መንዩ ዝዓበደ-ተስፋልደት’ዶ ካለኦት ሸያባት?

cropped-2121ብቀለታ ኪዳነ

ብዙሕ ክትፈልጥን ክትምሃርን ጽቡቕ እንድዩ ኣቐዲመ በቲ መስከረም ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን መን እንታይ  ይብል እንታይ ይሓስብ ንጽሓፍትን ዝተፈላለየ ወሃብቲ ርእይቶታትን ብምርኻብ ዝገበሮ ዘሎ ዓቢ ኣበርክቶ ኤመስግኖ።

ዝኸበርካ ኣቶ ተስፋልደት ባህልቢ

ብመጀመርያ ኣብቲ ዘቕረብካዮ ጽሑፍ ኣቱም ኢልካ ክነስኻ ኣነ ኣታ ምባለይ ነቶም ክቡር ተባዕ ደላይ ፍትሒ ወላዲኻ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ስለ ዝፈለጥኩዎም  እሞ ዋላ ብዕድመ ዘይወልደካ እንተኾንኩ ከም ንእሽቶ ሓወይ ስለዝግምተካ  ኢየ’ሞ ከም ናይ ምንእኣስ ከይትወዶ እላበወካ።

ኣቶ ተስፋልደት ባህልቢ መድረኽ እናተባህለት ትሕተም መጽሔት ዝውንን ወዲ ሃገር እዩ። ብወገነይ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ከንብቦ ዝጸናሕኩ ርእይቶታቱ ደጋፊ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ደጋፊ ጭቆና እመስለኒ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ እዋን እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ ዘቕርቦ ዝነበረ ርእይቶታት ብምድጋፍ ከም ዘመስገንኩዎን ዘተባባዕኩዎን እዝከረኒ። እቲ ሎሚ መዛረቢ ምኽንያት ዝዀነኒ  “ናይ ሎሚ ገደደ ሸያብ ዝዓበደ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ መጽሔቱ ብዘይካኡ ንሃገርን ህዝብን ዝሓሊ ከም ዘየልቦ ዘስምዕ ንዓይ ጥራሕ ዘይኮነ ንገለ ካብቶም ንሃገሮምን ህዝቦምን ብቕንዕና ዝዛረቡን ዝሓልዩን ዝቃለሱን ሰባት  ከምኡ’ውን  ንዓይን ንኣቶ ተወልደብርሃን ገብረን ስም ጠቒሱ ተናኺፉ ርእየ ኣሎኹ።

ኣነ ኮነ ኣቶ ተወልደብርሃን ገብረ ከምኡውን ካልኦት ግዱሳት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ነቕርቦም ዘሎና ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ዝግበሩ ጌጋታትን በደላትን መንግስቲ ሃገርናን ህዝብናን ስለንፈቱ እምበር ስለ ንጸልእ ኣይኮነን። ብዛዕባ ጽሑፋትና  ፍርዲ ንምሃብ እንተዀይኑ ግን  ንኣንበብትን ተኸታተልትን ዝግደፍ ጕዳይ እዩ። መንግስቲ ክጋገ ከሎ ዓገብ ትጋገ ኣሎኻ ኣይፋልካን ምባል ከኣ ናይ ትፈትዎም ሃገርካን ህዝብኻን እምበር ናይ ጸላኢ ኣይኮነን። ብርእይቶይ እቶም ጸላእቲ ዝበሃሉ እቶም ሃገርን ህዝብን  ክብደል ከሎ ጽቡቕ ዝብሉ ጥራሕ ኢዮም።

እቲ መልእኽቲ ንሕና ኣብ ጓል ነገር ኣቲና ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ስቓይን ውርደትን ምጽሓፍ ከነላግስ እንተዀይኑ ግን ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ’ሞ ኣቶ ተስፋልደት እንተሓሰብካሉ ጽቡቕ ኢዩ። ንምዃኑኸ ንስኻ ከም ተራ ወዲ ሃገር ናይ ውልቅኻ ርእይቶ ካብ ምሃብ ሓሊፍካ  ንስኻ ቅኑዕ ምዃንካ እናተነየትካ ንኻልኦት ልቸንሳን ኣፍልጦን ክትህብ መን ይብሉኻ? ትብሎ እንተ ትፈልጥ ንስኻ “certificate of recognition” ክትህብን ክትከልእን ናይ መን ንግዲ ፍቓድ ኢዩ ዘሎካ? ብዕድመ ኮነ ብተመክሮ፡ ብኣእምሮ ኮነ ብምህሮ ዝዓብዩኻን ዝበልጹኻን ደቂ ሃገር ከተዋርድን ክትዝልፍን ሓላፍነት ዝሃበካ መንዩ?  ሓንጎል ሰብ እንተ ዝህልወካ ነቲ ካብ የማን ናብ ጸጋም – ካብ ጸጋም ናብ የማን ዝወናጨፍ ጽሑፍካ ንምእራም ዝሕግዙኻ ፈተውቲ ዋላስ ለባማት ከተማኽር ነይሩካ።

ንስኻ ትብል፡-

“እቶም ቀዳሞት፡ ኣብ ሃገርና ዝቖሸቱ ወሎዶታት፡ ከም እኒ ሳባን ኖቫን፤ ዲናን ፋናን ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም ከንሶም፡ ሓድጊ ከይ ገደፉ ምስ ጸነቱ  እቶም ዳሕረዎት ምጻእ ከኣ፡ ንዓታቶም ኣመልኪቶም፡ ከምዚ እንክብሉ ደጉዑሎም ተባሂሉ ይጽወ።ዓለም ኮንቶ ኣቲ ዓለም ኮንቶንዲና ፋናን እኳ ዘይ ኮነቶ ሎሚ ድማኒ፡ ልክዕ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ድጓዔ፡ ካብ እቶምኣለውናን ኣለውናንኢለ ክንይሓሎም ዝጸናሕኩ፡ ነዛ ክብርቲ ኤርትራ ከም ሓንቲ ኮንትሞንቶ፡ ዓለም ናይ በዓል ዲናን ፋናን ኣመሳሊሎም ዓንገረር ክብሉ ምስ ኣንበብኩዎም ዝተመዓኒ ሓዘን መሪር እዩ። እሞ ከኣ፡ ካብ ከም ናይ  ዕላማ ብጻይ ገቢብርካ ክትንይሓሉ ዝጸናህካ፡ ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ ከም ሓደ በሊሕ ጭማራ በንግድዓ ኣትዩ፡ ሓሲስ ብልብኻ ዝወጽእ ኮይኑ ይስመዓካ። ተሮፍ /holly sh .t/ ኢልካ ክሳብ እተስተንፍስ ድማ ይገብረካ።”

መስደመም ዘረባ ኣቶ ተፋልደት ይቅጽል፡-

እንታይ ዲና ኰንና? ንርእስኹም ተለኪምኩም ከይ ትልኩሙና፡ ንስከፍ ከም ዘሎና ኣይ ትግንዘብዎን እንዲኹም? ንዓኹም ዝርኣየኩም  ዘሎ፡ ከመይ ደኣ እዩ ነገሩ፡ ንገሌና ዘይ በርሃልና ዘሎ? እዝግሄር ሕልፍ ዝበለ ጸጋ ናይ ፍልጠት ዝመረቐልኩም ዲኹም? እንተ ደኣ ኮንኩም ድማኒ፡ ስለ መላእኽቲ ከተማቑሉና። እንተ ዘይ ኮንኩም ግን፡ ስለ ፈጣሪኹም ንርእስኹም ተለኪምኩም ከይ ትልኩሙና።

እንታይ ከም ዝዀንናን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎናን ኣነ ጥራሕ ዘይኮንኩ ብዙሓት ግዱሳት ደቂ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝተዛረቡሉን ዝጽሕፉዎ ዘለዉን  ጕዳይ ስለዝዀነ ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘሎና ሃገርናን ህዝብናን እውን ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘለዉ  ኣዳላውን ወናንን መጽሔት ኰንካ ዘይትከታተል እንተዀንካ ግን ካብ ንዓይ ምሕታት ንኻልኦት ደቂ ሃገር ሓቲትካ ነቲ ጭቡጥ ኵነታት ክትበጽሖን ክትርድኦን  እሞ  ነቲ ሓቂ ኣብ መጽሔትካ ከተስፍሮ እላበወካ።

ብዛዕባቲ ንርእስኹም ተለኪምኩም ከይ ትልኩሙና፡ ንስከፍ ከም ዘሎና ኣይ ትግንዘብዎን እንዲኹም? ንዓኹም ዝርኣየኩም  ዘሎ፡ ከመይ ደኣ እዩ ነገሩ፡ ንገሌና ዘይ በርሃልና ዘሎ?” ዝበልካዮ መስደምም ጥራሕ እዩ- መጀመርያ ኣነ እንታይ ስለዝዀንኩ ኢየ ተለኪመ? መንከዩ ለኪሙኒ? ንዓኻኸ ብምንታይን ብኸመይን ምሳይ ስለትራኸብየ ክልክመካ፡  ንስኻ  ኣብ ጀብሃ ዝነበርካ ፡ ኣነ መብዛሕትኡ ቃልሰይ ኣብ ሻዕብያ ዝነበረ፡ ንስኻ መንግስትና ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ ዕድል ይወሃቦ ትብል ዘሎኻ ፡ ኣነ መንግስትና ይጋገ ህዝብና’ውን ይብደልን ይስደድን ይጠፍእን ኣሎ  ዝብል ዘሎኹ፡  ንስኻ ኣብ ኣሜሪካ  ኣነ ኣብ ኤውሮጳ ንነብር ፡ ርክብ የብልና  ኣይንፋለጥ፡  ብኸመይ?  ብዓል እንታይ ዓቕሚ ኮይነ ኢየ  ክልክመካ?  ለኪመኸ ኣበየ ምሳይ ክወስደካ? ወይ እንታየ ክገብረካ?

እቲ  ብልብኻ ትሓስቦ ወይ ዕላማኻ  ግሉጽ ኣይኮነን’ሞ ኣበሃህላኻ እንደገና ሕሰበሉ ይብለካ።

ብዛዕባቲ እዝግሀር ሕልፍ ዝበለ ጸጋ ናይ ፍልጠት ዝመረቐልኩም ዲኹም? እንተ ደኣ ኮንኩም ድማኒ፡ ስለ መላእኽቲ ከተማቑሉና። እንተ ዘይ ኮንኩም ግን፡ ስለ ፈጣሪኹም ንርእስኹም ተለኪምኩም ከይ ትልኩሙና. ንዝበልካዮ እዝግሄር ካባኻ ንላዕሊ ሕሉፍ ዝኾነ ፍልጠት ዝመረቐለይ ሰብ ኣይኮንኩን። ንጽቡቕን ክፉእን ከፈላሊ ዝኽእል ወጽዓ ሃገረይን ህዝበይን ክርዳእ ንመሰለይን መንነተይን ክሕሉን ክከላኸልን ዝበቅዕ ሕልና ሂቡ ስለዝፈጠረኒ ግን ንኣምላኽ አመስግኖ። ብዛዕባ  “ንርእስኹም ተለኪምኩም ከይትልክሙና።”

ንዝበልካዮ እጂ’ውን ከይትልከምሲ መእተው ገዛ እንተ ዘይደሊኻዮ ወይ ብስነ-ስርዓት ሓሳብካ ክትገልጽ ወይ ድማ ኢድካን እግርኻን ምእካብ ኢዩ። ሓሳብ ብሓሳብ ኢዩ ዝተዓረቕ። መልሓስ ኣውጺእካ ኣብ ዘለፋታትን ድሑር ስነ-ምግባር ዝጎደሎ ጽሑፍ ንህዝቢ ክትብትን መርኣያ ስልጡን ሰብ ኣይኮነን። ስልጡን ሰብ ዝባሃል ንሓሳብ ብሓሳብ ዝእርም፡ ዝካታዕን ዘካትዕን ኢዩ።

“ቅድሚ ሕጂ፡ ከምዚ ናትኩም ትምህርቲ ዝኣመሰለ፡ ካብ በዓል ዶክተር ዛኖይ ዝበሃሉ፡ ከስተምሁሩና ፈቲኖም ሰማዒ ምስ ሰኣኑ፡ ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ዘስቀጡ፡ ምናልባሽ ሕጂ እውን ስም ቀይሮም፡ ይዛተዩ እንተ ደኣ ኣልዮም ኮይኖም፡ ጸበሎም ከይ ለኽየኩም ምጥንቃቕ፡ ዝሕሸኩም ከም ምዃኑ ክሓብኣልኩም ኣይ ደልን። You know what I am talking about?”

ኢልካ። ብዙሓት ጽሓፍቲ ይፍጠሩ ብዙሓት ከኣ ይጠፍኡ። ብዙሓት መርበባትን  ጋዜጣታትን ይቕልቀሉ ብመዓልቶም ከኣ ይቕየሩ። ብዙሓት ኣርእስትታትን ሕቶታትን ይልዓሉ ብመዓልቶም  ከኣ ይፍትሑን ይሓልፉን። ብዙሓት ከም ብዓል ዶ. ዛኖይ ዝኣመሰሉ ይጽሕፉ ነሮም ሎሚ የለዉን። እቲ ሓሳባቶምን ሕቶታቶምን ግን ሎሚ ዛይዱ  እምበር ኣይጠፍኤን። እኳ ድኣ ሓደ ዝነበረ ዶር. ዛኖይ ሎሚ ብኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዶካትር ዛኖያት ኣለዉ።

ንዓኻ ኩሉ ሰብ ከየገናዘበ ተጎቲቱ  ናብ ጸድፊ ዝኣቱ ገይርካ ኢኻ ትገልጾ ዘለኻ። ህዝብና ከምቲ ንስኻ ክትገልጾ ዝሓስብ ዘይኮነስ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ዝፈልጥን ዘገናዝብን ኢዩ። ኩሉ ሰብ ብደረጃካ ዝሓስብ ገይርካ ኣይትውሰዶ።

ደው ኣይበልካን ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢልካ፡-

“እዛ እትስዕብ ቁንጫል ናትኩም፡ ከም እንደገና እንተ ትበጽሕዋ፡ ዝስቆረኩም እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ንኤርትራ ብዘይ ንሕስያ ቀቲልኩማ ኢኹም። ንዓኹም፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከም ዝጥፍኣትኩም እያ። ሕጂስ ስደተኛ ኣብ ብሪጣንያ ኮንኩም ትነብሩ ኣሎኹም። ካብዚ ንደሓር ናበይ  ገጽኩም ኢኹም? ደጊም፡ ኣነን ንስኹምን ካብ ሕጂ ንድሕሪት፡ ጉዕዞና ንሰማይ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ነዛ ኤርትራ ለኪምናያ ክንከይድ ምድላይ ሕሱምዶ ኣይ ኮነን? በሉስከ እዛ ትስዕብ ኣበርክቶኹም ሓቢርና ከነንብባ ትብል።

መጀመርያ “ዝስቆረኩም እንተዀይኑ” ምባል ንዓይሲ ድሓን ንኻልኦት ከምኡ ከይትብል እላበወካ። ምኽንያቱ ንሓውኻ ንዓርክኻ ንወድኻ እንተዘይኮይኑ ንሓደ ብዕድመ ካባኻ ዝዓቢ ሰብ ዝበሃል ኣይኮነን። መምዘኒኻ ክኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ናይ ሃበስ-ቀደስ ወጺእኻ ንህዝብን ሃገርን ዝኸውን ምኽርን ሓሳብን ምሃብ ምሐሸካ ነይሩ። እንተ ኾነ ከምቲ ኣምሓራ ክምስሉ “ሴት የላከችው ሞት ኣይፈራም” ዝብሉዎ ኢዩ ነገሩ። ዓቕሚ ሃሊዩካ መኻርን ማዓድን ሓሳብ ሒዝካ እንተ ትመጽእ ሓደ ነገር ነይሩ።

ኣብ ጽሑፈይ ከምዚ ዝስዕብ ኢለ ነይረ።

“ሃገር ገንዘባ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝባ እውን ዝስደድ ተሰዲዱ ዝእሰር ትኣሲሩ ተጸንቂቑ ብዘይካቶም ነንሓድሕዶም እናትሓላልዉ ንዓኡ ክሕልዉዎ ባዕሉ ኣብ ሰራዊት ሒዙዎም ዘሎ እቲ ካልእ ኣብ ሃገር ተሪፉ ዘሎ ኣረጊትን ቆልዓ ሰበይትን ኣዝዩ ውሑድን ኢዩ። ንሱ ከኣ ዶባት ጥሒሱ ክሃድም ዓቕሚ ዘይብሉ ከምኡ’ውን ብሊብያን ስሃራን ገሩ ክስደድ ንርእሱ ዝመዘናን ክእለት ዘይብሉን ጥራሕ ኢዩ።”

ሓቀይ ድየ ዋላ ላእ? ኢልካ ሓቲትካኒ። ሓቂ ኢዩ። ነዚ ዝኽሕድ ኣእምሮ ካብ ሃለወካ ብሓቂ ዘስደምም ኢዩ።

ብዘይካ’ዚ “ንዓኹም ኤርትራ ትበሃል ሃገር ከም ዝጠፋኣትኩምያ ንዝበልካዮ ሓቂ ኢዩ። እወ ብርግጽ እታ ኣነ ዝፈልጣ ንዜጋታታ ተኽብርን ህዝባ ብመንነቱን ብሕጊ ዓደቦኡን ከቢሩን ኰሪዑን ዝነብረላ ዝነበረት ኤርትራ ንዓይ ጠፊኣትኒ ምህላዋ ኣይሓብልካን። ከምዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም ወለድና “ንጐይታ ፈሪሖምስ ንጊልያ ይወግኡ” ዝበሉ። ኣነ ብዓል እንታይ ዓቕሚ ስለዝኰንኩ ኢየ ንሃገር ትኣክል ዝቐትልን ዝምሕርን። ምናልባት ስም ተጋጊኻ ከይትህሉ? ሃገር ዝቐትሉዋን ክምሕሩዋ ዝግብኦምን ካልኦት ኢዮም። ንሶም ከኣ እቶም ንስኻ ጽቡቕ ይሰርሑ ኣለዉ ኢልካ ትምስክረሎም ዘሎኻ ኣብ ኤርትራ ንሃገር ዝርምሱን ህዝቢ ዘበሳብሱን ዘለዉ ሰበስልጣን እዮም። ኣነ ድኣ’ሞ ከምቲ ዝበልካዮ ኣብ ስደተይ ዘሎኹስ ኣብ ሃገራዊ ጕዳይ ኤርትራ መን ምስ ሓተተንን ምስ ጸምበረንንየ ሃገር ትኣክል ከጥፍእ? ኣይፋልካን ሕሰበሉን ተጠዓሰሉን እሞ ብጌጋኻ ትኣረም።

“ወሓጥዮ እንተ በልኩዋስ ተመሊሳ ትጎስሞ” ከምዝባሃል “ሕጂስ  ስደተኛ ኣብ ብሪጣንያ ኮንኩም ትነብሩ ኣሎኹም። ካብዚ ንደሓር ናበይ ገጽኩም ኢኹም? ደጊም፡ ኣነን ንስኹምን ካብ ሕጂ ንድሕሪት፡ ጉዕዞና ንሰማይ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ነዛ ኤርትራ ለኪምናያ ክንከይድ ምድላይ ሕሱምዶ ኣይ ኮነን? ክትብል’ውን ብዘይ ቀልዓለም ገሊጽካ። ብጣዕሚ እተገርም  ተራ ሰብ ኢኻ።

መጀመርያ ክእርመካ ኣነ ኣብ ብሪጣንያ ስደተኛ ዘይኮንኩስ ምሉእ መሰል ዘሎኒ ዜጋ (Citizen) ኢየ።  ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርጊ ኣብዚ ዓዲ ምስ ኣቶኹ ድሕሪ ባይታይ ተጻርዩ  መሰል ስደተኛ ድሕሪኡ’ውን ምሉእ ዜግነት ተዋሂበ ከም ዜጋ ዝነብር ዘሎኹ ሰብ ኢየ። እዚ ማለት   ክሳብ ዕድመይ ንጡረታ ዝኣክል  በቲ ሕጊ ዝፈቕዶ መሰረት ሰሪሔ ብድሕሪኡ ዕድመይ ንጡረታ ምስ ኣኸለ ኣብ ሃገረይን ኣብቲ ዝተወለድኩሉን ዝተቓለስኩሉን ሃገር ዘይረኸብኩዎ ክብርን መሰልን ረኺበ  ብዘይካቲ ነቲ  ብድሕረይ ዝገደፍኩዎ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ስደትን ማእሰርትን ሞትን ጥሜትን ካልእ ኣብዚ ሃገርዚማዕረ እቶም ኵሎም ዜጋታት ደቂ ሃገር ብስደት ዘይኮነስ ከም ዜጋ ተጣይሰ ብሓጎስ ን ብኽብርን ዝነብር ዘሎኹ ሰብ ኢየ።

ኣብ ዞባ ይኹን ኣብ ናይ ሃገር ፖለቲካዊ  ኵነታት እካፈል። ክመርጽ ይኹን ክምረጽ መሰል ኣሎኒ። ብቖርበተይ ኮነ ብድሕረ ባይታይ ከይተንዓቕኩን ከይተዋሰንኩን እዚ ዝርዓምኩዎ ሃገር ከም ዜጋ ኵሉ መሰላተይ  ዝሕለወለይ እሞ ብኽብሪን ብቕሳነትን ዘንብረኒ ዘሎ  ሰብ ኢየ።  እዚ ክብለካ ከሎኹ ግን ንስኻ ኣይትቕበሎን ትኸውን እምበር ኣብታ ዝተወለድኩላን ዝጻሞኹላን ዝተቓለስኩላን ዓደይ ዘይረኸብኩዎ መሰልን ክብረትን ኣብዚ ምርካበይ ንዓይ ብልቢ አሓጕሰንን አዅርዓንን ኢዩ።

ደጊም፡ ኣነን ንስኹምን ካብ ሕጂ ንድሕሪት፡ ጉዕዞና ንሰማይ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ነዛ ኤርትራ ለኪምናያ ክንከይድ ምድላይ ሕሱምዶ ኣይ ኮነን? ዝበልካዮ፡-

ንስኻ ኣብቲ ሃገር ወይ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ሓላፍነት ኣሎካ? እንታይ ዝፍለጥ ወይ ዘይፍለጥ ዝርኤ ወይ ወይ ዘይርኤ ተልእኮ ተዋሂቡካ ኣሎ ኣነ ዝፈልጦ የብለይን። ብዛዕባ ናተይ እሞ ኣይኮነንዶ ንሃገር ዝልክም ዓቕሚ ክህልወኒ ምህላወይን ዘይምህላወይን እውን መንግስቲ እንግሊዝ  እምበር መንግስቲ ኤርትራስ  ንሃገረይን ህዝበይን ኣብ ዝወርድ ዘሎ በደል ብዝገብሮ ናይ ጽሑፍ ምቅላዕ ወይ ድማ ብኸማኻን ወዲ ከማኻን ትጽሕፉዎን ትህቡዎን ግጉይ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ ምህላወይ እውን ዝፈልጥ ኣይመስለንን።

መደምደምታ፡ እቲ ንሕና ፈተውቲ ሃገርናን  ህዝብናን ንሓቶ ዘሎና  ሕቶ፡-

  1. ሃገር ብቕዋምን ብሕግን ትመሓደር፡
  2. መንግስቲ ህዝቢ ዝፈልጦ ባይቶን መነባበሪ ሕግን ይሃልዎ፡
  3. ሓለፍቲ መንግስቲ ንህዝቦም ትሓታትነት ይሃልዎም፡
  4. ንብረትን በጀትን ሃገር ንህዝቢ ግሉጽ ይኹን፡
  5. መጻኢ ኵነታት ሃገር ህዝቢ ይፍለጦን ይትሓበሮን እሞ ይዘራረበሉ
  6. ብዘይሕግን ብዘይፍርድን ደቂ ሃገር ምእሳርን ምስቓይን ደው ይበል
  7. ሰብ ውላዱ ኮነ ገንዘቡ ክውንንን ከመሓድርን ናጽነት ይሃልዎ ወዘተረፈ ዝብል ኢዩ

እስከ ካብዚኦም ሓቅታት ሓሶት ወይ ቅቡል ኣይኮነን ትብሎ ኣየናይ ኢዩ? ካልእ ክብለካ ዝኽእል ስለዘየልቦ ህዝቢ ባዕሉ ይትዓዘብካን ይፍለጥካን ይምዘንካን ብሃላይ ጥራሕ ኢየ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዘይቅየር ኣይኮነን። ተቐይሩ ህዝብና ምስ ረሃዎ ተስፋ ይገብር ሽዑ ክንራኸብ።

ወድሓንካ

  8 comments for “መንዩ ዝዓበደ-ተስፋልደት’ዶ ካለኦት ሸያባት?

  1. Wedi Haile
    17 Mar 2017 at 4:59 am

    Ente qedem Ato keleta tiAbid neirka. Ente higi gin wedi Bahlbi abidu. Mikniyatu ane tirah eye giEzey tegbarat higidef zifelit niAye tirah eti neqefeta gidfuley mibal nay neger taqua aykonen. Nmukanu Tesfalidet Bahlibi hawu nisiwue Kedane Bahlibi diyu.

    Like

    • Kubrom
      18 Mar 2017 at 8:33 am

      No ayokenen. Tesfaldet an mejemerta 1974 kebabi ab jebha teselifu ab meweda’ta 1976 nab Sudan hadimu nay ab nay 3 amet nay meds kalsu zebke’a Seb eyu. Ab meda ab zneberelu, kab nhzbi Eritrea zeberketo, nzektemat yehwatu nm’elay, nzenebero meznet mezmizu ab tokombia hirasha bmwfar zrekebo ma’etot yzayd entetebhle mgnan aykonen. Kab kulu zkef’a gna hasawinn zeragitonn duhurn mkanu eyu. Demi adu, TANIKA BAHRI elom dzkuruwo. Inte Kidane zbhal ztesewo has yeblun. Amlak yehwyo Elka eyu gudayu zhlef

      Like

      • Wedi Haile
        19 Mar 2017 at 1:24 am

        Yeqeniyeley Kubrom. EnkuaE hawi jigna siwue Kidan Bahlibi (abal Asmeran KebabiAn neber) aykoni mikhniyatu shimu misamarasahayo neiru. Kab Tanika Bahri tserfi dima yedhinena.

        Like

  2. Hadgu Tekie
    17 Mar 2017 at 3:09 pm

    Tesfaldet Bahlbi Hadish nay higdef wedo geba iyu. Kab jebha Hadimu lomi kea nay higdef Kurkur koynu nitfat deki hager yidigif alo. Nay Lomi Zeykone nay kedem Telami zekone flut Seb Iyu. Gidefuo mis Higdef Kitefi .

    Like

  3. yonas
    17 Mar 2017 at 4:29 pm

    Ato Keleta
    kab 1ksab 7 ztezerzerun tewesektn hzbi Eritrea kone mengsti zdelom mukanu rudue eu gen mzelenayo teafafi ewanat kulu(zbezhe)lebi yebiu negize yetesbe alo.
    Ato keleta kunu wala kalot neziom ruduat negerat gerkum ktsehfu kelekum tezakakuru dikum zelekum wla nzbase tsegemat teresasunu egzabiher wanakum.
    bzaeba DIGATATNA ke dahay alekumdo?

    Like

    • mezgebu-girmai
      18 Mar 2017 at 2:12 pm

      zicheberka ato keleta bikedamnet mulu tiena endatemenechu abtigebro zelecha maharin hagerawi halfnet zimelo
      tibatin neti kolan sebeitin endanbu ninebsei ytiameni endabelu fulho hizbi eritra bimklaecha moralen degefin kindi mihabis egricha kihazbu zeibechu tebelezit melmezi tifau tesfaldet bahlibi da men zeifelto! ab gebhawun bigele tedanagiru eyou tezenbirwa ab barentu yserh neiru gega ychlaaley nai hikmina neiru kemti hade haw zigelezo 1974
      weziu kemegatami nai zeta temedibu kebabi barentu ane nsu misweze kem memher mis 10 gimt awalden wuhudat tebahtion abu temedibna. abzu teafafi ewanat frzen frzen zibelu meneseyat bigele seluchu yserom kunetatina yhatom entay ygebru alewu endabele tasa nai ketema nabra sile zinebero akmi zeibla kinsa gebha abti ewan barentu kinwecha ena memahran nai awraga serahtechatat abti ewan cila eyou neyru halahi hadiduna megemerta 1975 wezina nabu. abta dekich wuzu endabele bdebdabie yezmena kemzeinebere tegelbitu nimntai wezichum temelesu gebha lieli achma eyou tedelichum ni sudan kidu wei temelesu zibel zesenbid tizaz hibuna es eyou esi hasad tesfaldet hiwetom kizergelom eleni elu baulu zitenseso hasab eyou. ay belaki wei nibelai eyhibechi elu ab golgol derbyouna keydu. bidhriu bichndei gado barka bezihna ribda abti ewan masker dr.fuzum wetahderawi tealim gern tegadelti kona. tesfaldet ezi jazus gin kemsil nai gebha kaba techedinu kebich ab 1976 kab meda hadimu. ezi zitarichu da ehigedefawi muchanus minm zehfr eichonen niu. ezi ymesli kunchal tarichu naisi weslat .

      Like

  4. g
    18 Mar 2017 at 8:58 pm

    Tesfaldet Bahlibi

    Like

  5. tesfamichael ogbazghi
    20 Mar 2017 at 3:40 am

    tes
    A picture of a lion no one could not afraid, but HIGHDEF and his dogs burking until the regime will be thrown like DERGIS ETHIOPIA. I advice to any Eritrean followers Maskeram .net any one can write true news and false news but we have to understand who wrote this ,because at this time we do not know who is Eritrean or wayane Agame .everybody can I am Eritrean. But who knows him. n

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: