቶታት ኣብ ምሕታት የድህብ ነይሩ።ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ድሕሪ 25 ዓመታት ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዘለናን ብኣሃዛት ክግለጽ ዝኽእል ዕቤት ንምምዝጋብ ብተኣማንነት ገሊጹ። ጸኒሑ ካኣ ብዛዕባ ዝዓነዉ ትሕተ-ቅርጽታት ብዘይ ሕፍረት ይዛረብ።

ገምጋመይ፡

ቁጠባ ኤርትራ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ናብ ደልሃመት ይኣቱ ከም ዘሎ ሓላፍ መንገዲ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ቁጠባ ሃገር ካብ ዜሮ ሓሊፉ ትሕቲ ዘሮ እናኸደ ብዛዕባ ምቑጣብ ምጭናቕ ምስ ምንታይ ክትርጎም ከም ዝኽእል ንሰማዕቲ እገድፎ።እወ ሓደ ቁጠባ ብዝተፈላለዩ ጽላታት ዝቖመ ኢዩ። እወ ምህርትን ውህለላን ሓቢሮም ዝኸዱ ባእታታት ቁጠባ ኢዮም። ሕቶ ቁጠባዊ ምርግጋእ ግን ክንዮ ምህርትን ምቑጣብን ኢዩ። ነዚ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ኣይተዋሃቦን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ሕቶ ዝተረደኦ’ውን ኣይመስልን። ዋላዃ ዝተሓቶ ጉዳይ ምርግጋእ ማክሮ-ቁጠባ እንተነበረ ዝበዝሕ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ጉዳይ ሕርሻ ኢዩ። ምርግጋእ ማክሮ-ቁጠባ ብኸምቲ  ፕረዚደንት ዝገለጾ ዘይኮነስ ንግዳማዊ ተቓላዓነት ብምጉዳል ወይ ብምትሓት ቐጻልነት ዘለዎ ቁጠባዊ ዕቤት ምርግጋጽን ማለት ኢዩ ነይሩ። ዘይርጉእ ማክሮ-ቁጠባ ናህሪ ዋጋታት ብምዝንባዕ ንናብራ ህዝቢ ዝሃስን ንኣውፈርቲ ዘባህርርን ተርእዮ ዝኽሰተሉ ማለት’ውን ኢዩ። ዝቕባበ ንምቁጽጻር ዕቱብ ማክሮ-ፖሊሲን ትግባረታትን ይሓትት። ዝቕባበ እንተ ዘይተ ቆጻጺርካ ካኣ ዜጋታት ንዓመታት ዘዋህለልዎ ብሰንኪ ዝቕባበ ተባሕጕጉ ይጠፍእ። ስለዚ እቲ ሕቶ ኣይተመለሰን።

ካልእ መንግስቲ ንጹርን ስኑድን መደብ ቁጠባዊ ሕውየት ዘለዎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ንጹርን ስኑድን መደብ ነይሩ እንተ ዝኸውን ርግጸኛ ኢየ ኣብ ክንዲ ናብ ትንተናንታት ኣብቶም ወጺኦም ዘለዉ መደባት ሓደ ብሓደ ምምላስ ይከኣል ነይሩ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀዳማይ ማዓልቲ ነጻነቱ ኣትሒዙ መንግስቲ ብመደብ ይኸይድ ከም ዘየሎ ክዛረብን ክሕብርን ጸኒሑን ኣሎን ኢዩ። መደብ እንተ ዝህሉ ንኣብነት ሕርሻ ብ10%፡ ኢንዱስትሪ ብ5%፡ ህንጻ ብ8%፡ ቱሪዝም ብ10%፡ ኣገልግሎታት ብ12% ብምባል ንመልስታት ምሕጻር ይከኣል ነይሩ። ኣብ ሕርሻ ብዙሕ ተዘሪቡ ግን ዝጭበጥ ኣይኮነን። ሕርሻ ኣልዒልና ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ካለኦት ጽላታት ከም ኢንዱስትሪ፡ ህንጻ፡ ቱሪዝምን ኣገልግሎታትን ንመዛረቢ ዝኸውን ባይታ የልቦን። ምኽንያቱ ን25 ዓመታት ዝዓነወ ጽላታት ሎሚ ብመስኮት ተለቪዚዮን ብምቕልቃል ኣብ ሓደ ወይ ኣብ ክልተ ዓመት ክትጽግኖ ዝከኣል ስለ ዘይኮነ።

ብኣጠቓላሊ ንብሕታዊ ጽላት ከም ቁሪ ዝፈርሕ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ጽላታት ለውጢ ከምጽእ ማለት ዘበት ኢዩ። ስለዚ ዝመጽእ ዓመት ተኣምራት ክንሰርሕ ኢና ብዘምስል መደምደምታ ክቡር ፕረዚደንት ንዓመታ የራኽበና’ሞ እቲ ትኣምራት ዝባሃል ዘሎ ብሓደ ኮይና ክንግምግሞ። ክንዮ’ዚ ግን መንግስቲ ኤርትራ  ዘይምልከቶምን ዘይ-ወግዓውያንን ቅርጽታት ኣወጊዱ መንግስታዊ መዋቕር ብዕቱብ ክሰርሓሉ ኣለዎ።

ሕቶ ጋዜጠኛ፡መወከሲታትወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ምሕያል ናይ ስራሕ ዲሲፕሊንን ኣፍራይነትን

ሓፈሻዊ መልሲ ፕረዚደንት፡ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከም ኣብ ቀዳሞትኣርእስትታት ብትንተናታት ዝተጎበአ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍርቁ’ኳ እንተ ዘይተጸልአ ነቲ ሕቶ ዝምልስ ግን ኣይኮነን። ብቐንዱ ግን መልሲ ክቡር ፕረዚደንት ምድኑጓይ ምኽፋል ሓዱሽ ደሞዝ ምስ ምድንጓይ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ዝተታሓሓዘ ምኳኑ ኢዩ ዘብርህ። መዓዝ እዚ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ይውዳእ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘየሎ ሓቢሩ። ደሞዝ ንምስላዕ ብቐንዱ ብዙሓት ረቋሒታት ከም ዝሓትትን ምስ መነባብሮን ብፍርያምነትን ተራኢዩ ዝስላዕ ምኳኑ ብምብራህ ናብ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሽግር ምብራህ ኢዩ ሰጊሩ። እቲ ሽግር ዓቢዪ ምኳኑ ጠቒሱ ንምፍትሑ ግን ዋላ ሓንቲ መልሲ ከይሃበ ኢዩ ዝሓልፎ ክቡር ፕረዚደንት። ብዛዕባ ኣፍራይነትን ዲሲፕሊንን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፕረዚደንት ብዛዕባቶም ኣብ ጽርጊያታት ዝውዕሉን ዝሕሽሹን ዉሑዳት መንእሰያት ዝሃቦ መብርሂ እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ ፍርያምነት ሰራሕተኛታት ዝሃቦ መልሲ ኣይነበረን።

ገምጋመይ፡

ምስላዕ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምስ ኣፍራይነት ኣተሓሒዙ ምግላጹ ቁኑዕ ኢዩ። ይኹን እምበር ድምር ፍርያምነት ሃገርና ንድሕሪት ተመሊስና ብዓመታዊ እኩብ ምህርቲ (GDP) ምስ እንርኢ ካብቲ ዝዓብየሉ ዘይዓብየሉ ዝበዝሐ ኢዩ። ስለዚ ፍርያምነት (productivity) ከም መለክዒ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ኣብዚ ምምጽኡ ብዘይካ ንሃልኪ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ብዛዕባ ምድኑጓይ ምኽፋል ደሞዝ ብዘይካ’ቲ ምድኑጓይ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ዓቕሚ ይኹን ግብራውነት ስለ ዘይብሉ እምበር ምድኑጓይ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ጥራሕ ክኸውን ከም ዘይክእል ግን ዘተሓታትት ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ እቲ ዝዓበየ ስግኣት መሰረታውያን ቀረብ ኣብ ዘይብሉን ፍርያምነት ባይታ ኣብ ዝዘበጠሉ ብኽንድቲ ዝኣክል ናይ ደሞዝ ወሰኽ ምግባር ብዘይካ ምዕዳም ማክሮ-ቁጠባዊ ቁልውላው ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ምንዋሕ ምኽፋል ደሞዝ ምስ እዚ ሽግር’ዚ ዝተታሓሓዘ እምበር ምስ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ጥራሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ወሰኽ ደሞዝ ተሓሲብሉ ዘይኮነ ምስ ዓለማዊ ጸቕጢ ኣብ ጉዳይ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መፋኾሲ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ዝመጸ ኢዩ ነይሩ። እዚ ሕቶ’ዚ እምባኣር ምስቲ “ምርግጋእ ማክሮ-ቁጠባ” ዝብል ሊዒሉ ዝተሓተ ሕቶ ተኣሳሲሩ ክምለስ ዝነበሮን ግቡእ መልሲ ዘይተዋህቦን ኢዩ።

ብዛዕባ ኣፍራይነትን ዲሲፕሊንን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፕረዚደንት ንሰራሕተኛታትን ንኣስራሕትን ንወለድን ኢዩ ሓላፍነት ዘሰክም። ንዘየሎ ኣስራሕን ሃለዋት ደቆም ንዘይፈልጡ ወለድን ምኽሳስን መፍትሒ ናይ ዲሲፕሊንን ፍርያምነትን ኣይኮነን። እቶም ኣስራሕቲ ዝባሃሉ ዘለዉ  ትካላት መንግስቲ ጥራሕ ኢዮም።  ሓቂ ንምዝራብ ግን ትካላት መንግስቲ ኣለዉ ኢልካ ምዝራብ ኣብ ዘይከኣለሉ ህላወ ናይ ኣብ ትሕቲኦም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዲሲፕሊንን ፍርያምነትን ምዝራብ ቅድሚ ፈረስ ዓረቢያ ምቕዳም ኢዩ።  ንምድኑጓይ ምጽፋፍ ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተዋህበ መልሲ ሓደ ነገር ምግንዛብ ይከኣል። ንሱ ካኣ መንግስቲ ዓቕሚ ሰቡ ከም ዘይፈልጥን ብዝግባእ ይሕዝን የማሓድርን ከም ዘየሎን ከም ዘይነበረን ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ። መንግስቲ ኣይኮነን መን እንታይን ኣፍሪዩ ክፈልጥ መንን ኣበይን ኣሎ’ውን ዝፍለጥ ኣይኮነን። ስለዚ ሃገርና ብዓቕሚ ሰባ ትጣላዕ ምህላዋ እዚ ድማ ብሰንኪ ብኹረት ፖለቲካዊ ድሌት፡ ዝተዳኸሙ መንግስታዊ ትካላትን ዘይወግዓዊ ኣሰራርሓ መንግስትን ካብቶም ቀንዲ ማሕኖቖታት ኢዮም።  

ሕቶ ጋዜጠኛ፡ ምፍራይ ኪኢላዊ ዓቅሚ-ሰብን ኣፍራይነቶምን-ብመጠን ወፍሪ

መልሲ ፕረዚደንት፡ ነዚ ሕቶ ክምልስ እንከሎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብሓፈሻ እቶም ናይ ኮለጃት ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ኮለጅ ዝኣትዉ ዉሑድ ቁጽሪ ኮይኑ ነቶም ዕድል ዘይረኸቡ ብመንገዲ ተክኒካዊ ትምህርቲ በቲ ብማሞስ ዝፍለጥ ናይ ተክኒካዊ ስልጠና ትካል ሳዋ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኢዩ ዘብርህ። እዚ ናይ ትካል ማሞስ ዕላማኡ ከም ዘይ ሃረመ ካኣ ይዛረብ። ብዘይካ እቲ ነቲ ትካል ዘጋጠሞ ሕጽረት መሳለጥያታት ዝህቦ ሞያዊ ስልጠናታት ክማሓየሽ ከም ዘለዎ እውን ይጠቅስ። ብዘይካ ብኽልሰ ሓሳብ ብግብሪ ዝማሃርሉ ዓውድታት ክመሓየሽ ክኽእል ከም ዘለዎ ጠቂሱ ብቐንዱ ግን ዋላ’ኳ ዓው ኢሉ ክዛረበሉ እንተ ዘይደለየ ንዝሰልጠኑ መንእሰያት ከእንግድ ዝኽእል ቁጠባዊ ጽላት ከም ዘየሎን ክዓቢ ከም ዘለዎን ብኸፊል ከይተንከፎ  ኣይሓለፈን። ካልእ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ካኣ ግቡእ መልሲ ዘይተዋሃበሉ ግዳማዊ ሽርሕታት ንስደት መንእሰያት ኤርትራን ነዚ ንምክልኻል ዝወጸ መደብን ዝብል ኢዩ ነይሩ። መልሲ ፕረዚደንት ግን ድሕሪ’ቲ ሽርሕታት ግዳማዊ ሓይልታት ኢሉ ዝጠቀሶም ዝተለምዱ ናይ ሸንኮለል መልስታቱ ብዘስደምም መንገዲ ኣዴታት ንደቀን ናይ መደንዘዚ መንድሃኒት ኣውጊኤን ንኣሰጋገርቲ ከም ዝህበኦም ኢዩ ከይሓፈረ ዝዛረብ። ነቲ ነዚ ንምግታእ ዝወጸ መደብ ኣሎዶ ዝብል ሕቶ መልሱ ዕዮ ገዛና ካብ ምግባር ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና ብምባል ኢዩ ሓሊፉዎ። እንታይ ኢዩ እቲ ዕዮ ገዛ ግን ኣይገለጾን።

ገምጋመይ፡

ተክኒካዊ ስልጠናን ሞያዊ ትምህርትን ንዘሎን ንዝመጽእን ጠለብ ኪኢላዊ ዓቕሚ-ሰብ ተባሂሉ ዝወጽእ መደብ ኢዩ። ብዘይካዚ ሞያ ዘይብሉ ዜጋ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ቁርዑው ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ስለ ዘይህልዎ እዚ ወፍሪ’ዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ መስርሕ ቁጠባዊ ዕቤት ክሳተፍ እናኻኣለ ብሰንኪ ሞያ ዘይምህላው ትሑት መነባብሮ ክነብር ይግደድ። ስለዚ ወፍሪ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ብሃገርን ብውልቃዊ መዳያትን ምስ ዝረኣ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነቶም ዕድል ኮለጃት ዘይረኸቡ ዕድል ሞያዊ ትምህርቲ ምሃብ ዝምስገን’ኳ እንተ ኾነ ሞያዊ ስልጠና ምስ ዕዳጋ ሰራሕተኛታት (labour market) ምትሕሓዝ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ግን ዜሩ ዜሩ ምስ ብኽነት ዓቕሚ-ሰብ ዝምደብ ህላወ ኢዩ።

እዚ ማለት ኤርትራ ነቶም ኣብ ሞያዊ ትካላት ስልጠና ዘሰልጠነቶም መንእሰያት ባይታ ናይ ስራሕ ክሳብ ዘይፈጠረት ተሳታፍነት እዞም መንእሰያት ኣብ ቁጠባ ሃገር ይኹን ውልቃዊ ተጠቃምነት (private return) ዝባሃል ነገር የለን ማለት ኢዩ። ብቐንዱ ዓውድታት ስልጠናን ከምቲ ክቡር ፕረዚደንት ዝበሎ ኣዚዩ ጸቢብን ድሩትን ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ቁጠባ ኣዚዩ ጸቢብን (narrow) ዝርገሐ ዘይብሉን (undiversified) ስለ ዝኾነ እቲ ዝወሃብ ስልጠናታትውን ብኡ መጠን ድሩት ኽኸውን ናይ ግድን ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ  ፕረዚደንት ንመሽነሪታት ማለት ዶዞራት ንዝዝዉሩ ጥራሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ ኢዩ ተገዲዱ። ሕጂውን እቲ ጉዳይ ካልእ ዘይኮነ ሰልጢኖም እውን ከበርክትዎ ዝኽእሉ ነገር የለን። ልኽዕ ከምቲ ኣብ ጻዓት፡ ኣብ ማይ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጽርጊያታትን ካልእን ዝተረኣየ ብኽነት ኣብዚ ኣብ ዓቕሚ-ሰብ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኢዩ ዘጋጥም ዘሎ። ወፍሪ ብሕታዊ ትካላት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ነዞም ቀዳዳት እዚኦም ክትሓትም ኢልካ ምፍታን ግን ኣብዑር ጸሚድካ ዱግሪ ክትጸርብ ኮፍ ከም ምባል ኢዩ ዝቑጸር።

ካብ ኩሉ ዘስደምም ግን ውርደት ዘይስመዖ ሰብ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ይመስለኒ ኣዴታት ኤርትራ ንደቀን መደንዘዚ መድሃኒት ሂበን ንኣሰጋገርቲ ሰባት ናብ ኤሮጳ ንኸሰጋጉሩለን ከም ዝህበኦም ከይ ሓፈረ ምዝራቡ ኢዩ። ብእምነተይ ከምኡ ትገብር ኤርትራዊት ኣደ ኣላ ኢለ ኣይግምትን። እንተ ሃሊያ’ውን ምናልባት ሓንቲ ወይ ክልተ ጌረን ይኾና። ብኽንድቲ ዘዛርብ ክኸውን ግን ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን። ከም መራሒ ሃገር እሞ በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሕሱም መነባብሮ ዓቅለን ኣጽቢበን እግረን ናብ ዝመርሐን ዝረኸበ ይርከበና ኢለን ካብ ገዝአንን ስድረአንን ዝወጻ ኣዴታትን ኣሓትን ክንድዚ ዝኣክል ጸለመ ክውፈየለን ግን ዘስደምም ኢዩ። ግን ከኣ እንታይ’ሞ ሕሱር ማዕረ ነብሱ የሕስረካ ካብ ምባል ሓሊፉ እንታይ ክበሃል?

ሕቶ ጋዜጠኛ፡ጉዳይ ናህሪ ክራይ ኣባይትን ጭቡጣት መደባት 2017

ሓፈሻዊ መልሲ ፕረዚደንት፡ሽግር ኣባይቲ ኣብ መነባብሮን ህዝቢ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጢ ብምግላጽ ቅድሚ ሕጂ ዝተሰርሑ ዕዉታት ኣባይቲ ሰምበልን ባጽዕን ብምጥቃስ ኢዩ ጀሚሩዎ። ተጀሚሮም ዘይተወድኡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ንኽዛዘሙ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎን እቲ ቀንዲ ምስ እዚ ሕቶ ኣልዒሉ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ትሕተ ቅርጺ ከም ማይ፡ ረሳሕ ፈሳሲ መትሓላለፊ ፡ ኣገልግሎት ጻዓትን መንገድታትን ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ዝተፈተነ ፈተናታት ብዙሕ ከም ዘይሰለጠ ድሕሪ ምብራህ ብዛዕባ መደባት ምህናጽ ኣባይቲ ብሓፈሻ መደባት ዘይኮነስ ሰሪሕና ኢና ነሪኤኩም ብዘስምዕ ኢዩ እቲ ሓፈሻዊ መልእኽቲ ፕረዚደንት።

ገምጋመይ፡

ሽግር ኣባይቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝፍታሕ ሽግር ኣይኮነን። ኣባይቲ ብፍኑው መንገዲ ምስራሕውን ኣይኮነን ዝፍታሕ። መንግስቲ ብዘውጻኦ ሕንጻጽ ወይ ካርታ ብሕታውያን ኣውፈርቲ ገዛውቲ ሰሪሐን ክሸጣን ከካርያን ምስ ዝፍቀድ ጥራሕ ኢዩ። መንግስቲ ደድሕሪኣን እንዳ ኸደ ትሕተ-ቅርጺ ማይ፡ ረሳሕ-ፈሳሲ፡ ኣገልግሎት ጻዓትን መንገድታትን ክገብር ይኽእል። ካብዚ ወጻኢ መንግስቲውን ብዓቅሙ ኣባይቲ ክሰርሕ ይኽእል። ብፍላይ ንትሑት መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት እንተ ደለዮም ብኽራይ እንተ ዘይደልዮም ካኣ ኣብ 25 ወይ ትሕቲኡ ዝኽፈል ዉዑል ከተኣታቱ ተኽእሎታቱ ዓቢዪ ይኸውን። በዚ ዝባሃል ዘሎ ኣካይዳ እንተ ድኣ ቀጺሉ ግን ነዚ  ዘይጻዓት ህዝቢ ኤርትራ ንግዚኡ ጃላ ሒዝካ ሓተላ ታሪኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፋይዳ የብሉን። ብቐንዱ ግን ዝኾነ መደባት ንዘይብሉ መንግስቲ ጭቡጣት ወይ ኩርሙያት መደባት መንግስቲ ኣሎ’ዶ የለን ኢልካ ብተደጋጋሚ ምሕታት እቶም ነቲ ሕቶ ዘዳለዉ ወገናትውን ካብ ነቲ ፕረዚደንት ምቅላዕ ንላዕሊ መደብ ዘለዎም ኣይመስሉን ኢዮም። እቲ ፕረዚደንት ዘይተረደኦ ግን ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ እቶም የማናይ ኢዱ ዝመስልዎ እውን ምስኡ ከም ዘየለዉ ዝነግሩዎ ዘለዉ ይመስል።

ሕቶ ጋዜጠኛ፡ጭቡጣት ናይ ሓጺር ጊዜ መደባት ምሕያል ህግደፍን ምውዳብ መንእሰያትን መስርሕ ምንዳፍ ቁዋምን

መልሲ ፕረዚደንት፡ፕረዚደንት ኢሳያስ ነዚ ሕቶ “እወ ሕጂ እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ካለኦት ጉዳያት ኣተሓሕዛና ብግቡእ ክንርድኦ ኣለና” ይብል እሞ ይቕጽል። ቀጺሉ ንቁዋም ቁዋም ዘይኮነስ ስርዓተ-መንግስቲ ኢሉ ክጽወዖ ከምዝደልን ስርዓተ-መንግስቲ ከኣ መሳርሒ (means) ኢዩ ይብል። ከምኡ ስለዝኾነ ካኣ ስርዓተ-መንግስቲ መሰረታውን ኣገዳስን ምዃኑ ይሓትት። በዚ ድማ ካበይ ተበጊስና ኣበይ ኣለናን ናበይ ክንከይድ ንደሊ ኣለና ካብ ዝብሉ ገምጋማት ዝተበገሰ መርሓ-ጎደና (roadmap) ተዳሊዩ ከም ዘሎን ናብ ሓዱሽ መድረኽ ይሰጋገር ከም ዘሎን ይሕብር። በዚ መሰረት ንኤርትራ ኣብ 4 ናይ መኸተን 3 ናይ ልምዓት ግንባራትን ከም ዝመቓቐላውን ይሓትት። ነቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ክመርሖ ዘለዎ ህግደፍ ምዃኑ ድማ ይሕብር። ብምጥቕላል ፕረዚደንት ኢሳያስ ፖለቲካዊ መስርሕና ብዝሓየለን ዝተረረን ክቕጽል ምእንቲ እዚ መደባት ወጺኡ ምህላዉ ንምዕዋቱ  ድማ ጥርጥር ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

ገምጋመይ፡

መልሲ ፕርዚደንት ሸንኮለል ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ድሮ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዝኾነ መንግስቱ ብሓዱሽን ንስልጣኑ ብዘናውሕን መንገዲ ክውድቦ መደብ ኣውጺኡ ከም ዘሎ ኣብ ምሕባር ኢዩ ሓዲሩ ክበሃል ይከኣል። ንቑዋም ከም ስርዓተ-መንግስቲ ንስርዓተ-መንግስቲ ከም መሳርሒ ከብርህ ፈቲኑ። ስለዚ እቲ ጉዳይ ምንዳፍ ቁዋም ምስ ተራ መርሓ-ጎደና ብምምስሳል ጉዳይ ቁዋም ጉዳዩ ከም ዘይኮነ ኢዩ ዝሕብር ዘሎ። መርሓ-ጎደና ኣዳሊና ኣሎና እንዳበለ ሰፊሕ ምይይጥ ክግበረሉ ከም ዝኾነውን ይዛረብ። መርሓ-ጎደና ኣበየናይ ሕጋዊ ባይታ ተመርኩሱ ምይይጥ ይኹን ትግባረ ክሰላሰል ከም ዝኽእል ግን ዘተሓሳስብ ኢዩ። ንኤርትራ ሓንሳብ ኣብ 3 ሓንሳብ ኣብ 4 መቓቒለያ ዝብል መደረኡ ካኣ ከም ሓዱሽ ገይሩ የቕርቦ ይሃሉ እምበር እቲ ሓቅስ ብጎደናታት ከፋፊሉ ብጀነራላት ከማሕድራ ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዚ ሓዱሽ ዝኸውን ዘሎ ሎሚ ኣብ ተለቪዚዮን ወጺኡ ይነግረና ስለ ዘሎ ጥራሕ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ባዶ ሕልምታት ናይቲ ፕረዚደንት ዝሕብር እምበር ሎሚ ነዝን ነትን ክትግብር ዝኽእል ዓቅሚ ይኹን ድሌት ናይቶም ንሱ ዝእዝዞም ሓለፍቲ ክህሉ ከም ዘይክእል ንሱውን ይፈልጥ ኢዩ። ብሓፈሻ እዚ ፕረዚደንት ዝሕዞን ዝጭብጦን ዝሰኣነ ኢዩ ዝመስል። ምናልባት ነቶም ክሳብ ሕጂ ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ሓለፍቲ ገሊፉ ሓደስቲ ዘይደኸሙ ዝመስልዎ ይሸይም ይኸውን ግን እዚ መደባት እዚውን እቲ ቀጺሉ ዝተሓተ ሕቶታት ኣብ ዲምፕሎማሲያዊ ዉዲታታትን ንኹነታት ተጻብኦ  ኣብ ወፍርን፡ ጉዳይ ማዕቀብን ጉዳይ ዶብን፡ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምትሕብባር ኤርትራን ናይቲ ብሱዑዲያ ዝምራሕ ዓረባዊ ምንቅስቃስ ኣብ ጉዳይ የመንን ዝብሉ ኢዮም ነሮም። ልሙድ ሃተውተው ስለ ዝኾነ ብዛዕባዚ ምዝራብ ዳርጋ ምስ ጊዜኻ ምባኣስ ማለት ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ተመርኩሰ ዝብሎ ዝጭበጥ ነገር የብለይን። ኣብቲ ንስርዓት ወያነ ዝምልከት ዘልዓሎም ጉዳያት ግን ከይ ጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን።

ስትራተጂ ወያነ ንኢትዮጵያ ንምግዛእ፡

ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፖለቲካ ከፋፊልካ ምግዛእ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ምቁጽጻርን ወትሃደራዊ ሓይሊ ወኒንካ ወይ ሒዝካ ኣብ ስልጣን ምጽናሕዩ፡ ዝብሉ ይርከብዎም። ብጣዕሚ ዝገርምዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኤርትራ’ኸ ከምኡ ኣይኮነን ድዩ? ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ብረብሓ ከም ዝመቓቐል ኣይተገብረን ዲዩ? መን’ዩኸ ሓለፋታት ዝረክብ ዘሎ? ኣብ ዉሽጢ ወይስ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ? ካልእከ መን’ዩ ቁጠባ ኤርትራ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ? ህግደፍ ኣይኮነን ድዩ? ንኤርትራ ብወትሃደራዊ ዞባ ከፋፊሉ ዘመሓድር ዘሎኸ ስርዓት ህግደፍ  ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ ኣበይ ኢዩ እቲ ፍልልይ ኣሰራርሓ ስርዓት ወያነን ስርዓት ህግደፍን? ንምዃኑ’ኸ ስርዓት ወያነ ተመሃራይ  ስርዓት ህግደፍ  ኣይኮነን ድዩ?

እሞ ናይዚ ኵሉ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ዝተገልጸ ጕድለታትስ  መንዩ ትሓታቲ ክቡር ፕረሲደንትና? መልሲ ኣብ ንዓመታ ዝግበር ቃለመጠይቕካ ክትህበና ብተስፋ ክንጽበ ኢና?

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

ሰናይ ቅነ

Read more from News Analysis

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

Note: HTML is allowed. Your email address will never be published.

Subscribe to comments

%d bloggers like this: