cropped-2121ብተወልደብርሃን ገብረ

መእተዊ

ኤርትራን ህዝባን ብኽልተ ተጋራጨውቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ዘይፍትሓውን ዘይሞራላውን እገዳታት ይሳቐዩ ምህላዎም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ሓርጎጽጎጽ ካብ 2005 ንድሓር ብመንግስቲ ኤርትራ ቁጠባዊ እገዳ ክጻዓኖ እንከሎ ካብ 2009 ንድሓር ድማ ብኣሜርካ/ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ወትሃደራዊ እገዳ ተነቢሩሉ ጸኒሑን ኣሎን። ምስ ምንዋሕ ጊዜ እዞም እገዳታት ፈጢሮሞ ዘሎዉ ቁጠባውን ስነ-ኣእምራውን ሃሲያ ብቃላት ክትገልጾም ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ። ስለዚ ክልቲኦም እገዳታት ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ባይታ ስለ ዘይብሎም ብዘይ ዋዓል ሕደር ክላዓሉ ኣሎዎም።  

ወትሃደራዊ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይ ኣሜሪካ

ንብዙሓት ተመራመርትን ተንተንትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ሲቪል ሰራሕተኛታት ኣሜሪካ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ። ብትኽክል ካኣ ከምኡ ኢዩ። ፎክስ ኒውስ ኣብ ሰነ 2015 ዓምዲ ሪኢቶኡ ከም ዘስፈሮ ኣሜሪካ ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣካላቱን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከባቢ $8 ቢሊዮን ትኸፍል። እዚ መሻርፍ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኢዩ። ምናልባት ብመንገዲ እዚ ዉድብ ድኻታት ሃገራት ቁሩብ ቁራቦ ይረኽባ ይኾና። ነቲ “መንግስታት ንምቁጽጻር ገንዘብ ምቁጽጻር ህዝቢ ንምቁጽጻር ዳማ መግቢ ምቁጽጻር” ዝብል ፈሊጥ ኣሜርካውያን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ምስ እትዕዘቦ ድማ ሃገራት ይኹና ህዝብታት ካብ ኣሜሪካ ብውልቂ ዝምጠወሎም ኣሎዉ። ስለዚ ንሃገርን ንህዝብን ብገንዘብን ብመግብን ጅሆ ብምሓዝ ዝደልዩዎን ዝኣምንሉን ካምዝራብን ምውሳንን ዓዲ ይውዕሉ ማለት ኢዩ።

ስለዚ ወትሃደራዊ እገዳ ኤርራ ብቐንዱ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይኮነ ናይ ኣሜሪካ ኢዩ እንተ ተባሃለ ምግናን ኣይኮነን። ስለዚ ቅድሚ ኤርትራ በቲ ተኸሲሳትሉ ዘላ ጉዳይ ቅኑዕ ኢዩ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል ንትርኽ፡ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝብል ናይ ሓምደ-ጉንዳን ስም ኣቦቱኡ ክሳብ ዘየሎ እቲ እገዳ ፍትሓውን ርትዓውን ኣይኮነን። ብዙሕ ሰብ ብዛዕባ ዘይሕጋውነት ወትሃደራዊ እገዳ ኤርትራ ይዛረብ ኢዩ። ኣነ ግን ኣድማሳዊ ሕጊ ዝባሃል ነገር የሎን ባሃላይ ኢየ። ምኽንያቱ ኤርትራ ንባዓላ ትኣምነሉን ትትግብሮን ኣድማሳዊ ሕጊ የሎን። ስለዚ ጉዳይ እገዳ ዘይሕጋውነቱ ዘይኮነስ ዘይፍትሓውነቱ ዝያዳ ከገድሳን ጉዳይ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ተገንዚባ ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ፍታሕ ከተናዲ ኣሎዋ። ሕጋዊ ኣይኮነን ዝብል ናይ ጎደና ዲፕሎማሲ ኣይሰረሐን ክሰርሕ’ውን ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ብ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ኣህጉራዊ ዲፕሎማስን ጥራሕ ኢዩ ዝፍታሕ። ግን እንካን ሃባን ዘይብሉ ኣህጉራዊ/ዓለማዊ ዝምድናን ዲፕሎማስን ስለ ዘየሎ ንእንካን ሃባን ክትዳሎ ኣለዋ።

እገዳ ክላዓል ኣለዎ ወይ የብሉን ኢልካ ሰላማዊ ሰልፊ ምውዳብ ትርጉም ከም ዘይሃበ ሪኢናን ሰሚዕናን ኣሎና። ዝተረኸበ ቁምነገር ግን የሎን። ኩሉዚ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘማእከለ ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ኣህጉራዊ ዝምድናን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕን ጻዕርን መንግስቲ ጥራሕ ኢዩ። በዚ መዳይ እንክረአ ድኽመታት ኣሎና። ንምእራሙ ምትዕጽጻፍ መንግስቲ ይሓትት። ምትዕጽጻፍ ትብል ዝውትርቲ ቃል ሃገርና ኣብዚ’ውን ቦታ ዘሎዋ ኮይኑ ይስማዓኒ። ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ኣብዚ ጉዳይ እገዳ ግን ከም ንግደት ዓድና ጸብጻብ ተቖጻጻሪት ኣካል ሕቡራት መንግስታት ኤርትራን ሶማሊያን ጸብጻባ ኣብ ዝለጠፈትሉ ድሕሪ ዓመት ብናይ ምክልኻል ዲፕሎማሲ ንኒው-ዮርክ ክንነግድ ኢና ጸኒሕና። እዚ ካኣ ኣይሰረሐን። ስለዚ ብስግር ሩባ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ እንዳ ኣማረርና ንሕና ክንገብሮ ዘሎና ክንዝንግዕ የብልናን።

ባዕላዊ ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

ብፍትሓዊ መንገዲ ክረአ እንከሎ ካብ ወትሃደራዊ እገዳ ቁጠባዊ እገዳ ብዝላዓለ ንህዝብን ሃገርን ይጎድእ። ልክዕ ኢዩ ብየማንን ጸጋምን ብጸላእቲ ተኸቢብካ ኣብ ልዕሊኡ ካኣ ወትሃደርዊ እገዳ ኣብ ልዕሌኻ ተነቢሩ ደቂስካ ዝሕደር ኣይኮነን። ብፍላይ እቲ ንወትሃደራዊ እገዳ ዝወትወተ ሓይሊ ምዕራብ በቲ ሓደ ተሞኹሊዩ ንጸላኢ እዛ ሃገር ንዝኾነ ወገን ሕጂ’ኸ ንክትወርር ዓቕሚ ኣሎካ’ዶ? ንኽትወርር ዘሎካ ዕድል ሕጂ እዚ እንዳ ከይተላዕለ እንከሎ’ዩ እንዳ በለ ዝውትውት እንተ ኾይኑ ድርብ ሓደጋ ኢዩ። ይኹን እምበር ጸላእቲ ኤርትራ ኲናት ከም ዘየዋጽኦም ብምግማት ንምትብባዕ ኣሜሪካ ኣይተቐበሉዎን። ምኽንያቱ መራሕቲ ዘመናውያን መሳፍንቲ ትግራይ ኣይኮነን ንበይኖም ንህዝቢ ኢትይጵያ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፡ ካብ ምዕራብ ድማ ክሳብ ምብራቕ ሆ ኢሉ ኣብ ዝተላዓለሉ ብኲናት ድሌቶም ኣይረኸቡን።

እቲ ዝገርም ግን ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐ ዘሎ ዋላ ፍትሓዊ ኣይኩን እምበር ብወትሃደራዊ እገዳ ዘይኮነስ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ብዝገበሮ ቁጠባዊ እገዳ ኢዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ወፍሪ ክግበር ዝጸንሐ ኣደራዕን ጸቕጥን ነዊሕ ታሪኽ እንተ ሃለዎ ካብ 2005 ጀሚሩ ግን ፍቓድ ንግድታት (ልቸንሳታት) ላኣኽትን ኣምጻእትን፡ ናይ ህንጻ ኮንትራክተራትን ካልእን ብወግዒ ንኸይሕደስ ኣጊዱ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ ዜጋታት ሰሪሖም ቤተ-ሰቦም ከይ ኣልዩን ዝጭበጥ ቁጠባዊ ተሳትፎ ከይህልዎም ክግበር ጸኒሑን ኣሎን ኢዩ። ዜጋታት ብወፍርን ስራሕን ሃገሮም ከይ ሃንጹ ስለ ዝተኸልከሉን ዘይተፈቐደሎምን ካኣ ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ንሕሰም መነባብሮ ተሳጢሖም ይርከቡ። እዚ ዓይነት እገዳ ወይ ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ ጊዜ ማኦ ቻይና ነይሩ ኢዩ።

ኣቦ ወምበር ማኦ ካብዛ ዓለም ኣብ መበል 82 ዓመቱ ኣብ 1976 ብሞት ካብ ዝተፋነወሉ ጊዜ ንድሓር ግን ነቲ ኣቦ ወምበር ማኦ ብሒትዎ ዝነበረ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ሂይወት ቻይናውያን፡ ሓዱሽ መሪሕነት ቻይና ቁጠባዊ ፖሊሲኡ ድሕሪ ሕልፈት ማኦ ብምትዕርራይ ሎሚ ቻይና ተኣምራት ትሰርሕ ኣላ። ዝገርም ግን ኣቦ ወምበር ማኦ ምስ ዓረፈ ቻይናውያን ከም ሕሱም ኢዮም ኣልቂሶምሉ። ምኽንያቱ ሂይወቶም ድሕሪ ማኦ ከም ዝማሓየሽ ኣይፈልጡን ስለ ዝነበሩ። ዝገርም ኢዩ! ምናልባት’ውን ኣቦ ወምበር ማኦ ኣቐድም ኣቢሉ ማለት ኣብ 1940-1950 ዘሎ ጊዜ ብሂይወት ሓሊፉ ነይሩ እንተ ዝኾውን ቻይና ካብ መጀመርታ ጀሚራ ምስተን ኣብ ቀዳማይ ዓለም ዝስራዓ ሃገራት ናይ ምዃን ዕድላ ዝላዓለ ክኸውን ምኻኣለ ነይሩ። መን ይፈልጥ። ማኦ ሎሚ ካብ መቓብር ወጺኡ ንቻይና ንሓደ ሰሙን እንተ ዝርእያ ብዝሓለፈ ተግባሩ’ዶ ምስ ተጣዕሰ ይመስለኩም?

መደምደምታ

እዚ ናይ ማኦ ቻይና ዝሕብረና ንህዝብን ሃገርን ጅሆ ሒዝካ ክመጽእ ዝኽእል ቁጠባዊ ለውጢ ይኹን ካልእ ክህሉ ዘይሕሰብ ምዃኑ ኢዩ። ንፖሊሲስታ ማኦ ከም ኣብነት ይጠቅስ ኣሎኹ’ምበር እቲ ሓቅስ ዳርጋ ናይ ኩሎም ባሓቲ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ሂይወት ዜጋታት ሃገሮም ዝነበሩ መራሕቲ ሃገራት ዓለምና ኢዩ። ስለዚ መራሕቲ ኤርትራ እንተ ኾነ ናብ ልብኹም ተመለሱ እንተ ዘይኮነ ግን ኤርትራን ኤርትራውያንን ሓደ ጊዜ ታሪኽ ቻይናውያን ክደግምዎ ከም ዝኽእሉ ኣይትዘንግዑ። ንህዝብን ሃገርን ብናብርኡን ብባህሉን ዓፊንኩም ዝመጽእ ለውጢ ስለ ዘየሎ በዚ ናትኩም መንገዲ ራህዋ ክሪኢ ዝጽበ እንተ’ሎ ውሑድን ናይ ጊዜ ጉዳይን ጥራሕ ኢዩ።

 

  2 comments for “

  1. t.g.
    15 Mar 2017 at 5:14 am

    I have a vision soon Eritrea will be free from the yoke of this brutal dictator. Be ready to unite and do the job of those who sacrifice thieir life to the benefit of the mass

    Like

  2. Nick
    15 Mar 2017 at 7:35 am

    This was a vivid articulation of Eritreans dreams and hopes.
    No sanction of any kind – explicit or elicit (military or economic) – is what Eritreans are yearning for.

    Sanctions:
    Eritrea should display some flexibility in the diplomatic discourse and initiate a direct negotiations with the U.S and E.U. as they are only member state standing on the way of lifting the sanctions. We should not expect a new outcome until Eritrea deals and reaches some understanding with them first.
    A skillful and serious diplomatic work, along with some changes in approach and policy, would be helpful to sway the U.S/E.U in Eritrea’s favor or at least to neutralize their objection. Eritrea needs to deal with this issue with the utmost priority and get past it. If this is allowed to linger even further it’s consequences can be serious.

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: